ድለ

ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር ኣብ ዩክረይን ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር ኣብ ዩክረይን 

ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር፡ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ዩክረይን ክበጽሑ ተወፍዮም ኢዮም

“ካብ ኣውስትራልያ ኣብ 2015 ንሮማ ምስ መጻእኩ፡ ቅዱስ ኣቦና ብዛዕባ ዲፕሎማሲ “ዝምልስ ኣገባብ ዲፕሎማሲ ዘይኮነስ ኣቀዲሙ ዝግንዘብ፡” ኣማዕድዩ ዝርኢ ኢዩ ዘድሊ፡ ዓጋቲ/ከልካሊ ዝኾነ ዲፕሊማሲ ኢዩ ዘድልየና ከምዝበሉኒ እዝክር። ሎሚ ዩክረይን እተገንዝበና፡ ግጭታት ክንጽበዮም ከምዘለና ትነግረና ኣላ፡ ዲፕሎማስያዊ ዓቅማታትና ነዚ ኣቀዲሙ ኣመዛዚኑ ኣብ ዓለምና እንታይ ኣሎ ክንፈልጥ ኣሎና።”

ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ፓል ሪቻርድ ጋላገር፡ ቅዱስ ኣቦና ንኬቭ ዩክረይን ክበጽሑ ይደልዩ፡ እዚ ግን ብኸመይን መዓስን ንዝብል ዝተፈልጠ የሎን፡ ኣስዕብ ኣቢሎም፡ ዓመጽን ግፍዕን ኣብ ዘለወሉ ኵነት ዲፕሊማስያዊ መስርሕ፡ ንዝካየድ ዘሎ ውግእ ደው ከብሎ ዘይምኽኣሉ ውድቀት ኢዩ ኢሎሞ።

ዜና ቫቲካን

ሊቀ ጳጳስ ብጹዕ ኣቡነ ፓል ሪቻርድ ጋላገር፡ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዝቀልጠፈ ግዜ ንኬቭ ዩክረይን ክኸዱ ይምድቡ። ነዚ ርእቶ ዝሃበ ኣብ ቫቲካን ምስ ሃገራትን ዓለም ለኻዊ ውድባትን ዝራኸብ ጸሓፊ ኮይኑ ብሰሉስ ኣብ ዓመታዊ ጉባኤ፡ ኣብ ሪሚኒ ፓላዞ ቦሮመዮ ምቅማጥ ኢጣልያዊ ኤምባሲ ንቅድስቲ መንበር ዝሃቦ ርኢቶ ኢዩ።

ነዚ ርኢቶ ሊቀ ጳጳስ ጋላገር ጋዜጣዊ ዋዕላ ኣብ ዝገበረሉ፡ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ትሕቲ መጥቃዕትን ዓመጽን ንዘላ ሃገር ክበጽሑ ድላይ ከምዘለዎም ደጊሙ እናረጋገጸ፡ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ነታ ብውግእ ዝዓነወት ሃገር ከምዝበጽሕዋን፡ በዚ ከስተንትኑ ከለዉ፡ ዓለም ለኻዊ ማሕበረሰብ ካብ ምጥንቃቅ ዘይሓለፈ፡ ኣጥቢቆም ውግእ ደው ክብል ዘሰርሔ ዲፕሎማስያዊ ውድቀት ኣሎ ይብሉ። ንዩክረይ ናይ ምብጻሕ ድሌት ዘይተርፍ ኢዩ ፡ብጹዕነቶም ብዛዕባ ምብጻሕ ቅዱስ ኣቦና ንዩክረይ ተሓቲቶም ክምልሱ ከለዉ፡ ደጋጊሞም ከም ዘረጋገጽዎ ምሉእ ድላይ ከምዘሎ እናስመሩ፡ መዓስን ብኸመይን ንዝብል ግን ገና ኣይተፈልጠን ኢሎም።

እዞም ናይ ቫቲካን በዓል መዚ፡ ኬቭ ክበጽሑ ዕድል ንዝረኸብዎ እናዘከሩ፡ ቅድምን ድሕርን ምብጽሖም ንዝነበረ ድምጺ መዳፍዕን ውግእን ይዝክሩ። “ኣብ ውሽጠይ ስንባደን ክትኣምኖ ዘሸግረካን ኩነታት ኢዩ ተመዝጊቡ” ቀጺሎም ንምንታይ እንተበልና “ኣብ ኤውሮጳ ኣብ ውግእ ምህላውና።” ኢዩ። “ኣብ ስድራይ፡ ኣቦይን ኣበሓጎይን ብዛዕባ ውግእ ከዘንትዉለይ እዝክር። ኣነ ብኣካል ዕንወትን፡ ምክልኻልን ርእየ፡ እዚ ኩሉ ዝካየድ ዘሎ ናይ ብሓቂ ዕንቅፋት ኢዩ። ኣነ ዝተዓዘብክዎ ድልውነት ምክልኻል፡ ክዋግኡ ምሉእ ድሌት ዘለዎም፡ ክስዕሩ ዝብህጉ ኢየ

ዘዓዚበ። ኣብዛ ዘለናያ ግዜ እዚ ኩሉ ኣጋጢሙና፡ ኣብ ኤውሮጳ ውግእ ኣብቂዑ ኣብ ንብለሉ ግዜ እዚ ኣጋጢሙ።” “ንድፕሎማሲ ብዝርኢ፡ ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር ዝተኣመንዎ፡ ክንግንዘቦ ዘለና ውድቀት ኢዩ።” ነዚ ደው ዘብል ዲፕሎማስያዊ ኣገባብ ክድለ ኣለዎ “ካብ ኣውስትራልያ ኣብ 2015 ንሮማ ምስ መጻእኩ፡ ቅዱስ ኣቦና ብዛዕባ ዲፕሎማሲ “ዝምልስ ኣገባብ ዲፕሎማሲ ዘይኮነስ ኣቀዲሙ ዝግንዘብ፡” ኣማዕድዩ ዝርኢ ኢዩ ዘድሊ፡ ዓጋቲ/ከልካሊ ዝኾነ ዲፕሊማሲ ኢዩ ዘድልየና ከምዝበሉኒ እዝክር። ሎሚ ዩክረይን እተገንዝበና፡ ግጭታት ክንጽበዮም ከምዘለና ትነግረና ኣላ፡ ዲፕሎማስያዊ ዓቅማታትና ነዚ ኣቀዲሙ ኣመዛዚኑ ኣብ ዓለምና እንታይ ኣሎ ክንፈልጥ ኣሎና።”

“ምንም እኳ ብዛዕባ ዳግመ ሕንጸት ምዝራብ ግዜኡ እኳ እንተዘይኮነ፡ እንተኾነ ግን ኣወንታዊ ኣረኣእያ ክህልወና ግን ጽቡቅ ስለዝኾነ፡ ደቂ ዩክረይን ማሕበራዊ መዋቅር እታ ሃገር ክሓንጹ ንዝተጎድኡ ሕዝቦምን ከሰንዩ ክንሕግዞም ኣሎና።”

ኣድላይነት ዕርቅን ምሕረትን ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳ ጋላገር፡ “ከም ካህን ዝስምዓንን ክንርስዖ ዘይብልናን ግዴታ፡ ሽሕኳ ጽዑቅ ስቃይን ቃንዛን እንተሎ መልእኽቲ ምሕረትን ይቅረታን ክንዝክር ኣሎና።

ኣብ ኤውሮጳ፡ ናይ ሰላም ተኣምራት ኣሎና፡ ድሕሪ 2ይ ውግእ ዓለም፡ ድሕሪ ሒደት ዓመታት ኣብ መንጎ ጀርመንን ፈረንሳይን ዝተገብረ ዕርቂ ንዘክር። ኣብዚ ግን ዓለምለኻውያን ተቅዋማትና ከነሔድስ ኣሎና፡ OECD (ንኤኮኖምያዊ ምትሕብባርን ምዕባለን ዝኣሊ ማሕበር) ንኣብነት፡ ሕብረት ኤውሮጳን፡ ሕቡራት መንግስታትን።”

ኣኼባ ሪሚኒ ኣብ ሪሚኒ ዝተገብረ ጉባኤ፡ ምሕዝነታዊ ርክብ ኣሕዛብ ተባሂሉ ይጽዋዕ፡ እዚ ከኣ  ብሱታፌን ሓርነትን ዝተመወለ ኢዩ፡ እዚ ክውን ክኸውን ዝኸኣለ ድማ ምስ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ብምትሕብባር ኮይኑ ኣብ ጣልያናዊት ከተማ፡ ኣብ ኣድርያዊ ባሕሪ፡ ኣብቲ ፍሉጣት ተዛረብትን ተሳተፍትን ተቅባል ዝተገብረሉ ቦታ ተፈጸመ።

ናይዚ ዓመት ጉባኤ፡ መለለዩኡ መበል 43 መደብ ብዝብል ኮይኑ፡ ኣብ ዝመጽሕ ነሓሰ 20-25/2022 መደብ ወጺእዎ ዘሎ ኮይኑ ናይዚ ቴማ ከኣ “ብርቱዕ ስምዒት ንወድሰብ” ዝብል ኢዩ። ኣብዚ ጉባኤ ካብ ዝሳተፉ፡ ናይ ጣልያን ቀዳምይ ሚኒስተር ማሪዮ ድራጊ፡ ናይ ጣልያን ጉባኤ ጳጳሳት ፕረሲደንት ሊቀ ጳጳስ ካርዲናል ማተዮ ዙፒ፡ ሊቀ ጳጳስ ፓውሎ ፐዚ ኣብ ርእሰ ሰበኻ ኣደ ኣምላኽ ንሞስኮ፡ ብፁዕነቶም ፔርባቲስታ ፒዛባላ ናይ ላቲን ፓትርያርክ ኣብ ኢየሩሳሌም፡ ካርዲናል ድየዶነ ንዛፓላሌንጋ ሊቀ ጳጳሳ ባንጉ ማእከላይ ሪፖብሊክ ኣፍሪቃ ኢዮም።

16 July 2022, 16:04