ድለ

2020.12.12 Santa Messa nella festa della Madonna di Guadalupe 2020.12.12 Santa Messa nella festa della Madonna di Guadalupe 

ኣብ በዓለ ማርያም ዘጓዳሉፐ ጸሎተ መቊጸርያ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ!

ዓመት መጸ ዕለት 12 ታሕሳስ ብኣቆጻጽራ ጎርጎሮሳውያን በዓለ ቅድስት ድንግል ማርያም ዘጓዳሉፐ ይዝከር፤ በዚ ዕለት እዚ ብ ኣቆጻጽራ ሰዓት ሮማ ሰዓት 10 ቅ.ቀ ብጳጳሳዊ ኮሚሽን ላቲን ኣመሪካ ዝተመደበ ብቀጥታ ዝመሓላለፍ መደብ ጸሎተ መቊጸርያ ክግበር ምዃኑ ካብ ቅድስት መንበር ዝወጸ ዜና ኣመልኪቱ።

ዜና ቫቲካን!

ብሓፈሻ ጠበቃ ደቡብ ኣመሪካ ብፍላይ ከኣ ናይታ ንሳ ዝተገልጸትላ ሃገረ መክሲኮ ጠበቃ ዝኾነ ቅድስት ድንግል ማርያም ዘጓዳሉፐ ክብረ በዓል ኣብ መላእ ዓለም ብዝርከቡ ደቂ ዓድን መፍቀርቲ ድንግል ማርያምን ዓመት ዓመት ብድምቀት እንክዝከር ኣብ ሮማ እውን ወዲ ደቡብ ኣመሪካ ዝኾነ ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ በትረ ሥልጣን ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ዝሕዙ ከምዝበዓል ዝዝከር እዩ።

ሰንበት ዕለት 12 ታሕሳስ ላቲናዊ ሥር ዓተ ኣምልኾ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ሳልሳይ ሰንበት ዘምጽኣት እውን እትዝክረሉ ዕለት ብምዃኑ ምስ ልደት ብምትሕሓዝ ኣደ ኣምላኽ ዝኾነት እኖና ቅድስት ድንግል ማርያም እንክትዝከር ዓቢይ ድምቀት እዩ ዝህቦ፤ ስለዝኾነ ከኣ ንላቲን ኣመሪካ ዚሓሊ ጳጳጳሳዊ ኮሚሽን ‘ኣብ ቅርበትን ተኣማንነትን ተኸታሊ ጴጥሮስ’ ብዝብል ቴማ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ናብ ኣደ ኩልና ዝኾነት ንምህለላ ንራኸብ እንክብሉ ነቲ ካብ ዕለት 9 ክሳብ ዕለት 12 ታሕሳስ ብ1531 ዓም ኣብ ሓንቲ ኩርባ ተበያክ ናይ ሃገረ መክሲኮ ዝተፈጸመ ሎሚ እውን ንዓና ከም ሓንቲ ስድራቤት ዓለም ኰና ከም ቤተክርስትያን ብ እምነትን ፍቅርን ተስፋን ተደፋፊእና ንዘክሮን ንጸልን እንክብል ዕድመ ኣቅሪቡ።

ስለዝተረስዑን ግዳያት ለበዳ ኮቪድ 19 ዝቀርብ ጸሎት!

ዘመነ ለበዳ ኮቪድ 19 ሎምስ ይሓልፍ ይኸውን እናክትብሎ መመሊሱ ብምብራዑ እነሆ ናብ ሳልሳይ ዓመትና ንጐዓዝ ኣሎ እሞ ኣብዚ ስለዝተረስዑን ግዳያት ለበዳ ኮቪድ 19ን ዝቀርብ ጸሎት እውን ርሕቀቶም ሓልዮምን ዘድሊ ጥንቃቄን ብምግባር ኣብ ቅር ዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ብሓንሳብ ንምጽላይ ዕድመ ዘቅረበ ጳጳሳዊ ኮሚሽን ላቲን ኣመሪካ እዩ። እዚ ኮሚሽን እዚ ፍልይ ብዝበለ መንገዲ ብዛዕባ እቲ ሰፋሕ ካቶሊካዊትቢቤተክርስትያን ደቡብ ኣመሪካ ንር.ሊ.ጳ ከማኽርን ክሕግዝን ብበዓል ሠናይ ዝኽሪ ር.ሊ.ጳ ፕዮስ መበል 12 ብ1958 ዓም ዝቆመ እዩ።

እቲ ዕድመ ንኩሎም ዝቀረበ እንክኸውን ፍልይ ብዝበለ መንግዲ ከኣ ኣብ ሮማ ዝርከቡ ማሕበረኮም ላቲን ኣመሪካን ሃገረ ፊሊፒንን እዮም፣ ምሳኦም እውን ኣብ ሮማን ከባቢኣን ዝነብሩ ነበርትን ነጋድያንን ደቂ ላቲን ኣመሪካ ዝኾኑ ገዳማውያንን ገዳማውያትን ካርዲናላትን ጳጳሳትን ኣካላት ዲፕሎማስን ኣብላት ኩርያ ሮማንን ፍልይ ዝበለ ዕድመ ቀሪብሎም ከምዘሎ ተመልኪቱ።

  እቲ መደብ ኣብ ኩለን ኣብያተ ክርስትያን ዓለምና እውን ተዘርጊሑ ኩሎም ብሓባር ስለዝተረስዑ ክፍሊ ሕብረተሰብናን ግዳያት ለበዳ ኮቪድ 19 ክጽለ ምዃኑ እውን ምስ እዚ ተታሕሒዙ ዝመጸ ዜና ገሊጹ።

ታሪኽ ግልጸት ድንግል ማርያም ዘጓዳሉፐ መክሲኮ ብዕለት 9 ታሕሳስ 1531 ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ከተማ መክሲኮ ተፐያክ ኣብ እትበሃል ኩርባ ንሓደ ኽዋን ድየጎ ዝበሃል ድኻ ህንዳዊ ዝተራእየት ድንግል ቤተመቅደስ ይሰራሕ ክትብል ከላ ምልክት ኣደ ኣምላኽን ዝኾነት ማርያም ሒዙ ይርከብ፣ እቲ መልእኽቲ ካብ ጳጳስ ናይ’ቲ ዓዲ ብዙሕ ተቋውሞ እኳ እንተኣጓነፎ ድሕሪ ሳልስቲ ዕለት 12 ታሕሳስ ኣብ በጃ ክዳን ናይ’ቲ መንእሰይ ተሳኢሉ ዝተረፈ ምስሊ ደንግል ማርያም ዘጓዳሉፐ ክሳብ ለይቲ ሎሚ ቀዋሚ ሓወልቲ ኮይኑ ኣሎ።

ናይዚ ተኣምር እዚ መጋበሪ ዝኾነ ኽዋን ድየጎ ብዕለት 6 ግንቦት 1990 ዓም ብፅ ዕናኡ እንክ እወጅ ብ ዕለት 31 ሓምለ 2002 ዓም ከኣ ብበዓል ሠናይ ዝኽሪ ር.ሊ.ጳ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ቅዱስ ተባሂሉ።

ብድምጺ ንምክትታል!
25 November 2021, 15:38