ድለ

ብጽዕ ኣቡነ ዱፈ፥ እቲ ብድሆ ምስ ስደተይናታት ሓቢርካ ምጒዓዝ ብጽዕ ኣቡነ ዱፈ፥ እቲ ብድሆ ምስ ስደተይናታት ሓቢርካ ምጒዓዝ  

ብጽዕ ኣቡነ ዱፈ፥ እቲ ብድሆ ምስ ስደተይናታት ሓቢርካ ምጒዓዝ

“ምስ ስደተይናታት ኣብ ናይ ሓባር ጉዕዞ” ብዝብል መጸውዕ ዝተበገሰ ኣብ ዕለት 20 ሰነ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ዝዛዘም፥ ናይ ስደተይናታት ተመክሮ ምክፋል ዝብልን፡ ምርኻብን ሓባራዊ እንግዶት ምንባርን ከምኡ እውን ነፍሲ ወከፍ ስደተይናታት ሒዝዎ ዝመጸ ታሪኽ ምስኡ ኮይንካ ምክፋል

ናይ ምሉእ ኵለንተናዊ ሰብኣዊ ዕብየት ኣገልግሎት ዝሓልይ ጳጳሳዊ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ስደተይናታት ከም ሰብ መጠን ኪኽበሩ ከም ዘለዎም እቲ “ናይ ሓባር ጉዕዞ” ብዝብል መጸውዕ ዝተፈላለያ ናይ ቅድስቲ መንበርን ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ግብረ ሰናይ ማሕበራት ዝጥርንፍ ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ “ካብ ዕለት 27 መስከረም 2018 ዓ.ም. ክሳብ ዕለት 20 ሰነ 2021 ዓ.ም. ዝካየድ ዘሎ ወፈራ ዝዛዘመሉ ዕለት ዝተቓረበ እውን እንተኾነ ናይ ሓባር ጒዕዞ ቀጻሊ እዩ” ኢሎም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ነፍሲ ወከፍ ስደተይና ብድሕሪኡ ናይ ነዊሕ ጒዕዞ ታርኽ ዘለዎ እዩ፡ ናይ መሪር ስቓይ ተመክሮ፥ ኣብ ዝኾነ ይኹን ቦታን ኵነትን ከም ሰብ ኺርአን ተፈላጥነት ኪረክብ ዝግብኦ ቁጽሪ ዘይኮነ መጸውዕ ስም ዘለዎ እዩ” ነዚ ዝበሉ ናይ ኵለንተናዊ ምሉእ ሰብኣዊ ዕብየት ኣገልግሎት ዝሓልይ ጳጳሳዊ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ኣቡነ ቡሩኖ ማሬ ዱፈ ዕለት 15 ሰነ 2021 ዓ.ም. ብምኽንያት እቲ ዕለት 20 ሰነ 2021 ዓ.ም. ዝዛዘም ዕለት 27 መስከረም 2018 ዓ.ም. ብርእሰ ሊቃነ ጳጳስት ፍራንቸስኮ ተመሪቑ ዝተበገሰ ጐስጓስ “ናይ ሓባር ጉዕዞ” ዝዛዘመሉ ዕለት20 ሰነ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ስደተይናትትን ተመዛበልትን ዝዝከረሉ ዕለት እውን ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፥ “ሰባት ኽእለቶምን ሓሳባቶም ኪግለጹን ነዚ ተውህቦ እዚ ንኽነብርዎን ከስፍሕዎን እውን ምፍቓድን ምድጋፍን፡ ንሰብኣዊ ክብረት ምጥባቕ ካብ ናብ ዝብል ዝወድቀሉ ናይ ግዜ ገደብ ዘይብሉ ኣገዳስን ቀጻልን እዩ” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

እዚ ወፈራ እዚ ንብዙሓት ሰባት ንስደተይናታት ከም ስደተይናታት ዘይኰነስ ከም ኵሉ ሰብ መሰላትን ተውህቦን ተዘክሮን ተስፋን ዘለዎም ሰባት ምዃኖም ብዅሉን ኣብ ኵሉ ክስትውዓል ገይሩ እዩ፡ “ምስ ስደተይናታት ኣብ ናይ ሓባር ጉዕዞ” ብዝብል መጸውዕ ዝተበገሰ ኣብ ዕለት 20 ሰነ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ዝዛዘም፥ ናይ ስደተይናታት ተመክሮ ምክፋል ዝብልን፡ ምርኻብን ሓባራዊ እንግዶት ምንባርን ከምኡ እውን ነፍሲ ወከፍ ስደተይናታት ሒዝዎ ዝመጸ ታሪኽ ምስኡ ኮይንካ ምክፋል ዝብል እዩ፡ ስለዚ ነቲ ብዛዕባ ስደተይናታት ዘሎና ኣረኣእያ ዚቕይሮ ሓባራዊ ታሪኽ ከምኡ እውን ሓባራዊ ተስፋ ዚገብሩ ናብ ሓባራዊ መጻእን ሓባራዊ ሰናይን ዚመርሕን ሕብረተሰብ ናይ ምሕናጽ ኣጋጣሚ ዘዘኻኽር መደብ እዩ” ኢሎም።

እዚ ወፈራ እዚ ዘጒለሖ ዘሎ ኣዚዩ ኣገዳሲን መዳይ ንጠንቂ ስደተት ክንዓየሉ ከም ዘሎና እዩ. . . ከምቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝብልዎ፥ ሓንጐፋይ ቢልና ኽንቅበሎም ከነዕቊቦም ከነተባብዕምን ከምኡ እውን ክንሓብር ኣሎና፡ ብተወሳኺ እውን ብዛዕባ እተን ስደተይናታት ዝመጹለን ሃገራት ዝያዳ ንኽንፈልጥ ብዛዕባ ዓመጽ ወይ ድኽነትን ወይ ናይ ማሓድሮ ጸገማትን ክነስተውዕልን ይገብረና። በቶም እነእንግዶም ስደተይናታት ኣቢልና ምስ እተን ዝመጹለን ሃገራት ምትሕብባር ነካይድ ከምዘሎና ኣብ እእምሮና ክንስተውዕሎ ዝግብኣና ሓቂ እዩ፡ ስለዚ ስደተይናታት እንተደልዮም እንተተኻኢሉ እውን ናብ ሃገሮም ተመሊሶም ማያኦም ከምርሑ ኣብ ሕንጸት ሃገራት ክዋስኡ ከም ዝኽእሉ ክንሓስብ ኣሎና፡ ልዕልሊ ዅሎም እቶም ካብ ሶርያን ዒራቕን ዝመጹ ስደተይናታት ብዛዕባ መጻኢ እዘን ሃገራት እዚኣተን ክንሓስብ ብዛዕባ መጻኢ ምንእሰያት ኣዘን ሃገራት እዚኣተን ብዛዕባ ምሕብባርን ክንሓስብ ኣሎና። ሃይማኖታትን ኣቢያተ ክርስቲያንን ምስ ስደተይና ምርኻብ ኣብ ዝብል ባህልን ኣብዚ መዳይ እዚ ተግባራዊ ምትሕብባር ኣብ ምክያድ ዓቢይ ግደን ሓላፍነትን ኣለወን።

እዚ ወፈራ ድሕሪ ኣርባዕተ ዓመት ዕለት 20 ሰነ እዩ ዚዛዘም እዚ ኽኣ ኣብ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ስደተይናታት እዩ፡ ነታ መዓልቲ ከተመሓላልፍዎ እትደልይዎ መልእኽቲ ኣሎኵምዶ? እቲ ወፈራ ይዛዘም እኳ እንተሎ ነዚ ብድሆ እዚ ብሓባር ምስቶም ስደተይናታት ኴይና ክንነብሮን ንዓዓቶም ጥራይ ዘይኮነ ንዅሉ መገዲ ተስፋን ሰላም እዩ። ታሪኽ ሰብ ብዛዕባ ምርኻብን ሓባራዊ ኣኽብሮትን ዚገልጽ ዛንታ እዩ፡ እዚ ኸኣ ንዅሎም ንጽብሕ ኣዚዩ ዘገድስ ጉዳይ እዩ። ኣብ መንጐ ተስፋ እቶም ኣብ ኤውሮጳ ዝነብሩ ሰባትን ተስፋ ስደተይናታትን ርክብ ኣሎ። ድሕሪ ለብዒ ኮቪድ - 19 እቶም ስደተይንታት ዘጋጥሞም ብድሆታትን ተስፋታትን ኣሕዋትን ኣሓትን ናይ ካልእ ሕብረተሰብ ተስፋ ኺህልዎም ቈልዕን ኵሎም ሰባትን ብቑዕ ሕይወት ኪነብሩ ዜኽእሎም ሰላማዊ ሕብረተሰብ ኪረኽቡ ተስፋ ይገብሩ። ስለዚ እቲ መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ. “ቤትን መሬትን ዕዮን” እንክብል ከም ዝገልጾ፥ ጽላል ኪረኽቡ ማለት ዑቕባ ምሃብ፡ ዝነብሩሉ ቦታን ዕዮን ኪረኽቡ ማለት እውን በዓል መሰልን ሕውነትን ዝዓሰሎ ሕብረተሰብ ምሕናጽ ማለት እዩ። እዚ ንሎምን ንጽባሕን ዚኸውን መልእኽቲ እዩ። እቲ “ብሓባር ምጒዓዝ - ናይ ሓባር ጒዕዞ” ዘርእስቱ ወፈራ ተስፋ ምክፋል ማለት ስለ ዝኾነ ቀጻሊ እዩ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

17 June 2021, 23:11