ድለ

ንምስራቕ ኣቢያተ ክርስቲያን ናይ ዝሓልይ ማሕበር ምሉእ ሓፈሻዊ ጉባኤ ንምስራቕ ኣቢያተ ክርስቲያን ናይ ዝሓልይ ማሕበር ምሉእ ሓፈሻዊ ጉባኤ 

ንምስራቕ ኣቢያተ ክርስቲያን ናይ ዝሓልይ ማሕበር ምሉእ ሓፈሻዊ ጉባኤ

ከምቲ ናይ ምስራቕ ስርዓት ዝኽተላ ኣቢያተ ክርስቲያን ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ዝገለጾ፡ እቲ ዓውደ ኣኼብ ዕለት 21 ሰነ 2021 ዓ.ም. ድሕሪ ቐትሪ ሰዓት 16.00 ሽማግለ መርሕነት ብዘካየዶ ርክብ ከምእተበገሰን

ንምስራቕ ኣቢያተ ክርስቲያን ዝሓልይ ማሕበር ግብረ ሰናይ ክሳዕ ዕለት 24 ሰነ 2021 ዓ.ም. ዝቕጽል ምሉእ ሓፈሻዊ ዓመታዊ ዓውደ ኣኼባ ዕለት 21 ሰነ 2021 ዓ.ም. ድሕሪ ቐትሪ ሮማ ኣብ ዝርከብ ቤት ሕያዋይ ጓሳ ከምዝጀመረን ኣብቲ ዓውደ ኣኼባ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ፒዛባላን ኣባ ፓቶን ብጹዕ ካርዲናል ዘናሪን ናይቲ ብሳዕቤን ዓመጽን ዘይምርግጋእን ናይ ዝሳቐያ ሃገራት ኣባይቲ ምኽሪ ጳጳሳት ወከልቲ መደረ ከስምዑ ከምዝኾኑ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ነተን ብሰንኪ ዓመጻ ለብዒ ማሕበራውን ፖለቲካውን ዘይምርግጋእ ዚሳቐያ ዘለዋ ሃገራት ነማላድነት ቅድስቲ ድንግል ማርያን ብዘወከፍ ጸሎት ዕለት 21 ሰነ 2021 ዓ.ም. ዝተበገሰ መበል 94 ንምስራቕ ኣቢያተ ክርስቲያን ዝሓልይ ማሕበር ግብረ ሰናይ ዓውደ ኣኼባ ክሳብ ዝመጽእ ዘሎ ሓሙስ ዕለት 24 ሰነ 2021 ዓ.ም. ዝቕጽል ክኸውን እንከሎ፡ ኣብዚ ሮማ ኣብ ዝርከብ ቤት ሕያዋይ ጓሳ ኣብ ዝካየድ ዓውደ ኣኼባ ካብ ማእከላይ ምብራቕን ኣፍሪቃን ዝመጹ ዕዱማትን ካብተን እቲ ማሕበር ካብ 2018 ዓ.ም. ኣቲሑዙ ህልው ካብ ዝኾነለን ካብተን ህልው ካብዝኾነለን መበል 50 ዓመት ዘብዕላ ዘለዋ ሓገራትን ልኡካን ናይቲ ማሕበር ክሳተፉ ምዃኖም ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥       

ጸሎት ኣብ ጭንቂ ንዝርከባ ሃገራት

ከምቲ ናይ ምስራቕ ስርዓት ዝኽተላ ኣቢያተ ክርስቲያን ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ዝገለጾ፡ እቲ ዓውደ ኣኼብ ዕለት 21 ሰነ 2021 ዓ.ም. ድሕሪ ቐትሪ ሰዓት 16.00 ሽማግለ መርሕነት ብዘካየዶ ርክብ ከምእተበገሰን ዕለት 22 ሰነ ንጐሆ ሰዓት ሸሞንተ ፈረቓን ናይ ምስራቕ ስርዓት ዝኽተል ኣቢያተ ክርስቲያን ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ህየንተን ናይ ምስራቕ ኣቢያተ ክርስቲያን ዝሓልይ ማሕበር ግብረ ሰናይ ኣቦ መንበር ብጹዕ ካርዲናል ሊዮናርዶ ሳንድሪ ብዝሰርዕዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ብወግዒ ከምእተበገሰ ናይቲ ቅዱስ ማሕበር ሓበሬታ ዝተቐሰ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣብ ቅድስቲ መሬት ዘተኮረ

ኣብታ ቀዳመይቲ ክፍለ ኣኼባ ኣብ ኢየሩሳሌም ናይ ላቲን ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ፔርባቲስታ ፒዛባላን ኣብ ቅድስቲ መሬት ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ቅዱሳት ስፍራን ንብረትን ዓቃቤ ኣባ ፍራንቸስኮ ፓቶንን ናይ መንበረ ጥበብ ቤተ ልሔም ምኽትል ዋና ኣመሓዳሪ ኣባ ፐተር ባራይን ብዘቕርብዎ ሓበሬታ ዝተሰነየ ኣብ ቅድስቲ መሬት ፍሉይ ኣተኩሮ ዝገበረ ምይይጥ ከምእተኻየደን ድሕሪ ቐትሪ እውን ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያውያን ልኡካን ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ኣንቶኒየ ካሚለሪን ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ኾሰ ኣቨሊኖ በተንኵርት ብዘቕርብዎ መደረ መሰረት ብዛዕባ ህልው ኵነታት ኢትዮጵያን ኣርመኒያን ጆርጂያን ዘተኮረ ዘተ ከምእተኻየደ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ብዛዕባ ህልው ኵነታት ማእከላይ ምብራቕ

ረቡዕ ዕለት 23 ሰነ ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ብናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ጉዳይ ርክባት ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ፖውል ሪቻርድ ጋላገር ከምኡ እውን ኣብ ሶሪያ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ብጹዕ ካርዲናል ማሪዮ ዛናሪን ኣብ ሊባኖስ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ብጹዕ ኣቡነ ጆሰፍ ስፖተሪን ኣብ ዒራቕ ናይ ቅድስት መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ብጹዕ ኣቡነ ሚትጃ ለስኮቫርን ኣብ ርእሲ እዚ እውን ኣብ ከባቢ ማእከላይ ምብራቕ ናይ ምስራቕ ኣቢያተ ክርስቲያን ዝሓልይ ግብረ ሰናይ ማሕበር ጨናፍር ወከልትን ናይ ምስራቕ ስርዓት ዝክተላ ኣቢያተ ክርስቲያን ናይ ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ላዕለዎት ኣካልትን ናይ ቅድስቲ መንበር ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ክፍሊ ናይ ወጻኢ ርክባት ጉዳይ ላዕለዎት ኣካላትን ገለ ገለ ምስ ማእከላይ ምብርቕ ኣብ ዝተተሓሓዘ ጉዳይ ዝዋስኡ ናይ ኵርያ ሮማና - ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ቀረባ ተሓባበርቲ ላዕልዎት ሓዋርያውያን ኣባይቲ ጽሕፈት ቅዱስ ማሕበራትን ላዕልዎት ኣባይቲ ጽሕፈት ኣባይቲ ምኽሪ ጳጳሳትን ዝውክሉ ኣካላት ብዛዕባ ማእከላይ ምብራቕ ህልው ኵነታት ጸብጻብ ከቕርቡን ኣብዚ ጸብጻብ እዚ ዝተመርኮዘ ዘተ ክካየድ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

22 June 2021, 18:32