ድለ

ጋላገር፥ ናይ ስነ ምግባራዊ ስርዓታት ስነ ክሌኣዊ ርክባት ኣገልግሎት ተራኽቦ ህዝብታት እዩ ጋላገር፥ ናይ ስነ ምግባራዊ ስርዓታት ስነ ክሌኣዊ ርክባት ኣገልግሎት ተራኽቦ ህዝብታት እዩ  

ጋላገር፥ ናይ ስነ ምግባራዊ ስርዓታት ስነ ክሌኣዊ ርክባት ኣገልግሎት ተራኽቦ ህዝብታት እዩ

ኣብዚ ዓውደ ጒባኤ እዚ ልዕሊ 35 ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ልኡካነ መንግስታት ከም እተሳተፉን ናይዚ ማሕበር እዚ ኮነ ናይ ዘዳለዎ ዓውደ ጒባኤ ቀንዲ ዕላማ ብፖለቲካዊ ግብረ ሰናይ ዝቘመን ሓባራዊ ኣኽብሮትን ሕድሕዳዊ ምክብባርን ሃይማኖታዊ ዘተን ፍትሓውን ዘላቒ ምዕባለን ምንቕቓሕ ዝብል

ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርክባት ጒዳይ ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ፓውል ሪቻርድ ጋላገር ኣብቲ ብማሕበር “ፖለቲካዊ ግብረ ሰናይ” እተወደበ ዛዕባ “ስነ ክሌኣዊ ርክባት ስነ ምግባራዊ ስርዓታትን ምዕባለን” ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሑ ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ኣኼባ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ ሓባራዊ ፍታሕ ዜድልዮ ሓባራዊ ብድሆታት እናሃለወ ኣብ ስነ ምግባራዊ ስርዓታት ዝጸንዐ ስነ ሜላዊ ርክባት ናይ ሰብኣዊ ስድራ ቤት ሓባራዊ ረብሓ ንምድንፋዕ እዩ ዝጽዕር ዝብል ሓሳብ ከም ዘስመሩሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ መንጐ ሃገራት ዘሎ ርክብ ነዚ ሎሚ ዘሎ ዓለም ለኻዊ ብድሆታት ንምስጋር “ክንየው ንቡርነትን ካብ ዝደጋገም ዓለም ሓቆፍ ምጥርጣራትን ዕቃበታትን ምባል የድሊ፡” በዚ ምኽንያት እዚ ድማ “ኣብቲ ሰፊሕ ኣድማሳዊ ግብረ ሰናይ ባሕሪ ምጒዓዝ የድሊ።” ነዚ ዝበሉ ኣብቲ ዕለት 20 ጥሪ 2022 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ሕንጻ ቅዱስ ካሊስቶ ኣብ ዝርከብ ጽርሓ ፒዮስ መበል 11 ብመንግስቲ ኢጣሊያ ተፈላጥነት ዝተወሀቦ ጳጳሳዊ በዓል መሰል ብኣልፍረዶ ሉቻኒ ብዝምራሕ ማሕበር “ፖለቲካ ግብረ ሰናይ” እተወደ “ናይ ስነ ምግባራዊ ስርዓታትን ዕቤትን ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክባት”  ዘርእስቱ ዓውደ ጉባኤ ተረኺቦም መደረ ዘስምዑ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ጒዳይ ርክባት ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ፓል ሪቻርድ ጋላገር ንትርጉምን ኣረኣእያን ኣህጉራዊ ርክባት ሕጽር ብዝበለ መገዲ እንክገልጹ ክኸውን እንከሎ፡  በዚ ምኽንያት እዚ እዩ ድማ እቲ ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ዘይፈልጥ እዋናዊ ሕልኽልኻት ሓድሽ ናውትን ኣገባባትን ዝሓትት ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣብዚ ዓውደ ጒባኤ እዚ ልዕሊ 35 ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ልኡካነ መንግስታት ከም እተሳተፉን ናይዚ ማሕበር እዚ ኮነ ናይ ዘዳለዎ ዓውደ ጒባኤ ቀንዲ ዕላማ ብፖለቲካዊ ግብረ ሰናይ ዝቘመን ሓባራዊ ኣኽብሮትን ሕድሕዳዊ ምክብባርን ሃይማኖታዊ ዘተን ፍትሓውን ዘላቒ ምዕባለን ምንቕቓሕ ዝብል ክኸውን እንከሎ፡ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ጋላገር ኣብ ዘስምዕዎ መደረ “ናይ ስነ ምግባራዊ ስርዓታትን ምዕባለን ክሌኣዊ ርክባት ንተግባራት መንግስታት ብሓቂ ከነቓቕሕ ይኽእል እዩ። ስነ ምግባራውያን ስርዓታትን ምዕባለን መሰረት ዝገበረ ክሌኣዊ ርክባት ጸገማት ዓለም ኮነ ኣብ መንጐ ሃገራት ክፍጠር ዝኽእል “ዘይምርድዳእ ብፍትሓውን ሕድሕዳዊ ምክብባር ብዝዓሰሎ ተግባር ፍታሕ ዝህብ እዩ። ከም ሓቂ እኳ ደኣስ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ሓባራዊ ፍታሕ ዜድልዮ ሓባራዊ ብድሆታት እናሃለወ ኣብ ስነ ምግባራዊ ስርዓታት ዝጸንዐ ስነ ሜላዊ ርክባት ክንየው ፍሉይ ረብሓታት ብብዝሓ ጐናውነት ናይ ሰብኣዊ ስድራ ቤት ሓባራዊ ረብሓ ንምድንፋዕ እዩ ዝጽዕር፡ ከምቲ ኣብ ምዝዛም ካልኣይ ወግእ ዓለም ዝተራእየ ፍጽመ።” ጳጳሳዊ ክሌኣዊ ናይ ስነ ሜላ ርክባት  - ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርክባት ሜላ “ኣብ ክውንነት እተመርኰሰ ኣርኣእያ ናይ ሓባር ረብሓን ሰናይን ሰብኣውነትን ጭቡጥ ኩነታት ንምምሕልላፍ” እዩ ዝጽዕር። ስለዚ ዕላማ ናይዚ ስጒምቲ እዚ ክሌኣዊ ስነ ሜላዊ ርክባት ናይ ግድን ኣብቲ ዘይንጽል ዕቤት ደቅሰብ ዝጠቅም ስነ ምግባራዊ ስርዓታት ዘተኾረ ክኸውን ኣለዎ።  ሎሚ ግን ብዛዕባ እቲ ኵላዊ ኣዋጅ 1948 ዓ.ም. ዛዕባ ሰብኣዊ ክብርን መሰልን ኣብ ኵሉ መዋዕልን ባህልታትን ተቐባልነት ክረክብ ዘለዎ። ኣብዚ እዋን እዚ ግና እቲ ሰብኣዊ ክብርን መሰልን ኣብቲ ሰብ ምዃን ዝጸንዔ ክነሱ ኣብ ርእሰ ምትእምማንን ሓይልኻን ሓይለይን ዝምኰስ ብምግባር ኵላውነቱ እናተዘንገዔ ጉጅላዊ እናዀነ እዩ ዝኸይድ ዘሎ። . . . ጳጳሳዊ ናይ ስነ ሜላዊ ርክባት ኪደት ናይቶም ግዳያትን ዝሳደዱን ንዝተፈላለየ ዓመጻ ዝቃልዑን ድምጺ እዩ። ክብርን መሰልን ክንየው መንነትን ዓሌትን ባህል ሃይማኖትን ምዃኑ ዘመላኽት እዩ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

እዚ ዝንባለታት እዚ መሰረት ናይቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ “ስነ ምግባራዊ መግዛእቲ” ከም ዝበለዎን እዚ ኸኣ ስነ ምግባር ከም ደቅሰብ መጠን ካብ ዝዀነ ይዅን ንእሽቶ ጒጅለ ማለት ካብ ስድራ ቤት ሃገር ቀቢላ ወይ ባህሊ ንላዕሊ ሕብረተሰብ ከም ዘገድስ ኣትሪሮም ከም ዝገልጽዎ እዩ። . . . መላእ ዜጋታት ዓለም ማዕረ መሰልን ክብርን ግብኡን ዘለዎም እያቶም። ስድራ ቤት ከኣ “ሰብ ናይ ገዛእ ርእሱ ማሕበራዊ ማዕቅኑ ዝረኽበሉን ዝመሃረሉን ቦታ እዩ።” ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝገልጽዎ ሕውነት ኵላውነት ኣድማስ ዘለዎ እዩ። እዚ እውን ናይ ምዕባለ ማዕቅን እዩ ክኸውን ዘለዎ፡  እዚ ኸኣ ፖለቲካ ምዕባለ ቍጠባ ማሕበራዊ ማዕቅን ክህልዎ ዝግባእ። . . . ናይ ስነ ምግባራዊ ስርዓታት ክሌኣዊ ርክባት ሜላ ኵሉ ሰብኣዊ ጸገማትን ግድላትን ናይ ኵላትና ከም ዝኾነ ብዅሉ መገድታት የተሓሳስበና ኵላትና ኣብ ናይ ሓባር ቤትና እንነብር ሓንቲ ስድራ ቤት ብምዃንና ዘመላኽት እዩ። . . . ስለዚ ክሌኣዊ ስነ መላዊ ርክባት እዚ ዓይነት ርድኢት ክህልዎ እንከሎ ሃይማኖታውን ባህላውን ፍልልያት ንጥቕሚ ኵሎም ደቅሰብ ንምትሕብባርን ዘተባብዖ ከም ዝኾነ ተስተውዕልን እቲ ፍልልያት ዘተዓርቕ ስነ ምግባራዊ ስርዓታት ንምድላው ዝከኣል፥ እዚ ዓይነት ኣመለኻኽታ እዚ ኣብዚ እዋናዊ ዓለም ዓቢይ ኣበርክቶ ከም ዘለዎ እውን ኣስፍሕ ኣቢሎም ከም ዘመላኸቱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

22 January 2022, 17:21