ድለ

ፓሮሊን፥ እቲ ንምድሪ ዜስግእ ብድሆታትን ሕጅን ብሓባርን ኪፍታሕ ኣለዎ! ፓሮሊን፥ እቲ ንምድሪ ዜስግእ ብድሆታትን ሕጅን ብሓባርን ኪፍታሕ ኣለዎ! 

ፓሮሊን፥ እቲ ንምድሪ ዜስግእ ብድሆታትን ሕጅን ብሓባርን ኪፍታሕ ኣለዎ!

“ነቲ ከም ዘርኢ ግጭት ኮይኑ ዝግለጽ ኵሉ ክንቃወሞ ኣሎና። እዚ ኸኣ “ስስዐ ድንቍርና ፍርሂ ምጒዳል ፍትሒ ሻቕሎት ዓመጻን” ዝብል ዘርኢ እዩ

ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፓሮሊን፥ ናብ ሃገራዊ ዋዕላ ምክንኻን ተፈጥሮ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ፥ “ሓባራዊ ቤትና ልክዕ ከም ሓንቲ ኣብ ሕቝፎኣ እትቕበለና ኣደን ከም ሓንቲ ህላወ እንካፈላ ሓብትና” እያ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“እታ መሰረታዊት ቃል ብሓባር እትብል እያ፥ ብሓባር ኴንና ነታ ናይ ሓባር ቤትና ዚጸልው ዜስግእ ሓደጋታት ክንገጥሞ ኣሎና። ለውጢ ከባቢ ኣየር ምድረ በዳን ብከላን ከምኡ እውን ምጥፋእ እተፈላለዩ ዓይነት ኣትክልንትን እንስሳታትን” ገለ ካብቲ ንዓናን ንህይወት ምድርናን ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ዘይፈልጥ ብድሆታት እዩ። ነዚ ዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ናብቲ ብማሕበር ሓብትና ተፈጥሮ እተወደበ ሃገራዊ ኣኼባ ተፈጥሮ ንምክንኻን ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልኽቲ ክኸውን እንከሎ፡ ምልስ ቢሎም እቲ ኣብ ግላስኮው እተኻየደ መበል 26 ኣህጉራዊ ዋዕላ ዛዕባ ለውጢ ከባቢ ኣየር ከም ዝዘከሩ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ኵለንተናዊ ማሓድሮ

ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ኣስዒቦም፥ “ነቲ ከም ዘርኢ ግጭት ኮይኑ ዝግለጽ ኵሉ ክንቃወሞ ኣሎና። እዚ ኸኣ “ስስዐ ድንቍርና ፍርሂ ምጒዳል ፍትሒ ሻቕሎት ዓመጻን” ዝብል ዘርኢ እዩ። ከምቲ ዕለት 12 ታሕሳስ 2020 ዓ.ም. ናብቲ ዝለዓለ ክብሪ ንከባቢ ኣየር ዝብል ህንጡይ ዋዕላ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ “ነቲ ከባቢ ኣየር ዝብክል ጋዝ ናብ ዜሮ ንምንካይ ዚሕግዝ መደብ፡ ቅድስቲ መንበር ከም እተቐበለቶ ከም ዝሓበሩን እዚ መደብ እዚ ዘይንጽል ማሓድሮኣዊ ንምድንፋዕ ዝድግፍ ትምህርቲ ንምንቕቓሕ ቘራጽነት ብዝያዳ ከም ዘድሊ” ዝነገር ምዃኑ ኣዘኻኪሮም፥

ካብቲ ምጒሓፍ ዝብል ባህሊ ናብቲ ናይ ምክንኻን ባህሊ ምግዓዝ

እቲ ዝሓለፈ ዕለት 4 ጥቅምቲ 2021 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን “እምነትን ስነ ፍልጠትን፥ ናብ መበል 26 ዋዕላ ዛዕባ ለውጢ ኣየር” ብዝብል ኣርእስቲ እተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ዘኪሮም፡ “ብዙሕ ባህልታት ብዙሕ መንፈሳውነት ከምኡ እውን ብዙሕ እተፍላለየ ስነ ፍልጠታዊ ዓውድታት ዘራኸበ ፍጻሜ እዩ ነይሩ” ቢሎም “ኣብዚ ኣነባብራናንን ኣብ ልዕሊ ተፈጥሮን ፍጥረትን ዘሎና ኣመለኽታን ለውጢ ብህጹጽ ክጅመር ኣድላዪ ኣብ ዝኾነሉ እዋን ገዛእ ርእስኻ ኣብ ምውፋይ ሓያል ምትሕብባር ይሓትት” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ግዜ ይሓልፍ ኣሎ፥ ካልእ ግዜ ምጽባይ ዝከኣል ኣይኰነ

ኣብ መወዳእታ ብጹዕነቶም ስጒምቲ ምውሳድ ሕጹጽ ምዃኑ ንምዝኽኻር፥ “ድሕሪ ደጊም እንጽበዪ ግዜ የልቦን። ኣብዚ እዋን እዚ ብዙሓት ሰባት በዚ ማሓድሮኣውን ከባቢ ኣየርን ዝመልኦ ቅልውላው ይሳቐዩ ኣለዉ ብፍላይ ከኣ እቶም ድኻታትን እተገለሉ ተነቀፍቲ ጒጅለታት ደቀባት ንነዊሕ እዋን መጠኑ ዝሓለፈ ጾር ተሰኪሞም ብድኽነትን ብብከላን ለብዕን ኣጸቢቖም ተተንኪፎም እዮም። መንእሰያት ካባና ህጹጽ ለውጢ ይሓትቱ ኣለዉ። እቲ ኣብ ቅድመና ተዓሪዱ ዘሎ ብድሆ ትምህርታውን ባህላውን ስነ ምግባራውን መቓርቦ ዝጠልብ እዩ” እንክብሉ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ከምዘጠቓለሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

29 November 2021, 09:15