ድለ

2021.11.29 Papa Francesco incontra Monsignor Fernando Ocáriz Braña, Prelato dell’Opus Dei; con il Vicario Ausiliare, Monsignor Mariano Fazio. 2021.11.29 Papa Francesco incontra Monsignor Fernando Ocáriz Braña, Prelato dell’Opus Dei; con il Vicario Ausiliare, Monsignor Mariano Fazio.  (Vatican Media)

ኣዋጅ ንማሕበር ተግባር እግዚኣብሔር (Opus Dei) ምክልኻል መለኮትዊ ተውህቦን፡ ምትብባዕ ስብከተ ወንጌልን

በታ ናይ 4ተ ነሓሴ ሰነድ “Ad charisma tuendum” ቅዱስ ኣቦና ፍራንቸስኮስ ንክብ ዝበለ መዓርግ መራሒ ማሕበር ተግባር እግዚኣብሔር ንዝነበሮ ደረጃ ስልጣን ኣቡን ብምእላይ፡ ካብቲ ዝነበሮ ንኣቡናት ዝሓሊ ቤት ጽሕፈት ኩርያ ሮማና ኣልዮሞ። በዚ መሰረት እቶም ላዕለዋይ ሓላፊ እዚ ማሕበር ናይ ጵጵስና መዓርግ ኣይክህልዎምን ኢዩ። ሊቀ ካህናት ሞንስኞር ፈርናንዶ ኦካሪዝ ከምዝበልዎ፡ ቅዱስ ኣቦና እቶም ሓድሽ ሊቀ ካህናት “ቀላሲ/መራሒ ክኾኑ፡ ልዕሊ ኩሉ ግን ኣቦ ክኾኑ” ኣለዎም ይብሉ።

ዜና ቫቲካን

ድሕሪ 40 ዓመታት ሓዋርያዊ ቅዋም Ut sit፣ በቲ ግዜ እቲ፡ ቅዱስ ኣቦና ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ማሕበር ተግባር እግዚኣብሔር ከም ፍሉይ ላዕለዋይ ሓላፍነት ኮይኑ ተሰርዓ፡ ቅዱስ ኣቦና ፍራንቸስኮስ ኣብዚ ግዜ እዚ ሓድ ሓደ ኣቃውማ እዚ ማሕበር ብመንፈስ Praedicate Evangelium ኣሓዲሶም፡ እዚ ከኣ ነቲ መለኮታዊ መንፈሳዊ ተውህቦን ንምትብባዕ ስብከተ መንጌልን ንምክልኻል ኢዩ።

ካብ መዓርጋዊ ስልጣን ናብ መለኮታዊ መንፈሳዊ ተውህቦ

ብቀዳምነት ብመሰረት ዓንቀጽ 117 Praedicate Evangelium፡ ክፍሊ ቫቲካን ንማሕበር ተግባር እግዚኣብሔር ተጸዋዕነቱ ንጳጳሳት ዝሓሊ ቤት ጽሕፈት ዘይኮነስ ናይ ካህናት ቤት ጽሕፈት ኣብ ዝሓሊ ክኸውን ኢዩ፡ ላዕለዋይ ሓላፊ እዚ ማሕበር ዓመታዊ ጸብጻቡ ከም ካህን ኮይኑ ከቅርብ ኢዩ። እዚ ዝበልናዮ ላዕለዋይ ሓላፊ ካብቲ ናይ ቅድም ፍልይ ብዝበለ ኣገባብ ቅብኣት መዓርግ ኣቡን ኣይክህልዎን ኢዩ፡ ነዚ ከኣ እዚ ኣዋጅ ኣብ ቁ.4 ትጠቅሶ። ስለዚ እምበኣር፡ ላዕለዋይ ሓላፊ ማሕበር ተግባር እግዚኣብሔር ዝነበሮ ስመ ተጸውዖ ሽመት ተወሲዱ ብክቡር ኣባ ዝብል ክቅየር ኢዩ።

ምስ ቅኒት መስራቲ ምኻድ

ነቲ ዝቀደመ ዕላማ ብምዝካር፡ ማለት ቤተ ክርስትያን ንእትምርሓሉ “ዓቢ ተስፋ” እዚ ከኣ “ነገራውን ንማሕበር ተግባር እግዚኣብሔር እተርእዮ ሓልዮትን” ኣብ ግዜ ምስረታ ከም ካህን ንዝብል መግለጺ ብቅዱስ ኣቦና ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማይ ዝተዋህበ፡ ኣብ ርእሲ እዚ ብተወሳኺ እዚ ኣዋጅ ዝብሎ “ሓላፊ ማሕበር ተግባር እግዚኣብሔር ኣብ ሓቀኛ መለኮታዊ ተውህቦ ቤተ ክርስትያን ዘነጻጸረ ሓሳብ ኢዩ፡ ብንጹር ከኣ ኣብ ምስክነትን ሓሳብን መስራቲ ምስማር ኢዩ፡ ቅዱስ ጆሰማሪያ ኤስክሪቫ ደ ባላንጉር፡  ከምኡ’ውን ምስ ትምህርትን ሓሳብን ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ቤተ ክርስትያን ኣብ ውልቃዊ ሓላፍነት ካህናት ንዝብል የነጽር። እዚ ምቅርራብ እዚ ብ4 ነሓሰ ኣብ ትግባረ ክውዕል ኢዩ።

ሞንሲኞር ኦካሪዝ፡ ሓድሽ ላዕለዋይ ሓላፊ “መራሒ ልዕሊ ኩሉ ግን ኣቦ”

ንኣባላት እዚ ማሕበር ኣብ ዝተሰደ መልእኽቲ፡ መራሒ ማሕበር ተግባር እግዚኣብሔር ሞንሲኞር ፈርናንዶ ኦካሪዝ፡ ኣብ መወዳእታ “ብውሉዳውነት” ነቲ ቅዱስ ኣቦና ዝኣዘዝዎ  ተቀቢሎም ዝገለጽዎ “እዚ ስጉምቲ እዚ ኣብ ኩልናን ነፍሲ ወከፍናን ክቃላሕ” ምሉእ ተስፋ ኣለኒ፡ እዚ ከኣ ብዕምቆት ንመንፈስ መስራቲ እዚ ማሕበር ዝተንከፎ ኩነት ክንርዳእ ዝተዋህበና ኣጋጣሚ ኢዩ ኢሎም።

ቅዱስ ኣቦና ኣብዚ ብኣንጽዖት ከሕልፍዎ ዝደለዩ፡ ንመልኮታዊ ተውህቦ ማሕበር ተግባር እግዚኣብሔር ኮይኑ እዚ ዝዕድመና፡ ሃዋህው ስድራ ቤታዊ ኣቀራርባ ከነሔይልን ክንተኣማመን ኢዩ። “እቶም ላዕለዋይ መራሒ ካህን መራሒ ኢዮም፡ ልዕሊ ኩሉ ግን ኣቦ ክኾኑ ኢዩ።”

ሕቶን መልስን ንዝተገብረ ለውጢ ንምግንዛብ

ንላዕለዋይ መራሒ ካህን እትርኢ መልእኽቲ ብ8ተ ሕቶታትን ንዕኡ ዝምልከት መልስን ብእንታይነት እቲ ኣዋጅን ዝተሰነየት ኢያ። ብፍላይ ከኣ ብዛዕባ ብዛዕባ ርክብ ቅዱስ መዓርግን መለኮታዊ ውህበትን ከኣ ተተኩር።

ብድምጺ ንምክትታል!
23 July 2022, 19:52