ድለ

ካርዲናል ፓሮሊን ዛዕባ ምሉእ ስነ ማሓድሮ ዝካየድ ዓውደ ምርእቲ ከምዝኸፈቱ ካርዲናል ፓሮሊን ዛዕባ ምሉእ ስነ ማሓድሮ ዝካየድ ዓውደ ምርእቲ ከምዝኸፈቱ 

ካርዲናል ፓሮሊን ዛዕባ ምሉእ ስነ ማሓድሮ ዝካየድ ዓውደ ምርእቲ ከምዝኸፈቱ

ገሊጾም፡ “እቲ ካብ ባሕሪ ክሳዕ በሪኽ መልክዓ ምድራዊ ኣቀማምጣ ዘሎ ተፈጥሮኣዊ ጽባቔ ንኸነስተንትንን ናብ ውዳሰን ሓጐስን ምስጋናን ዝቕየር ሓድሽ መስተንክር ትራኢት ንኽንርኢ ኣጋጣሚ ይኸፍተልና”

ኣብ ኢጣሊያ ዞባ ላዚዮ ንኡስ ዞባ ቪተርቦ ኣብ እትርከብ ከተማ ሞንተፊያስኮነ፥ “ኣብ ፍጥረት ኩሉ ነገር ተማራዃሲ እዩ፡ እቲ ዝተኣሳስር ዳግም ምልላይ” ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሒ ካብ ዕለት 24 ሰነ ክሳዕ ዕለት ዕለት 27 ሰነ 2021 ዓ.ም. ዝቕጽል ኣብታ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝለገስዋ ይሴባሕ ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቲ ዘማእከለ ዛዕባ ኵለንተናዊ ምሉእ ስነ ማሓድሮ ዝካየድ ናይ ክቢ ሰደቓታት ዓውደ ምይይጥን ዛዕባ ኵለንተናዊ ስነ ማሓድሮ ዝትንትን ናይ ቅብእን ኣሳእልን ምስ እዚ ኣርእስቲ እዚ ዝተተሓሓዘ ናይ ውሁድ ጥዑም ሙዚቃ ምርኢት ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፓሮሊን ብዘስምዕዎ መደረ ከምእተበገሰ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ- ሃገረ ቫቲካን

እቲ ይሴባሕ ዓዋዲ መልእኽቲ ድሕረ ባይታ ገይሩ ዝካየድ ዘሎ ባህላውን ምርኢታውን ዓውደ ርክብ መላእ ፍጥረት ተማራዃሲ ምዃኑ ክስትውዓልን ነዚ ሕድሕዳዊ ተማራዃስነት ዝመጣጠን ዓይነት ኣነባብራ ናብ ኵለንተናዊ ምሉእ ስነ ማሓድሮ ዝመርሕ ምዃኑ ፈሊዩ ዝምስክርን ዘተሓሳስብን ከምዝኾነ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ተፈጥሮ ኣስተንትኖን ሞሳን

እቲ ባህላውን ምርኢታውን ዓውደ ርክብ ኣብ ይሴባሕ ዓዋዲት መልእኽቲ ዝተወከሰ ከምዝኾነ ናይ ከተማ ሞንተፊስኮነ ጳጳሳን ናይ ቅድስና ጒዳይ ናይ ዝከታተል ቅዱስ ማሕበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ኣቡነ ፋቢዮ ፋበነ፥ “እቲ ምስ ፈጣሪ ኣምላኽ ዘሎ ኣገዳሲ ርክብ እንደገና ክስትውዓልን ምስ ተፈጥሮ ዝያዳ ርክብ ንኽህሉ ዘተባብዕ ንዳግመ ርኽበት መንፈሳዊ ስነ ማሓድሮ ዝድርኽ” ከምዝኸውን ዘለዎም እምነት ገሊጾም፡ “እቲ ካብ ባሕሪ ክሳዕ በሪኽ መልክዓ ምድራዊ ኣቀማምጣ ዘሎ ተፈጥሮኣዊ ጽባቔ ንኸነስተንትንን ናብ ውዳሰን ሓጐስን ምስጋናን ዝቕየር ሓድሽ መስተንክር ትራኢት ንኽንርኢ ኣጋጣሚ ይኸፍተልና” ከምዝበሉ ኣፍሊጡ።

ምኽትል ርእሰ ዞባ ላዚዮ ዳኔለ ለኦዶሪን ናይ ከተማ ሞንተፊያስኮነ ፍሉይ ድርገት ሓላፊት ኣና ደ ሉናን ናይ ኢጣሊያ ናይ ሃብቲ ዱርን ከባቢን ሓላዊ ሓይሊ ምክልኻል ሕብረት ምኽትል ኣዛዚ ጀነራል ዳቪደ ደ ሎረንቲን ኣብቲ ዓውደ ጉባኤ ድሕሪ ዘመሓላለፍዎ ቃል ሰላምታ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ብዘስምዕዎ መደረ ብወግዒ ከምእተበገሰ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ዘይንጽል ስነ ማሓድሮ ንምድንፋዕ ንዝዓዩ ዝወሃብ ስልማት

እቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ንንውሕ ዝበለ ግዜ ነቲ ንፍጥረት ዚምልከት ሓባራዊ ሓላፍነት ብንጹር ዘየመልክት ኣይኰነን፡ እዚ ኸኣ ኣውያት ምድርን ገዓር ድኻታትን እዩ፡ ንዅሉ ሰብ ድማ ናብ ሓድሽ ኣነባብራ ይጽውዕ። ከምቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ ኣብ ፊረንዘ ኣብ ተኻየደ ዋዕላ፡ ኣብ ቅድመና ናይ ለውጢ መዋዕል ዘይኮነስ ናይ መዋዕል ለውጢ እዩ ዘሎና ከምዝበልዎ። ኣብ መወዳእታ እቲ በዓል ዘይንጽል ንዅሉ ዝሓቍፍ ምሉእ ስነ ማሓድሮ ንምድንፋዕ ብትብዓት ንዝዓዪን ዘነቓቕሑን ሰባትን ትካላትን “ሓላዊ ፍጥረተ” ዘርእስቱ ስልማት ክወሃብ ምዃኑ እውን ብጹዕ ኣቡነ ፋቢዮ ፋበነ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ሓቢሮም፥ እቲ ለብዒ ምስ ጠፍኤ ነቲ ንሓድሕድና ምስ ምድሪ ከምኡውን ምስ ፈጣሪ ሰማይን ምድርን ዝዀነ ኣምላኽ ሓድነት ከም ዚህልወና ዚገብር ማእሰር እንደገና ብምርካብ ሓድሽ መገዲ ህየይወት ከም ብሓድሽ ንምእንፋት ባህ ዜብል እዋን ኪኸውን እዩ” ኢሎም።

ናይ ስነ ህይወት ስነ ሕንጻ ዳግም ንምብጋስ ዘተባብዕ ምርኢት

ኣብ መኸፍቲ እቲ ዓውደ ባህልን ምርኢትን ኵለንተናዊ ምሉእ ስነ ማሓድሮ ሰዓት ኣርባዕተ ድሕሪ ቐትሪ ዕለት 24 ሰነ 2021 ዓ.ም. ናይ ስነ ህይወት ስነ ሕንጻ ዳግም ንምንቕቓሕ ሸቶ ዝገበረ ዛዕባ፡ ቅብእን ንድፍን ኣብ ሜዳን ግሉህን ስፍራ ኮይንካ ዝፍጸም ናይ ስነ ጥበባዊ ስራሓት መሰረት ዝገበረ ክሳዕ ዕለት 30 መስከረም 2021 ዓ.ም. ዝቕጽል ምርኢት ኣሳእክብ ቅብእን ከምእተኸፈተ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

24 June 2021, 21:15