ድለ

2021.10.24 Cardinale Jozef Tomko, Prefetto emerito della Congregazione per l'evangelizzazione dei Popoli 2021.10.24 Cardinale Jozef Tomko, Prefetto emerito della Congregazione per l'evangelizzazione dei Popoli 

ካርዲናል ጆሰፍ ቶምኮ፡ ኣብ 98 ዕድሚኦም ዓሪፎም

ስሎቫክያዊ ካርዲናል ጆሰፍ ቶምኮ ሎሚ ሰኑይ ንጋሆ ዓሪፎም። ንሶም ሓላፊ ሮማዊ ቤት ጽሕፈት ንስብከተ ወንጌልን ካብቶም ዝሸምገሉ ካርዲናላት ዝነበሩ ኮይኖም፡ ብ1985 ዓ.ም. ብር.ሊ.ጳጳሳት ቅ.ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኢዮም ካርዲናል ተሸይሞም።

ዜና ቫቲካን!

ካርዲናል ጆሰፍ ቶምኮ፡ ኣብ ሮማ ዝርከብ መንበሪ ቤቶም ኢዮም ዓሪፎም፡ ኣብዚ ቦታ እዚ ብደናግል ደቂ ፍቅሪ ናይ ቅዱስ ቪንቸንስዩስ ኢዮም ክናበዩ ጸኒሖም።

ኣብ ሆስፒታል ጀመሊ ሮማ፡ ኣብ ክሳዶምን ዓንድሕቆን ብዘጋጠሞም መጉዳእቲ ብ25 ሰነ ድሕሪ ኣትዮም፡ ኩሉ ዝከኣል ክንክን ክግበረሎም ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ንገዛ ድሕሪ ምምላስ፡ ክሳብ 6 ነሓሴ ኣብ ገዛ ፍሉይ ክንክን ብሓደ ውፉይ ነርስ ክግበርሎም ቀንዩ።

ኣብ ሆስፒያል ኣብ ዝጸንሑሉ፡ ብዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር፡ ካርዲናል ፔትሮ ፓሮሊን ተበጺሖም ኢዮም።

ካቶሊካዊ ጉባኤ ጳጳሳት ስሎቫኪያ፡ መርድእ ብፁዕ ካርዲናል ጆሰፍ ቶምኮ ምስ ተቀበሉ፡ ንኹሎም ምእመናን ምእንቲ ሰላማዊ ዕረፍቲ ብፁዕነቶም ክጽልዩ ጻውዒት ኣቅረቡ። ኣብ ሮማ ዝፍጸም ስነ ስርዓት ቀብርን፡ ንዕኡ ስዒቡ ከኣ ኣብ ኮሲቸ ስሎቫኪያ ንዝፍጸም ቀብርን ሓበሬታ ክወሃብ ኢዩ።

ኣብ መጀመሪያ ጋዜጣዊ መግለጺ ጉባኤ  ጳጳሳት ስሎቫክያ ከምዚ ዝብል ነንብብ፡

“ብዓሚቁ ሓዘንን ኣብ መንጽሩ ከኣ ብምሉእ ምትእምማን ተስፋ ትንሳኤን፡ ሎሚ ነሓሴ 8, 2022 ብፁዕ ካርዲናል ጆሰፍ ቶምኮ ነፍሶም ንኽብሪ ጎይታ፡ ኣብ ግዜ ረፋድ ኣብ ሮማ መነበሪ ቤቶም ብዝፈትውዎም ኣዝማዶም ተኸቢቦም ኣብ ዘለዓለማዊ ዕረፍቲ ከምዝሓለፉ ንገልጽ።”

ንኹልኹም  ኣብ ጸሎትኩም ክትዝክርዎም ንምሕጸን። ተወሳኺ ሓበሬታን መግለጽን ኣብ ሮማ ንዝፍጸም ስርዓተ ቀብሪ ዝምልከትን፡ ኣብ ሃገሮም ኣብ ከተማ ኮሲቸ ኣብ ካቴድራል ቅ. ኤልሳቤጥ ንዝፍጸም ቀብርን ኣብ ዝሓጸረ ግዜ መግለጺ ክወሃብ ኢዩ።

ብድምጺ ንምክትታል!
08 August 2022, 18:21