ድለ

ቅድስቲ መንበር፥ ዛዕባ ለውጢ ኣየር ዝግበር ጻዕሪ ይስጒም እኳ እንተሎ ግዜ ይጽንቀቕ ኣሎ! ቅድስቲ መንበር፥ ዛዕባ ለውጢ ኣየር ዝግበር ጻዕሪ ይስጒም እኳ እንተሎ ግዜ ይጽንቀቕ ኣሎ! 

ቅድስቲ መንበር፥ ዛዕባ ለውጢ ኣየር ዝግበር ጻዕሪ ይስጒም እኳ እንተሎ ግዜ ይጽንቀቕ ኣሎ!

እቶም ልኡኻት ቅድስቲ መንበር ተጋብእያን ኣብቲ ዋዕላ ነቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዛዕባ ሓባራዊ ቤትና ዘለዎም ሻቕልሎት “ንሰብኣዊ ገጽ እቲ ቅልውላው ከባቢ ኣየር ኣብቶም ኣብ ድኽነት ዝርከቡን ከምኡ እውን ጠንቂ እቲ ቕልውላው ከባቢ ኣየር ንኽህሉ ካብ ዝገብሩ እቶም ዝተሓተ እጃም ዘለዎም ሰባት የጒልሕ”

ዝተወሃበ ሓፈሻዊ መግልጺ ዛዕባ ለውጢ ኣየር ዝመኸረ መበል 26 ኣህጉራዊ ዋዕላ፥ ሃገራት ዓለም ነቲ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ሙቐት ምድሪ ኪድርታ ከምዘለወን ዘጒልሕ እኳ እንተ ዀነ ንገሊኡ ጋግ ንምምላእ ንጹር ናይ ስምምዕ ውሳኔ ኣገዳሲ ምዃኑ የመላኽት፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ተስፋ ምህባ” ከምኡ እውን “ንቶም ኣዚዮም ተኣፋፍያን ማሕበርሰባት ምሕጋዝን ተስፋ ምሃብን ኣድላዪ እዩ” ዝብል ሓሳብ ዝተነብሮ ቅድስቲ መንበር ነቲ መበል 26 ዓለም ሓቆፍ ዋዕላ ዛዕባ ለውጢ ኣየር ኣብ ግላስጎ ዝተሳተፉ መንግስታት ዝኣተውዎ መብጽዓታት ዘማእከለ መግለጺ ከምዘውጸአትን ነቲ ዓለም ለኻዊ ገምጋም ሙቐት ካብቲ ቅድሚ ናይ ኢንዳስትሪ ምዕባለ ዝነበረ 1.5 ዲግሪ ሰንቲ ግረድ ደረጃ ሙቐት ንምምላስን እዚ እውን ኣብ ግብሪ ንምውዓል ሃብቲ ገንዘብ ምቕራብን የድሊ። እቲ መግለጺ ከምዝሕብሮ እቶም ልኡኻት ቅድስቲ መንበር ተጋብእያን ኣብቲ ዋዕላ ነቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዛዕባ ሓባራዊ ቤትና ዘለዎም ሻቕልሎት “ንሰብኣዊ ገጽ እቲ ቅልውላው ከባቢ ኣየር ኣብቶም ኣብ ድኽነት ዝርከቡን ከምኡ እውን ጠንቂ እቲ ቕልውላው ከባቢ ኣየር ንኽህሉ ካብ ዝገብሩ እቶም ዝተሓተ እጃም ዘለዎም ሰባት የጒልሕ” እንክብሉ ዝገለጽዎ ሓሳብ ናብቲ ኣብ ስኮትላንድ እተኻየደ ዓለም ለኻዊ ዓውደ ኣኼባ ከምዘብጽሕዎን ነቲ መግለጺ ዝጠቀሰ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ንጹር መገዲ ዝሕብር ንጹር ናይ ውሳኔ ሰነድ

እቲ ቅድስቲ መንበር ንቓል ኪዳን መንግስታት፥ “ካብቲ ዝተኣትወ ቃል ንላዕሊ ምስራሕ የድሊ” ዝብል ሓሳብ ዝተነበሮ መግለጺ ኣዘኻኪሩ “በካሊ ከባቢ ኣየር ኣብ ምንካይን ምትዕርራይን ነዚ መሳለጢ ዝወጽእ ሃብቲ ገንዘብን” እተፈጥረ ጋግ ንምዕራይ ውጽኢታዊ መገዲ ምርካብ” ኣድላዪ ምዃኑ የመላኽት። “ነቲ ሸቶታት ውዕል ፓሪስ ንምውቓዕ መሰረታዊ ዝኾነ ነዚ ሰለስተ መዳያት ተባሂሉ ዝዳሎ ሃብቲ ክድልድልን ክሕደስን ኣለዎ።” ዋዕላ መበል 26 ዛዕባ ለውጢ ኣየር ዝማዕበላ ሃገራት ተበግሶ ብምውሳድ ነዚ ጋግ እዚ ንምምላእ ኣብ ሓደ ንጹር ናይ ሓባር ናይ ስምምዕ ውሳነ ክበጽሓ ተስፋ ዝገበረ እዩ” ይብል።

ንዚመጽእ ወለዶታት ሓላፍነት ዚስምዖ ውሳነ

ድሕርዚ ነቲ እቶም ንለውጢ ከባቢ ኣየር እተቓልዑ ማሕበረሰባት ዘጋጥሞም ጸገማት ብምትኳር መራሕቲ ሃይማኖት ተመራመርቲ ስነ ፍልጠትን ዝሓለፈ ዕለት 4 ጥቅምቲ ብሓባር ዘቕረብዎ ምሕጽንታ ይዝክር፡ ንቓላት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከኣ “ብዛዕባ እቲ ብኢንዳስትሪ ዝማዕበላ ሃገራት ድኻታት ዝእውድኦ መሓድሮኣዊ ዕዳን ምትሕብባርን” ዝብል ብዛዕባ ምክንኻን ናይ ሓባር ቤትና ዘስምዕዎ ምሕጽንታ ብምቕራብ እቶም ኣብቲ ዝተኻየደ ዋዕላ ዝተሳተፉ ናይ ቅድስቲ መንበር ልኡካን እቲ ናይ መበል 26 ዓለም ሓቆፍ ዋዕላ ዛዕባ ለውጢ ኣየር ናይ ሓቂ ሓላፍነት ዝስምዖ ነቲ ናይ ድኻታትን ምድርን ገዓር ምላሽ ዝህብ ናይ ውሳነ ሰነድ ከምዝቐርብ ተስፋ” ከምዝገበሩን፥ እቲ ናይ መግለጺ ሰነድ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብ ስኮትላንድ ካቶሊክ ማሕበረሰብ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ “ናይ ሓባር ቤትና ንምድሓን ግዜ ይጽንቀቕ ኣሎ - እዚ ኣጋጣሚ ከንቱ ክኸውን የብሉን” እንክብሉ ዘስመሩሉ ሓሳብ መሰረት ይዛዘም።

14 November 2021, 00:13