ድለ

ታግለ፥ ኣብ መልክዓ ምድራውን ህላውነትን ወሰናስ ናይ ርህራሀ ልኡኻት! ታግለ፥ ኣብ መልክዓ ምድራውን ህላውነትን ወሰናስ ናይ ርህራሀ ልኡኻት! 

ታግለ፥ ኣብ መልክዓ ምድራውን ህላውነትን ወሰናስ ናይ ርህራሀ ልኡኻት!

. . . “እምነት ውህበት መንፈስ ቅዱስ ስለ ዝዀነ ቅድም ቀዳድም ምጽላይ የድሊ፡ ወንጌል ኣብ ነኣሽቱ ዕለታዊ ነገራት እውን ከይተረፈ ንኸነፍቅርን ኣብ ፍቕሪ ንኽንነብር ይምዕደና”

ብምኽንያት እቲ “ብዛዕባ እቲ ዝረኣናዮ ዀነ ዝሰማዕናዮ ስቕ ክንብል ኣይንኽእልን ኢና” ብዝብል መርሕ ቓል ተሰንዩ ዕለት 24 ጥቅምቲ ዝበዓል ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ተልእዀ፡ ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ናይ ጒባኤ ኣዳራሽ ብዛዕባ እቲ ኣብ ዓለም ዝካየድ ተልእኾ ወንጌል ሓፈሻዊ ትሕዝቶ ከም ዝቐረበ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናብቲ ካብ ተመክሮ ፍቕሪ ኣምላኽ እተወልደ መግለጺ ምስጋናን ሓጐስን ዝዀነ ተልእኾ ኵሎም እቶም ጸጋ ጥምቀት እተቐበሉ ይጽውዑ። ዕለት 24 ጥቅምቲ መበል 95 ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ተክእኾ መሰረት ኣብ ዝተወሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ ናይ ኣስፍሆተ ወንጌል ንኣህዛብ ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ብጹዕ ካርዲናል ልዊስ ኣንቶኒዮ ታግለ፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነታ ዕለት እቲኣ ምኽንያት “ብዛዕባ እቲ ዝረኣናዮን ዀነ ዝሰማዕናዮ ስቕ ክንብል ኣይንኽእል ኢና” ብዝብል ኣርእስቲ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ዝበልዎ ሓሳብ መሰረት ገይሮም፡ እዚ ብቕዱስነቶም ዝተወሃበ ኣርእስቲ እተመርኮሰ ኣብ ኵለን ሰበኻታት ዝተፈላለዩ ተበግሶታትን ዓውደ ኣኼባታትን ከምዝካየድ ይገልጹ።

“እቲ ንልብና ዝተንከፈን ተኣምራት ዝገበረን ኣምላኽ ንርእስና ዓቂብና ንኽንሕዞ ኣይንክእልን ኢና” እንክብሉ ብጹዕ ካርዲናል ታግለ ተልእኾ ንተቐባሊኡ ጥራሕ ዘይኮነ ንኻልኦት ከም ውህበት መጠን ነቲ “ዝተራኸበና ፍቕሪ” ከነካፍላሎ ይምሕጸነና። ኣብ ጒባኤ ወንጌላውነት ህዝብታት ዘሎ ምምሕዳር ነታ እምነት እንተ ዘይንካፍላ ኣብ ንእሽቶ ጒጅለ እንተ ሒዝናያ ናይ ሓደ ብሉጽ ሰብ ስራሕ ከይኑ ይተረፍን ይደክምን። “ልኡካነ ወንጌል በቲ ኣምላኽ ካብ ገዛእ ርእሶም ካብ ፍርሆም ወጺኦም ናብ ኵሎም ኣህዛብ መልክዓ ምድራውን ህላወን ወሰናስን ንኸብጽሑ ዘለዎ ፍቕሪ ተደሪኾም ዘገልግሉ እያቶም። ሓደ ካብቲ መሰረታዊ ምኽንያት ከኣ ሞሳ እዩ። ስለዚህ ርሕሩህ መልእኽተይናታት ክንከውን ኣሎና።” . . . “እምነት ውህበት መንፈስ ቅዱስ ስለ ዝዀነ ቅድም ቀዳድም ምጽላይ የድሊ፡ ወንጌል ኣብ ነኣሽቱ ዕለታዊ ነገራት እውን ከይተረፈ ንኸነፍቅርን ኣብ ፍቕሪ ንኽንነብር ይምዕደና” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ምስክርነት ፓውሊን ጃሪኮት

ጳጳሳዊ ናይ ተልእኾ ተግባር ኣቦ መንበርን ናይ ኣስፍሆተ ወንጌል ንኣህዛብ ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ካልኣይ ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ጃምፒየትሮ ዳል ቶሶ እውን ብወገኖም ኣብቲ ዝተወሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ ነቲ ክርስቲያናዊ ተበግሶ ዚጅምሮ መገድታት ኣብ ግብሪ ምውዓል ዘለዎ ኣገዳስነት ብምጒላሕ እቲ ወንጌል ካብ ሰብ ናብ ሰብ ብዚግብር ርክብ ኣቢሉ ከም ዚመሓላለፍ ገሊጾም፡ ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ ግንቦት 2022 ዓ.ም. ኣብ ፈረንሳ ከተማ ሊዮን እታ ኣብ 1799 ዓ.ም. ካብ ብሃሪ ዕዮ እትመሓደር ሃብታም ስድራ ቤት እተወልደት፡ ካብ ንኡስ ዕድመኣ ኣትሒዛ ኣብ ህይወት ቤተ ክርስቲያን ዓቢዪ ጽልዋ ዝነበራ ንግብረ ተልኾ ሓገዝ ናይ ምእካብ ተግባር ዘበገሰት ቤተ ክርስቲያን ብጽዕና እትእውጀላ፥ ፓውሊን ጃሪኮት ዘኪሮም፥ “ዓባይ ልእኽቲ ወንጌልን እዋናዊትን” እንክብሉ ከምዝዘከርዋ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ እቲ ንሳ ገና ጓል 18 ዓመት እንኰላ ኣብ 1818 ዓ.ም. ዘበገሰቶ ሰናይ ተግባር ኣብ ፈረንሳ ደሓር እውን ኣብ ኤውሮጳ ዓለም ምስ ሰፍሐ ብኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ደረጃ ዕለት 3 ግንቦት 1822 ዓ.ም. እቲ ሎሚ ኣስፍሆተ ወንጌል ንኣህዛብ ዝሓልይ ብዝብል ስም ዝጽዋዕ ቅዱስ ማሕበር ኮይኑ ከምዝቖመ የብርሁ። . . . ኣስፍሆተ ወንጌል ንኣህዛብ ብሓገዝ ምእመናን ዝሳለጥ እዩ” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ታግለ፥ ኣብ መልክዓ ምድራውን ህላውነትን ወሰናስ ናይ ርህራሀ ልኡኻት!
ታግለ፥ ኣብ መልክዓ ምድራውን ህላውነትን ወሰናስ ናይ ርህራሀ ልኡኻት!

ኣብቲ ዝተወሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ ናይ ፍንቸስካውያን ኣገልግልቲ ቅድስት ማርያም ደናግል ማሕበር ጠቕላሊ ሃለቓ እናቴ ኣለሳንድራ ዳልፖዞ “እቲ ንሰን ዘምርሐኦ ዘለዋ ማሕበር ደናግል ኣብ ኣስፍሆተ ወንጌል ዘለዎ ግደን ኣገልግሎቱን ከምዝገለጻን . . . ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ክብ እናበለ ዝኸይድ ዘሎ ግደ ዓለማውያን ምእመናን ልኡካነ ወንጌል

ኣብቲ ዝተወሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ ምስ 2019 ዓ.ም. እተተሓሓዘ ናይ ቤተ ክርስትያን ጭብጥታት ብኣሃዝ ዘርእይ ሰነድ መሰረት፥ ኣብ ዓለም ዘሎ ቝጽሪ ሰዓብቲ ካቶሊክ እምነት ብ 17.7 ሚእታዊ ከም ዝወሰኸን ብዘይካ ኣብ ኤውሮጳ ኣብ ኵለን ክፍለ ዓለም ይዓቢ ምህላውን ብዝሒ ዓለማውያን መእመናን ልኡካነ ወንጌል 410 ሺሕ ከምዝዀነን ኣብ ዓለም ብዝሒ ኣቡናት ብ 13 ኣሃዱ ከምዝነከየን 5.364 ኣቡና ከምዘለዉን ብዝሒ ካህናት 414.336 ከምዝኾነን ኣብ ኤውሮጳ ብ2,608 ኣብ ኣመሪካ ብ 690 ኣብ ኦቻይና ብ 69 ከም ዝነከየን ኣብ ኣፍሪካ ብ 1,649 ከምኡ እውን ኣብ እስያ ብ 1.989 ወሰኽ ከም ዘመዝገበ ምሕባሩ ኣፍሊጡ።

ቤተ ክርስቲያን ኣብ መላእ ዓለም 72,667 ኣባይቲ ትምህርቲ ሕጻናት ከም እተመሓድርን 98,925 መባእታዊ ኣብያተ ትምህርቲ፡ 49,552 ካልኣይ ደረጃ ኣብይቲ ትምህርትን ብጀካ እዚ 2,395,540 ተመሃሮ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ተመሃሮን 3,833,012 ተመሃሮ መናብርተ ጥበብ ከምዘለዉዋ ኣብቲ ዝተወሃበ መግለጺ ከም እተሓበረን እተን ቤተ ክርስቲያን ካብ እተመሓድረን ናይ ግብረ ሰናይን ደገፍን ትካላት ብብዝሒ ኣብ ኣፍሪቃን ኣመሪካን ከምዝርከባን 5,245 ኣባይቲ ሕክምና 14,963 ንድኻታት ዕለታዊ ናይ መግቢ ሓገዝ መዐደሊ ኣባይቲ ከምዘለዋን መብዛሕቲኡ ድማ ኣብ ኣፍሪቃን ኣመሪካን ዝርከብ ኰይኑ ብዘይካ እዚ ሰፈር መእለይ ህሙማን ደዌን መንበረ ኣረጋውያንን ስንኵላንን መዕበያ ዘኽታማትን እውን ከምዘለውዋ ዜና ቫቲካን ነቲ ዝተወሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ ጠቒሱ የመላኽት።

እምበኣር ብመሰረት እቲ ናይ መወዳእታ ጸብጻብ፥ ናይ ኣስፍሆተ ወንጌል ንኣህዛብ ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ሰራሕተይናታት ኣብ ዓለም 1,117 ከምዝኾኑን ዝበዝሕ ካብዚ ድማ ኣብ ኣፍሪቃ - 519 ከምኡ እውን እስያ - 483 ከምዝኾኑን ኣመሪካ - 71 ኦቻይና - 46 ሰራሕተይናታት ከምዘለውዎ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

23 October 2021, 09:37