ድለ

ክሌኣዊ ስምምዕ ኣብ መንጐ ቅድስቲ መንበርን ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ሳኦ ቶመን ፕሪንሲፐን ክሌኣዊ ስምምዕ ኣብ መንጐ ቅድስቲ መንበርን ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ሳኦ ቶመን ፕሪንሲፐን 

ክሌኣዊ ስምምዕ ኣብ መንጐ ቅድስቲ መንበርን ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ሳኦ ቶመን ፕሪንሲፐን

“እቲ ናይ ሓባር ናይ ስምምዕ ሰነድ ናይ ካቲሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ናይ ቤተ ክርስቲያን ተቕዋማት ኣብ ሳኦ ቶመን ፕሪንሲፐን ሕጋዊ ሰብነት ኣፍልጦ ዝህብ፡ ነቲ ኣብ መንጐ ቤተ ክርስቲያንን መንግስትን ዘሎ ርክባት ድማ ሕጋዊ መቓኑ ዘነጽር”

እቲ ኣብ መዓልቲ በዓለ ፍልሰታ ለማርያም ዕለት 15 ነሓሰ ኣብ መንጐ ቅድስቲ መንበርን ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ሳኦ ቶመን ፕሪንሲፐን እተፈረማ ክሌኣዊ ናይ ስምምዕ ሰነድ፥ ንሕጋዊ ስብነት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስልቲያንን ኣብታ ኣፍሪቃዊ ሃገር ናይ እትርከብ ቤተ ክርስቲያን ተቛማትን ኣፍልጦ ዝህብ ምዃኑ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ሳው ቶመን ፕሪስኒፐን ሓንቲ ካብተን ካብ መፋርቕ ሰብዓታት ኣትሒዘን ብርእሰን ካብ ዚመሓደራ ዝነኣሳ ሃገራት ኣፍሪቃ ክትከውን እንከላ፡ እቲ ክሌኣዊ ናይ ስምምዕ ሰነድ ዕለት 15 ነሓሰ  ኣብ ሳው ቶመን ፕሪንሲፐን ናይ ወጻኢ ጒዳያት ሚስተር ህንጻ  ኣብ ዝርከን ናይ ጒባኤ - ኣድራሽ ኣብ ዘሎ ቤት ጽሕፈት ዝተኸተመ ምዃኑ ዜና ቫቲካን ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ጠቒሱ የመላኽት።

ንሓባራዊ ረብሓ ዝኣመተ ርእሰ ምሕደራ

እቲ ናይ ስምምዕ ሰነድ ብቋንቋ ፖርቱጋልን ጣልያንን እተዳለወን 28 ዓንቀጻት ዘጠቓልል ከም ዝኾነን ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ጠቒሱ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ “እቲ ናይ ሓባር ናይ ስምምዕ ሰነድ ናይ ካቲሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ናይ ቤተ ክርስቲያን ተቕዋማት ኣብ ሳኦ ቶመን ፕሪንሲፐን ሕጋዊ ሰብነት ኣፍልጦ ዝህብ፡ ነቲ ኣብ መንጐ ቤተ ክርስቲያንን መንግስትን ዘሎ ርክባት ድማ ሕጋዊ መቓኑ ዘነጽር” ከም ዝኾነን ኣብ ርእሲ እዚ እውን “ነቲ ኣብ መንጎ እዘን ክልተ ሃገራት ዘሎ ማእስር ዕርክነትን ምትሕብባርን ዘደልድ ኮይኑ፡ እዚ ድማ ነቲ ግቡእ ናይ ነፍሲ ወከፈን ናጽነት ዝሕልውን ንመንፈሳውን ስጋውን ጥዕና ሰብኣዊ ፍጥረት ከምኡ እውን ነቲ ሓባራዊ ረብሓ ንምድንፋዕ ብቖራጽነት ክነጥፋ” ዝገብር ምዃኑ የመላኽት።

18 August 2022, 10:12