ድለ

ፍራንቸስኮ፥ ንኣረጋውያን እንተ ዘይተኸቢሮም መንእሰያት መጻኢ የብሎምን ፍራንቸስኮ፥ ንኣረጋውያን እንተ ዘይተኸቢሮም መንእሰያት መጻኢ የብሎምን 

ፍራንቸስኮ፥ ንኣረጋውያን እንተ ዘይተኸቢሮም መንእሰያት መጻኢ የብሎምን

ኣብ ኵለን ሰበኻታትን ቍምስናታትን መንፈሳውያን ማሕበራትን ገዳማትን ዓረጋውያን ዝበዓልሉን መንእሰያት ምስ ኣረጋዊ ክፍሊ ሕብረተሰብ ክራኸቡ ምትብባዕ ዝግበረሉን ነዚ ኸኣ ኣብ ዙሪያ መንበረ ታቦት ምብዓሉ ኣረጋውያን ጸጋ ምዃኖም ንኸተስተውዕል ይሕግዘና

ዕለት 15 ሰነ 2021 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ በቲ ኣብ ትዊተር ማሕበራዊ መረብት ብዘሎ ኣት ፖንቲፈክስ ብዝብል ኣድራሻኦም ኣቢሎም ዕለት 15 ሰነ ኣብ ልዕሊ ኣረጋውያን ዝወርድ ዓመጽ ምስትውዓል ክግብረሉን ኵሉ ኣብ ምእላዩ ክዓዪ ዝተሓሳስብ ዕለት ምዃኑ ብምዝኽኻር፥ “ንኣረጋውያን ክብሪ ኣብ ዘይብሉ ንመንእሰያት መጻኢ የልቦን!” ዝብል መልእኽቲ ከምዝፈነዉ ክዝከር እንከሎ፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብዚ እዋን ለብዒ ኮቪድ - 19 ኣብ ልዕሊ 65 ዓመት ዝዀኑ ክፍሊ ሕብረተሰብ ዝፍጸም ዓመጽ ብፍላይ ከኣ ቍጠባዊ ምትላልን ግፍዕን ክብ ይብል ከምዘሎ ጳጳሳዊ ናይ ዓለማውያን ምእመናን ስድራ ቤትን ሕይወትን ሓልዮ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ናይ ኣረጋውያን ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ጒዳይ ሓላፊ ቪቶሪዮ ስካልዞ ምዝ  ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ሓቢሮም፥

ጽምዋ ነቲ ናይ ማህሰይቲ ሓደጋ የዛይዶ

ኣስዒቦም፥ “እቲ ለብዒ ጽምዋ ናይቲ ንኣረጋውያን ዘጋጥም ማህሰይቲ ምንጪ ምዃኑ ኣረጋጊጹልና እዩ፡ ዝያዳ ንጽምዋ ምስ ዝቃልዑ ብዝያዳ ንማህሰይቲ ይቃልዑ፡ እቲ ዘሕዝን ግን እዚ ለብዒ እዚ በይንኻ ምዃን ንቡር እዩ ብምባል ሓንጐፋይ ቢልና ተቐቢልናን እንስዕቦ ዘሎና ኣነባብራ ንዋላ ሓደ ሰብ ንቡር ከምዘይኮነን ብዕድመ ዝደፍኡ እውን ተቐባልነት ዘይብሉ እዩ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብተደጋጋሚ” “ንኣረጋውያን ኣብ በይኖም ንኽሓድጐም ኣይንኽእል፡ ዝያዳ በይኖም ብዚነብሩ መጠን ብዝያዳ ማህሰይት ኺወርዶም ከም ዚኽእል ድማ ንጹር እዩ። ናይ ምብኻን ባህሊ ኣናሰፈሔን ንኹሉ እናወሓጠ ኣብ ዝኸደሉ መጠን ኣረጋውያን ይጥንጠኑን እዚ ኸኣ ብዝያዳ ንዓመጽ የቃልዖም” ኢሎም።

“ነፍሲ ወከፍ ንጽል ኣረጋዊ ኣቦሓጎኻ እዩ”

ናይ ኢጣሊያ ናይ ስነ-እርጋን ተመራመርቲ ማሕበር ኣብ ዘቕረቦ ጽበጻብ፡ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝተገብረ መጽናዕቲ ጠቒሱ፥ ልዕሊ 65 ዓመት ካብ ዝዕድመኦ፡ ሓደ ካብ ሓሙሽተ ዓመጽን ማህሰይትን ከምዝወርዶ ኣመላኺቱ፡ እዚ ኸኣ ሎሚ ምስቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ኣዛሚድካ ክርአ እንከሎ ብ 84 ሚእታዊ ክብ ከምዝበለ የመላኽት። ብፍላይ ዝወርዶም ቍጠባዊ ምጥፍፋእ ብዕጽፊ ወሲኹ ኣካላዊ ማህሰይት ድማ ብሰለስተ ዕጽፊ ወሲኹ ኣሎ። ዝበዝሕ ካብዚ በቶም ዝእመኑ ሰባት ዝፍጸም ምዃኑ ይሕብር። “ኣካላዊ ማህሰይቲ ይብሉ ስካልዞ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ “ኣብ ልዕሊ ኣረጋውያን ዝወርድ ኣካላዊ ማህሰይቲ ኣብ ኣባይትኦም ጥራይ ኣይኮነን የግዳስ ኣብቲ ኣረጋውያን ዝቕመጥሉ ስድራ ቤቶም ዘይቆጻጸርዎ ኣብ ናይ መንበሪ ኣረጋውያን ማእከላት ዝፍጸም እዩ፡ ስለዚህ እዚ ክውንነት’ዚ ኣረጋውያን ኣብ ቤቶም ምስ ስድራ ቤቶም ክነብሩን ኣብ ቤቶም ክእለዩ ዝነብሩሉ ዅነታት ምርግጋጽ ኣገዳሲ ምዃኑ የዘኻኽር፡ ንማሕበረሰብ ክርስቲያን እውን እዚ ዓቢይ ሓላፍነት እዩ። እዚ ኸኣ ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ደጋጊሞም ‘ብዕድመ ዝደፍኡ ኣቦሓጎታትን ኣደሓጎታትን፥ ኣብ ስድራ ቤቶም ክነብሩ ኣለዎም’ ከምዝብልዎ እዩ። እዚ መበሊኦም ከኣ ብዙሓት ኣብ ስድራ ቤት ዘይነብሩ ከምዝኾኑ ስለ ዝፈልጡ እዩ፡ ስለዚህ ‘ነፍሲ ወከፍ ኣረጋዊ ኣቦሓጎኻ እዩ፡ ነፍሲ ወከፍ ኣረጋዊት ኣደሓጎኻ እያ እንክብሉ ዝሓለፈ ዓመት ዕለት 26 ሰነ 2020 ዓ.ም. ሰንበት ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ዘቕረብዎ ኣስተንትኖ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ዘስመሩሉ ሓሳብ ከምዝኾነ የዘኻኽሩ።

ዕለት 25 ሓምለ ር.ሊ.ጳ. ዝጸውዕዎ ናይ መጀመርታ ዓለም ለኸ መዓልቲ ኣረጋውያንን ኣረጋውያትን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያ ዕለት 25 ሓምለ ምስ እተብዕሎ ዓመታዊ ክብረ በዓል ወለዲ ማርያም ቅዱስ ኢያቄምን ቅድስቲ ሃናን - ኣቦሓጎን ኣደሓጎን ኢየሱስ - ተተሓሒዙ ክበዓል ከም ዝወሰኑን፥ ነዚ እውን እቲ ጳጳሳዊ ናይ ዓለማውያን ምእመናን ስድራ ቤትን ሕይወትን ሓልዮ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት በቲ ብኣኡ ዝምራሕ ቤት ጽሕፈት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ንኣረጋውያን ኣቢሉ ምስንዳዋት ይገብር ከምዘሎ ገሊጾም፥ ኣቦሓጎታትን ኣደሓጎታትን ኣብ ማእከል ማሕበረሰብ ምግባር ዝድግፍ ዓቢይ ኣጋጣሚ እዩ። ኣብ ኵለን ሰበኻታትን ቍምስናታትን መንፈሳውያን ማሕበራትን ገዳማትን ዓረጋውያን ዝበዓልሉን መንእሰያት ምስ ኣረጋዊ ክፍሊ ሕብረተሰብ ክራኸቡ ምትብባዕ ዝግበረሉን ነዚ ኸኣ ኣብ ዙሪያ መንበረ ታቦት ምብዓሉ ኣረጋውያን ጸጋ ምዃኖም ንኸተስተውዕል ይሕግዘና እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

16 June 2021, 20:58