ድለ

እናቴ በኲዋርት፥ ብዘይ መንፈሳውነት ሲኖዶሳውነት የልቦን

ኣብ ቤተ ክርስቲያን ብዙሓት መንፈሳውያን ኣባይቲ ስድራ ስለ ዘለዋ ነፍሲ ወከፈን ብኸመይ ሓባራዊ ምስትውዓ ከምዘለወን ንምምርማር ነቲ ሲኖዶሳውነት ዝበሃል ተልእኾ ንምትሕብባር ዝግበር ጻዕሪ ንምምርማር ከምኡ እውን ሓባራዊ መዳያት ንምርካብ ካብኡ ጀሚርካ ምብጋስ

ናይ ብጹዓን ጳጳሳቲ ሲኖዶስ ምኽትል ዋና ጸሓፊ ገዳማዊት እናቴ በንኲዋርት ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየደኦ ቃለ መሕትት፡ ናብቲ ዕለት 1 ሓምለ 2021 ዓ.ም. ኣብ ሲኖዶሳውነት ኣማእኪሉ ዝተኻየደ ዓውደ መጽናዕትን ኣስተንትኖን ምልስ ቢለን፥ ከምቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝብልዎ “እቲ ናይ ሲኖዶስ ተመክሮ ንመንፈስ ቅዱስ ንምስማዕ ዝግበር ጒዕዞ እዩ፥ ስለዚ ነቶም ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዝርከቡ መንፈሳውያን ኣባይቲ ስድራ ሓድነት ከም ዝህልወን ዝገብር ነቲ ናይ ሓባር ባህርይ ንምልላይ ገዛእ ርስና ነዳሉ ኣሎና ይብላ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ነቲ ኣብ ጥቅምቲ 2021 ዓ.ም. ኣብ ሮማ ብዛዕባ ሲኖዶሳውነት ዝመክር ናይ ብጹዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ምድዋላት ድሮ ጀሚሩ ኣሎ። እቲ ናይ ሲኖዶስ ጒዕዞ ኣብ ቫቲካን 9ን 10ን መስከረም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዝተረኽብሉ ስነ ስርዓት ብወግዒ ክኽፍት እዩ፡ እንተኾነ ግን ብዛዕባ ገሊኡ ኣገዳሲ መዳያት ምስትንታ ድሮ ይግበር ኣሎ። መንፈሳውነት ሓደ ካብቲ መሰረታዊ ኣርእስታት እዩ። ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነዚ ዝሓለፈ ዕለት 30 ሚያዝያ 2021 ዓ.ም. ናይ ኢጣሊያ ካቶሊካዊ ተግባር ወከልቲ ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን፥ “ብዛዕባ ሲኖዶሳውነት ጒዕዞ ሲኖዶስ ከምኡ እውን ብዛዕባ ናይ ሲኖዶስ ተመክሮ ክንዛረብ እንከሎና ብልክዕ ክንዛረብ ኣሎና። ባይቶ ኣይኮነን (. . .) ሲኖዶስ ብዛዕባ እቲ ኣብ ሕብረተሰብ ዘሎ እተፈላለየ ነገራት ዝመያይጥ ጥራይ ኣኮነን (. . .) ብዘይ መንፈስ ቅዱስ ሲኖዶስ ክህሉ ኣይክእልን እዩ ብዘይ ጸሎት ከኣ መንፈስ ቅዱስ ኣይህሉን” እንክብሉ ዘስመሩሉ ሓሳብ ይዝክራ።

እናቴ ናታሊ በኲዋርት መዓልቲ መጽናዕትን ኣስተንትኖን እንታይ ዕላማ እዩ ዘለዎ? ሓደ መንፈሳውነት ጥራይ ድዩ ዘሎ ወይስ ብዛዕብ እተፈላለየ መንፈሳውነት ኢና ኽንዛረብ እንኽእል? እዚ ክንምርምሮ ዘሎና መዳይ እዩ። እዚ ሓሳብ እዚ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ብዙሓት መንፈሳውያን ኣባይቲ ስድራ ስለ ዘለዋ ነፍሲ ወከፈን ብኸመይ ሓባራዊ ምስትውዓ ከምዘለወን ንምምርማር ነቲ ሲኖዶሳውነት ዝበሃል ተልእኾ ንምትሕብባር ዝግበር ጻዕሪ ንምምርማር ከምኡ እውን ሓባራዊ መዳያት ንምርካብ ካብኡ ጀሚርካ ምብጋስ ማለት እዩ። እታ መዓልቲ እቲኣ ዳህሳስ እትግበረላ መዓልቲ እያ ነይራ። ከመይሲ ብዘይ መንፈሳውነት ምትሕብባር ከም ዘየልቦ መሰረታውን ርጉጽን እዩ። ምስ ክርስቶስ ሓቢርና ንኽንመላለስ መንፈስ ቅዱስ ክንሰምዕ ስለ ዘሎና። ስለዚ እዚ መንፈሳዊ ስፍሓት እዚ ብቐጻሊ ኸነዕምቖ ዘሎና ናይ ሲኖዶሳውነት ኣድላዪ ደረት ትርኢት እዩ።

ብዛዕባ መንፈሳውነት ዚገልጽ መዝነት ኣሎዶ? ኣብቲ ኣብ 2023 ዓ.ም. ዝካየድ ሲኖዶስ መንፈሳውነት እንታይ ግደ ኺህልዎ እዩ? ነቲ ናይ 2023 ዓ.ም. ሲኖዶስ ንምድላው ኣርባዕተ ሽማግለ ቆይሙ ኣሎ፡ እቲ ሓደ ዓሚዩቕ ቲዮሎጊያዊ መጽናዕቲ ዘሳልጥ እቲ ኻልኣይ ከም ቤተ ክርስቲያን ኣብ መንፈሳውነት ሱታፌ ንኽንዓቢ ዝሕግዝ፡ እቲ ሳልሳይ ናይ ስነ-ኣገባብ ጉዳይ ዝኸታተልን ኣብ መወዳእታ ኸኣ ናይ ሓበሬታ ጉዳይ ዝከታተል እዩ። እዚ ኸኣ ንብምሉኡ እቲ ሲኖዶስ ጒዕዞ ማለት ንብምሉእ እቲ መስርሕ ኣብ እተፈላለየ ጽፍሕታት ንምድጋፍ ተባሂሉ እዩ። እዚ መስርሕ እዚ ብህይወት ንምንባርን መንፈሳዊ ጒዕዞ ንምግባርን ተባሂሉ ዝቐረበ እዩ። እቲ መዝነት ዘለዎ ግደ ብዘይ መንፈሳዊ ጒዕዞ ሲኖዶስ ክህሉ ስለ ዘይኽእል፡ እዚ ኸኣ ማእከላይ ምህዋር ሲኖዶሳውነት ማለት መንፈሳውነት ከም ዘመልክት እተረጋገጸ እዩ። ብሓቂ ንመንፈስ - ቅዱስ ናይ ምስማዕ ጒዕዞ እዩ።

ኣብ መንጎ እተን ኣብ መበል 19 ዘመን እተመስረታ ታሪኻዊ ጉባኤታትን እተን ሓደስቲ ኤቅለስያውያንን ናይ ዓለማውያን ምእመናን  ምንቅስቓሳትን እንታይ ዓይነት ርክብ እዩ ዘሎ? ብኸመይ እዮም ዚሓብሩ? ኣብ ዝቕጽል ሲኖዶስከ እንታይ ኣበርክቶ ኺገብሩ እዮም? ኣብ ብምሉኡ ኪደት ታሪኽ ስጒምቲ መንፈስ ቅዱስ መሃዚ እዩ ነይሩ፡ ቤተ ክርስቲያን ከኣ ዓቢይ ብዝሓ ተመኵሮታት ኣለዋ ገለ ኻብዚ ድማ ዘመናት ዘቑጽር እዩ። ደሓር ድሕሪ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ሳላ እተን ሓደስቲ ማሕበረሰባት ናይ ምስሓብ ክእለት ዚወልድ መንፈስ ቅዱስ እውን ተቐልቀለ። ሲኖዶስ ግን ብምሉኦም ንሕዝበ እግዚኣብሔር ምስቲ ብዙሕነቱ ንኽሳተፍ ይዕድም። እቲ ናይ ምምኽኻር ኪደት ብሰበኻታትን ኣባይቲ ምኽሪ ብጹዓን ጳጳሳትን ጥራይ ዘይኮነስ ብውፉያን ሕይወትን ብምንቅስቃሳት ዓለማውያን ምእመናን ብቤተ ክርስቲያን ተፈላጥነት ብዝረኸባ ሓደስቲ ምንቅስቓሳትን ማሕበርሰባትን ኣቢሉ እዩ ዝፍጸም፡ እንክብላ ዘካየደኦ ቃለ መሕትት ዛዚመን።

24 July 2021, 16:03