ድለ

2019.10.26 Sinodo dei Vescovi sedicesima Congregazione generale 2019.10.26 Sinodo dei Vescovi sedicesima Congregazione generale 

ሲኖዶስ ማለት እንታይ ማለት እዩ! ሓጺር ትንተና ናይቲ ኣብ ዘመናት ዝተገብረ ጒዕዞ ሲኖዶስ ኣበውን ተመኲሮኦምን!

ኣብ ዝሓለፈ ዜናታትና ብተደጋጋሚ ከምዝተገልጸ እቲ ነዊሕ ምስንዳው ዝተገብረሉ ሲኖዶስ ድሮ ኣኺሉ ሓደ መዓልቲ ኣብ ዝተርፈሉ ሎሚ ዕለት 9 ጥቅምቲ መሰናደዊ ኣስተንትኖ ኣብ ኣደራሽ ሲኖዶስ ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ኣብ ዝተረኽቡሉ ይግበር ኣሎ። ነቲ ኣስተንትኖ ብዝበለጸ ንምክያድ ከኣ ጒዕዞ ሲኖዶስ ኣበው ምናዳ ኣብዘን መጨረሻ ዘመናት ክሳብ ዘመን ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሕልፍ ሕልፍ ኢሎም ሓጺር ታሪኽ እውን ዳግም ተመልኪቶሞ።

ዜና ቫቲካን!

ኣብ ሕይወት ቤተክርስትያን ሲኖዶስን ጉባኤን ዝብላ ብተደጋጋሚ ካብ ምሥረታኣ ጀሚሩ ዝተገብረ ስለዝኾነ ምስ መንነት ቤተክርስትያን ዝተታሓሓዙ እዮም ክንብል ንኽእል። እዚ ጽባሕ ዕለት 10 ጥቅምቲ 2021 ብዕሊ ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ብዝሠርዕዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ክኽፈት ተመዲቡ ዘሎ ሲኖዶስ እውን ሓደ ካብዚ ጒዕዞታት ቤተክርስትያን ኰይኑ ምስቲ ጒዕዞ ክልተ ሺሕ ዓመታት ቤተክርስትያን ይስራዕ። እዚ ብዓቢይ መሥዋዕተ ቅዳሴ ሰንበት ዝኽፈት ፍጻሜ እዚ መንፈሳዊ ምስንዳው ስለዘድለዮ ሎሚ ቀዳማ ዕለት 9 ጥቅምቲ ኣብ ኣዳራሽ ሲኖዶስ ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ኣብ ዝተረኽቡኡ ናይ ኣስተንትኖን ነቲ መርሓ ግብር ዳግም ናይ ምምልካትን ዕማም ብዝተፈላለዩ ጒጅለታት ቋንቋ ኪካየድ ውዒሉ።

ቅዱስነቶም ኣብቲ ቀዳማይ ክፍሊ ናይቲ ዘተን ኣስተንትኖን ብምስታፍ ቃሎም ድሕሪ ምሃብ ነቲ ዝተረፈ በብጒጅለ ተማቂሎም ከምዝተዝተዩ ተመልኪቱ። በዚ ከኣ መላእ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኣብ ሲኖዶስ ከምዝተጸምደት እንክምልከት ቁሩብ እንታይነት ሲኖዶስ ክንምልከት ኣድላዩ ኰይኑ ስለዝተረኽበ ከምቲ ቅዱስነቶም ዝሓተትዎ ሲኖዶስን ብመንፈስ ሲኖዶስ ምጒዓዝን እንታይ ኮን ይኸውን ንዝብል ሕቶ ክንምልክተ ኢና።

ሲኖዶስ ዝብል ቃል ትርጉሙ እንታይ እዩ!

ሲኖዶስ ዝብል ቃል ምስ ልማድ ቤተክርስትያን ዝተታሓሓዘ ኰይኑ ካብ ክልተ ጥብቆታት ግሪኽ ማለት ሲን-ሱን ዝብል መስተጻምር ምስ እንከመልክት ኦዶስ ዝብል ከኣ መንገዲ እንከመልክት እዚ ከኣ ነቲ ሕዝበ እግዚአብሔር ዝገብሮ ጒዕዞ ተባሂሉ ነቲ ጐይታ ‘ኣነ መንገድን ሓቅን ሕይወትን ዝበሎ ተመርኲሱ በቲ ናብ ሕይወት ዘብጽሕ ሓቀኛ መንገዲ ምሳኡ ኰንካ ናባኡ ብሓባር ምጒዓዝ የስምዕ።

ካብ ቀዳሞት ክፍለ ዘመናት ኣትሒዙ ኣብ ሕይወት ቤተክርስትያን ዝተፈላለዩ ሲኖዶሳት ይጥቀሱ! እዚ ሲኖዶሳት እዚ ዝተፈላለየ ደረጃታት እንክህልዎ ገሊኡ ብደረጃ ሰበኻ ገሊኡ ብደረጃ ዞባን ክፍለሃገርን ካባኡ ሕልፍ ቢልካውን ብደረጃ መንበረ ፓትርያርክን ኩላዊትቢቤተክርስትያንን ይካየድ ነበረ። ዝካየድሉ ዝነበረ ከኣ ጉዳያት ዓምዲ እምነትን ሥር ዓተ ኣምልኮን ቀኖናን ጒስነትን ንዝምልከቱ ሕቶታትን ግድላትን ብብርሃን ቃል ኣምላኽን መሪሕነት  መንፈስ ቅዱስን ተመርሕካ ምምልካቶምን ምፍታሖምን ነበረ፤ እዚ ሲኖዶስ ዝብል ቃል ግሪኽ ብቛንቋ ላቲን ከምዘሎ ሲኖዶስ ዝብል ቃል ከማኡ እውን ኮንቺልዩም ማለት ጉባኤ ዝብል ትርጉም ክጥቀሙ ጀመሩ። እዚ ምስቲ ኤክለዝያ ማሕበር ጉባዔ ቤተክርስትያን ዝብል ማሕበር ጽውዓት ዝተሓሓዝ ነበረ። ብሓጺሩ ሲኖዶስ እንክብሃል ምስ ናይ ጒዕዞ ብጻይ ብሓባር ምጒዓዝ ኰይኑ እዚ ከኣ ኣብ ናይቢቤተክርስትያን ሕይወት እንክምልከት ንቃል ኣምላኽ ንምብሳርን ንምምስካርን ብሓባር ንምጒዓዝ ዝተጸውዑ ማሕበር ሰባት የስምዕ።

ሲኖዶስ ኣብ ታሪኽ ቤተክርስትያን ብከመይ ተገሊጹ ንረኽቦ!

ቤተክርስትያን ከም ሕዝበ እግዚኣብሔር እትቆመሉን ተልእኮኣ እትፍጽመሉን መንገዲ ሲኖዶስ ኰይኑ ኣብ ታሪኽ ቤተክርስትያን ምልስ ኢልና ምስ እንምልከት ኣብተን ቀዳሞት ዘመናት ኣቡን ዝለዓለ ሓላፍነት ቤተክርስትያን ሃልይዎ ምስ ዝጽግሞ ከኣ ምስ ካል ኦት ኣቡናት ኪጋባእን እቲ ጉባኤ ብከመይ ክምራሕ ከምዘልዎን ዝ እንፍቱ ቀነኖታት ሓዋርያት ይጥቀሱ! በዚ መንፈስ እዚ ከኣ ብ325 ቀዳማይ ኢኩመኒካዊ ጉባኤ ኒቅያ ከምዝተኻየደን ኩላዊት ቤተክርስትያን ብሓባር ጸገማታ ክትፈትሕ ጀመረት። እዚ ከምዚ ኢሉ ብስም ኢኩመኒካዊ ጉባኤታት ኣብ ወገን ም ዕራብ እንኪካየድ ኣብ ምሥራቃውያን ኣብያተ ክርስትያናት ግን ሲኖዶስ ብዝለዓለ ናህሪ ተጓዕዘ ገና እውን ይ ጐዓዝን ይመርሕን ኣሎ። ኣብ መንበረ ሮሜ እውን እንተኾነ ክሳብ ሓሙሻይ ዘመን ብሲድኖዶስ ብዙሕ ጉዳያት ይካየድ ነቢሩ ደሓር ግን ናብ ጉባኤታት ሰጊሩ ክሳብ እቲ ምፍልላይ ዘፈጥረ ጉባኤ ኮንስታንስ ነበረ፤ ብድሕሪኡ እውን እንተኾነ ንፕሮተስታንት ንምቅዋም ጉባኤ ትረንቶ ኣብ 1870 ከኣ ጉባኤ ቀዳማይ ቫቲካን ተኻየደ፤ ኣብ መወዳእታ ካል ኣይ ጉባኤ ቫቲካን ምስ ተገብረ ከምብሓዲስ ናብ ሲኖዶስ ኣበው ጳጳሳት ንመለስ ተባሂሉ ተጀመረ።

ሲኖዶስ አበው ጳጳሳት ማለት እንታይ ማለት እዩ!

አበው ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን እቲ ኣብ መበቆል ሓዋርያዊት ቤተክርስትያን ዝነበረ ሕብረት ኣብ መንጎ አቡናትን ዘካይድዎ ዝነበሩ ምትሕብባርን ኢድ ን ኢድ ተታሓሕዝካ ብሓባር ምጒዓዝን ማለት ሲኖዶሳዊ ኣገባብ ዳግም ሕይወት ንክዘር እ እንታይ ይገበር ኣብ ዝብል ሓሳብ ነዊሕ ድሕሪ ተዛትዮ ር.ሊ.ጳ ቅዱስ ጳውሎስ 6ይ ብ15 መስከረም 1965 ዓም ኣፖስቶሊካ ሶሊቺቱዶ ብዝብል ኣዋጅ ንመላእ ቤተክርስትያን ዘገልግል ሲኖዶስ አበው ጳጳሳት ኣቆሙ፤ ቅዱስነቶም ኣብቲ ሰነድ ባህርይ ሲኖዶስ ኣበው ጳጳሳት እንክገልጹ ‘ንር.ሊ.ጳ ኣብ ምኽርን ምሕደራን ዝሕግዙ ካብ መላእ ዓለም ዝተመርጹ ጳጳሳት ኣብ ግዝያውን ከከም ኣጋጣሚኡ ዝርከቡ ጉዳያትን እጃሞም የበርክቱ፤ እዚ ከኣ ከም ምኽርን ለበዋን ዝቀርብ ኰይኑ ር.ሊ.ጳ ነቲ በዞም ኣበው ጳጳሳት ዝቀርብ ምኽርን ለበዋን ተቀቢሎም ብብርሃን መንፈስ ቅዱስ ተደጊፎም ሓዋርያዊ ምሕጽንታስ ይኹን ሓዋርያዊ መል እኽቲ ክሳብ ሓዋርያዊ ኣዋጃት ከቅርቡ ይኽ እሉ፤ እዚ ከኣ ምስ ጴጥሮስን ኣብ ትሕቲ ጴጥሮስን ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ር.ሊ.ጳ በብግዜኡ ሲኖስዶ አበው ጳጳሳት ጸዊዖም ክመርሕዎን ምሳኦም ብሓባር ክሰርሑን ነቲ ኮልጃሊቲ ማለት ጳጳሳት ኩሎም ብሓባር ኣብ መሪሕነት ቤተክርስትያን ዝብል ሓሳብ ዘራጒድ ነበረ’። በዚ ከምዚኸስ ሲኖዶስ አበው ጳጳሳት ን እምነት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ብሓድነት ምስ ምሉእ ሓይሉን ትሕዝቶኡን ንም ዕቃብን ንምድንፋዕን ታሪኻዊውን መዝገበ እምነታዊ ሓድነቱን ከምዝሕሉ ይገብሮ፤ ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ኣብ ኤፒስኮፓሊስ ኮሙንዮ ዝብል ሓዋርያዊ ኣዋጅ ዝበልዎ ሲኖዶስ ኣበው ጳጳሳት ክቡር መዝገብን ውርሻን ካል ኣይ ጉባኤ ቫቲካን እዩ።

ናይ ሎምዘመን ሲኖዶስ አበው ጳጳሳት ብከመይ ኪካየድ እዩ!

ኣብ ዝሓለፈ ዜናታትና ከምዝተገልጸ ንምእመናን ዝምልከት ሲኖዶስ አበው ጳጳሳት ሰንበት ዕለት 10 ጥቅምቲ 2021 ዓም ኣብ ቫቲካን ከማኡ እውን ዕለት 17 ጥቅምቲ ኣብ ኩለን ናይ ክልል ኣብያተ ክርስትያን ብዕሊ ክኽፈት እዩ፡ ነዚ ብዝምልከት ዋና ቤትጽሕፈት ሲኖዶስ አበው ጳጳሳት ንምኽፍት ሲኖዶስስ ይኹን ኣብ ኣካያዳኡ ዘሰኒ መመርሒ ሰነድ ከምዝገልጾ ድሮ ኣብ ጉባኤ ሲኖዶስ ከምዘሎና ብምርዳእ ኩሎም እጃሞም ከበርክቱ ከምዘለዎም ዋና ጸሓፊ ሲኖዶስ አበው ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ማርዮ ግረች ኣዘኻኺሮም ከምዝነበሩ ዝዝከር እዩ።

ብፁዕነቶም ነዙይ ኣብ ዝገለጹሉ ግዜ ንቀንዲ ታባታት ናይዚ ሲኖዶስ ከምዚ ክብሉ ዘርዚሮም ነሮም፤ እቲ ሲኖዶስ ኣብ መንጎ ጥቅምቲ 2021ን ጥቅምቲ 2023 ዓም ዘሎ ዓመት ሠለስተ ገጽታ ከምዝህልዎ እዚ ኸኣ ብቀዳምነት ካብ ደረጃ ሰበኻ ናብ ደረጃ ኣህጉር ብምስግጋር ኣብ ክልተ ዝተፈላለያ ግዝያት ተኻዪዱ ብ2023 ኣብ ከተማ ቫቲካን ብኩለንትናዊትቤተክርስትያን ክዛዘም እዩ፤ እቲ መምርሒ ሰነድ ኣብ ኩለን ናይ ክልል ኣብያተ ክርስትያን ንዝርከቡ ም እመናን ጽን ኢልካ ብምስማዕን ምኽሮም ብምሕታትን ኣብ ዝካየድ ጒዕዞ ንኽሕግዝ እዚ ከኣ ካብ ጥቅምቲ 2021 ክሳብ ሚያዝያ 2022 ዓም እዩ ዝካየድ። ነቲ ዝተኣከበ ርእይቶን ምኽርን ለበዋታትን ኣኪብካ ብኩለን ናይ ክልል ኣብያተ ክርስትያን በብደረጃኡ ዘተ ተኻዪዱስ ኣብቲ ሓፈሻዊ ናይ ኩለንትናዊት ቤተክርስትያን ሲኖዶስ ክብጻሕ ዘለዎም ተስፋ ገሊጾም ነበሩ።

ብድምጺ ንምክትታል!
09 October 2021, 16:07