ድለ

ር.ሊ.ጳ. “ብስም ኣምላኽ” ዘቐረብዎ ጻውዒት፥ ዝያዳ ሰብኣዊ ንዝኾነት ዓለም ር.ሊ.ጳ. “ብስም ኣምላኽ” ዘቐረብዎ ጻውዒት፥ ዝያዳ ሰብኣዊ ንዝኾነት ዓለም  ርእሰ ዓንቀጽ

ር.ሊ.ጳ. “ብስም ኣምላኽ” ዘቐረብዎ ጻውዒት፥ ዝያዳ ሰብኣዊ ንዝኾነት ዓለም

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብታ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኰይኖም ካብ ዝተሓረዩላ ዕለት ኣትሒዞም ቅድም እውን “ሕብረተሰብኣዊ ገጠምቲ” እንክብሉ ዝጽውዕዎም ህዝባውያን ምንቅስቓሳት ዘካይድዎ ኣኼባታት ነቶም ሓያላት ዓለም ሓያል መደረ ንምቕራብን ንቓል ኪዳን ኵሎም ጻውዒት ዘቕርብሉ ኣጋጣሚ እዩ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 16 ጥቅምቲ 2021 ዓ.ም. ኣብ ራብዓይ ዓለም ሓቆፍ ዓውደ ኣኼባ መላእ ህዝባውያን ምንቅስቓሳት ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ፥ እቲ ኣብዚ እዋን እዚ ዝርአ ዘሎ ስርዓት “መዋቕራዊ ሓጢኣት” ለውጢ ኽግበር ዘቕረብዎ ጻውዒት ኣማኣኪሎም ናይ ዜና ቫቲካን ዋና ርእሰ ዓንቀጽ ኣሰናዳኢ ኣንድረያ ቶርኒየሊ ኣብ ዘቕረብዎ ሓተታ፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ትሽዓተ ብትኽክል “ብስም ኣምላኽ እንክብሉ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንመንግስታትን ንመራሕቲ ሃይማኖታት ዓለምን ዘቕረብዎ  “ሕቶ” ኣብቲ ዕለት 16 ጥቅምቲ 2021 ዓ.ም. ናብ ዝተኻየደ ራብዓይ ዓለም ሓቆፍ ዓውደ ኣኼባ ህዝባውያን ምንቅስቓሳት ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ቤተ ክርስቲያን ዘንበርዎ ጻውዒት ክኸውን እንከሎ፥ እቲ ዝተኻየደ ዓውደ ርክብ እቲ ቤተ ክርስትያን ኣበርቲዓ እትዓየሉ ጠለባት ነቲ ህልው ቍጠባውን ገንዘባውን ኣገባብ ለውጢ ንምግባር እተቕርቦን እተሳልጦን ቆራጽ ጻዕሪ ዘረጋገጸ ተወሳኺ መድርኽ እዩ። እቲ ብስም ኣምላኽ ዘቕረብዎ ጻውዒት ኣብዚ ግዜ እዚ ከኣ ካብ መዓምቝ ካብቲ ዘሕዝን ቅልውላውን እናተዀላለፈ ካብ ዝካየድ ዘሎ ሳልሳይ ውግእ ዓለም ንምምላጥ ምስ ግዜ ዝግበር ቅድድም ከምዝኾነ ዘመላኽት እዩ።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብታ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኰይኖም ካብ ዝተሓረዩላ ዕለት ኣትሒዞም ቅድም እውን “ሕብረተሰብኣዊ ገጠምቲ” እንክብሉ ዝጽውዕዎም ህዝባውያን ምንቅስቓሳት ዘካይድዎ ኣኼባታት ነቶም ሓያላት ዓለም ሓያል መደረ ንምቕራብን ንቓል ኪዳን ኵሎም ጻውዒት ዘቕርብሉ ኣጋጣሚ እዩ። ፍራንቸስኮ ንገዛእ ርእሶም ኣብቲ ሕብረተሰብኣዊ ትምህርቲ ሰረት እምነት ቤተ ክርስቲያን ብምምርኳስ ብፍላይ ከኣ ነቲ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብቲ ኣስተዋጽኦ ሕብረተሰብኣዊ ጠመቓዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን ዝበልዎ ብምጥቓስ ኣብዚ ሕጂ ዘሎ ማሕበራውን ቍጠባውን ኣገባብ ለውጢ ኽንገብር ኣድላዪ ምዃኑ ከም እንርዳእ ይገብሩና።

ር.ሊ.ጳ. ነዚ ሓሳባት እዚ ኣብ ግምት ብምእታው ነቲ ኣብ ቤተ ካቶሊክ ውሽጢ እውን ዘሎ ነቐፌታ ከይተረፈ ኣጸቢቖም ዝፈልጥዎ ጒዳይ እዩ። ውልቃዊ ወይ ብሕታዊ ለውጢ ከም ዜድሊ ዚገልጹ ሰባት ኣለዉ፣ እዚ ሕጂ ዘሎ ስርዓት ኣብ ሕቶ ስለ ዘይኣቱ ንገሊኡ ሸቶታት ፈጺሙ ክብጻሕ ከምዘይከኣል ገይሮም ዚርእይዎ ሰባት ኣለዉ። እንተዀነ ግን ካብቲ ር.ሊ.ጳ. ወይትይላ ኣብቲ Sollicitudo rei socialis - ማሕበራዊ ኽንክን ዘርእስታ ዓዋዲት መልእክቲ “መዋቕራዊ ሓጢኣት” እንክብሉ ኣብ ዝገልጽዎ ነገር ብልክዕ ክርአይ ይከኣል እዩ። ፍራንቸስኮ ተመሊሶም ሰዓት እናሓለፈ ብዝኸደ መጠን ንሰብ ናብ ማእከል ደእ እምበር ናብቲ ገንዘብ ኣምላኺ ዝገብር ባህሊ ምምላስ ዘስዕቦ ጸገም የነጽሩ፡ ካልኣ ኣማራጺ የሎን፡ እዚ ጥራሕ እዩ እቲ እንኰን ዝከኣልን ኣገባብ። እቶም ኣብቲ ብጥምየት ዝሳቐዩ ብዝሒ ህዝቢ ዓለም ኣብዚ እዋን እዚ ዝተወሰኹ ልዕሊ 20 ሚሊዮን ዝግመቱ ብጥምየት ዝሳቐዩ ብጠቕላላ እቶም ብጥምየት ዝሳቐዩ ኵሎም ብኮቪድ - 19 ተለኺፎም ዝሞቱን ሰባት ኣብ ዓለም መዋቕራዊ ሓጢኣት ከም ዘሎ ዝሕብር እዩ።

ካብዚ ፍልጠት እዚ ተበጊስካ እቲ “ብስም ኣምኻል ክልምን እደሊ” እንክብሉ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዘቕርብዎ ጻውዒት ብጥልቂ ዝትንክፍን ዘናውጽ እውን እዩ። ቅዱስነቶም ነቶም ነጋዶ ጥራይ ዘይኮነስ ኣምረትቲ ኣጽዋር እውን ነቲ ዓመጽን ውግእን ዘለዓዕል ንጥፈታቶም ምሉእ ብምሉእ ከቋርጹ ክሳብ ምሕታት በጺሖም እዮም። ስለዚ ኵላቶም ነቲ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝኾኑ “ክሓትቶ እደሊ” ዝብል ዘቕረብዎ ሓሳባት እንደገና ኬንብቡን ኬስተንትኑን ኣለዎም። እዚ ኸኣ ካብቲ ዝርከቡ ሓደስቲ ኣፋውስ ንዅሉ ናጻ ካብ ምግባርን ክሳብ እቲ ዝዝመትን ዚምዝመዝን ዱርን ህዝብታትን ምብዳም ኣግራብን ኣብ መወዳእታ እቲ ንምግቢ ዝምልከት ሃብቲ ንምብሓት ዝግበር ኪደትን ክሳብ እቲ መርበብ ሓበሬታ መሰረት ዝሰፍሕ ናይ ሓሶትን ጠቐነን ሓበሬታ ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ንምህዳንን ክሳብ እቲ “ኣብ ዝኾነ ይኹን ክፋል ምድሪ ዝኾነት ትኹን ሃገር” ዚወርድ መጥቃዕትን ማዕቀብን እገዳን” ዳግማይ ስርሒት ባዕዳዊ ወረራ እንክብሉ ብምግላጽ፡ ክውገድ ዘቕረብዎ ጻውዒት ክሳዕ እቲ ኣብ ዝኾነ ይዅን ክፍሊ ዓለም ዝርአ ግጭት ኮነ ውግእ ኣብ ከም ውድብ ሕቡራት መግንስታት ኣብ ዝኣመሰላ ብዝሓ ጐናውነት ኣብ ዝኾና ውድባት እዩ ክፍታሕ ዘለዎ። ኣብ ትሕቲ እቲ ብሉጽ ድራኸታት ወይ ብጒልቡብ ምኽንያት ብሓደ ወገን ዝግበር እደ ኣታውነት ወራር እንታይ ዘስዕብ ምዃኑ እንርእዮ ዘሎና ሓቂ እዩ! እንክብሉ ጻውዒት የቕርቡ።

ፍራንቸስኮ ነቶም ነዚ ዕላማ እዚ ኣይፋል ዝብሉ ሰባት ዘቕርብዎ ተቓውሞ የስተውዕልዎ እዮም። ገለ ካብቶም እቶም ዝቃወሙ ሰባት ዘቕርብዎ ሸቶታት፥ ብዙሓት ሰባት ናብ ዕዳጋ ስራሕ - ዕዮ ክኣትዉ ዜኽእሎም ንዅሉ ዜጋ ዝወሃብ ዕለታዊ ናብራኡ ንኽመርሕ ዘኽእል ናይ ዜግነት ዶሞዝ ምሃብን መዓልቲ ዕዮ ምንካይን ዝብሉ የዘኻኽሩ። እቶም ነዚ ለውጢ እዚ ብሓባር ኪገብርዎ ዝምነዩ ሰባት እናበዝሑ ብዘኸዱ መጠን እቲ ሕልሚ ጋህዲ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ናይ ሮማ ጳጳስ ዘቕርብዎ ጻውዒት ንዅላትና ማንም ዘይንጽል ዓቢይ ሕቶ እዩ፡ እዚ ኸኣ ነቲ ደልሃመት ንምውጋድ ክንዓዪ ዝጽውዕ እዩ እንክብሉ ኣንድረያ ቶርኒየሊ ዘቕረብዎ ርእሰ ዓንቀጽ ዜና ቫቲካን ይዛዝሙ።

(Andrea Tornielli)

20 October 2021, 09:06