ድለ

መክሲኮ ብሔራዊ ቅዱስ ስፍራ ቅድስተ ማርያም ዘጓዳሉፐ መክሲኮ ብሔራዊ ቅዱስ ስፍራ ቅድስተ ማርያም ዘጓዳሉፐ  

ፓሮሊን፥ ቤተ ክርስቲያን ነቶም ብኮቪድ - 19 ንዝተጠቕዑ ኣዚያ ቀረባ እያ

ብጹዕ ካርዲናል ፓሮሊን ሰንበት ዕለት 20 ሰነ 2021 ዓ.ም. ኣብ ቤተ መቕደስ ቅድስተ ማርያም ዘጓዳሉፐ ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ዘስምዕዎ ስብከት፥ እቲ ንመላእ ዓለም ዝጸልው ዘሎ ለብዒ “ሰብኣዊ ተነቃፍነት ከም ዚስምዓናን ንጥፈታትና ኸም ዜልምስን ንጥዕናና ኸም ዝጸሉ ከማኡ እውን ንብዙሓት ኣባይቲ ስድራ እግዚኣብሔር ኣበይ ኣሎ ደኣ ዝብል ህልውናዊ ሕቶ

ኣብ ሃገረ መክሲኮ ወግዓዊ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ዘካይዱ ዘለዉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፓሮሊን ዕለት 20 ሰነ 2021 ዓ.ም. ኣብ ብሔራዊ ቅዱስ ስፍራ ቅድስተ ማርያም ዘጓዳሉፐ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጐም፥ “ንዅሉ ተስፋ ምቝራጽን ፍርህን ምድንጋርን” ዝጻረር ስኑይን ንጡፍን እምነት የድልየና” ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ ስብከት ከምዝለገሱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ብጹዕ ካርዲናል ፓሮሊን ዕለት 19 ሰነ 2021 ዓ.ም. ብቕዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ፓፑዋ ኒው ጊኒ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ንኽኾኑ ንዝተሰምዩ ተወላዲ መክሲኮ ብጹዕ ኣቡነ ሶሳ ሮድሪገዝ ኣብ መክሲኮ ዞባ ዩቻታን ማዕርገ ጵጵስና ሰሪዖም ኣብ ዝለገስዎ ስብከት፥ “ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ተልእኾ ንሱታፌ ምግልጋል እዩ” ከምዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ኣብቲ ኣብ ጽንሰታ ለማርያም ዘኢዛማል ቤተ መቕደስ  ዝዓረገ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ መክሲኮ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ፍራንኮ ኮፖላ ከምዝሓበሩን ገሊጹ፥ “ሓዋርያዊ ልኡኽ ቅድስቲ መንበር ኣብ ዝተመደበሉ ሃገር ኣብ እትርከብ ቤተ ክርስቲያንን መንግስትን ፊት ንር.ሊ.ጳ. ዝውክልን ሓድነትን ኵላውነትን ቤተ ክርስቲያን ክዕቀብ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዝፍጽምዎ ኣገልግሎትን ኣብ ዓቃቢ ናይ እምነት ሓቅነትን ዝተሓባበር እዩ” ከምዝበሉ ኣፍሊጡ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ሓድሽ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ሶዛ ሮድሪገዝ ተወላዲ መክሲኮ ካብ 2003 ዓ.ም. ኣትሒዞም ኣብ ፓፑዋ ነው ጊኒን ኣብ ጊኒን ኣብ ኣይቮርይ ኮስትን ቡርኪና ፋሶን ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ካናዳን ሰርቢያ ኣብ ዝርከቡ ኣባይቲ ጽሕፈት ሓዋርያዊ ልኡኽ ቅድስቲ መንበር ኣብ ዝተፈላለየ ምዝነት ተመዲቦም ከምዘገልገሉን ብር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ፓፑዋ ነው ጊኒ ሓድሽ ምሉእ ሓዋርያዊ ልኡኽ ቅድስቲ መንበር ንኽኾኑ ተሰምዮምን ንር.ሊ.ጳ. ብዝወከሉ ካብ ኢድ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጽሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፓሮሊኒ ማዕርገ ሊቀ ጵጵስና ከምእተቐበሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ብጹዕ ካርዲናል ፓሮሊን ሰንበት ዕለት 20 ሰነ 2021 ዓ.ም. ኣብ ቤተ መቕደስ ቅድስተ ማርያም ዘጓዳሉፐ ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ዘስምዕዎ ስብከት፥ እቲ ንመላእ ዓለም ዝጸልው ዘሎ ለብዒ “ሰብኣዊ ተነቃፍነት ከም ዚስምዓናን ንጥፈታትና ኸም ዜልምስን ንጥዕናና ኸም ዝጸሉ ከማኡ እውን ንብዙሓት ኣባይቲ ስድራ እግዚኣብሔር ኣበይ ኣሎ ደኣ ዝብል ህልውናዊ ሕቶ ንኸቕርቡ ደሪኹ እዩ” ቢሎም፥ “ቤተ ክርስቲያን ከም ስድራ ቤት መጠን ነቶም ብኣካላኣቶም ጥራይ ዘይኮነስ ብመንፈስ እውን ከቢድ ጒድኣት ዝወረዶም ቡዙሓት ሰባት ከተማልደሎም ከተሰንዮምን ቀረባኦም ኰይና ተገልግሎም፥ ነቲ “ክንጠፍእዶ ግድና የብልካን - ኣድሕነና” ዝብል ሕዝቢ ቀረባ ብምዃን ኢየሱስ ኣብ ማእከል ስቓይ ሕዝቢ ህልው ምዃኑን ኣብኡ እምነትን ተስፋን ገርና ክንጓዓዝ ትምዕደናን ምድቃስ ኢየሱስ በመራበሪና” ከምዝኾነ ተመላኽት ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

“ብመንፈሳውን ብኣካላውን መዳይ ዝሕጉዝና ቅኑዓት ሰባት ዘርእይዎ ልግስን ኣገልግሎትን ህላወ ጐይታ ኣብ መንጐና ዝምስክር እዩ፡ ምእንታኦም ንጸልይ ብጸሎትና እውን ነሰንዮም፡ ኣብዚ ግዜ ፈተና እዚ እውን እንተኾነ ጐይታ ንኣና ገዛእ ርእሱ ኣፍሊጡ ናይ ማሕበረሰብናን ዓለምን መጻኢ መታን ክንሓንጽ ካብቲ ፈተና የተንስኣና . . .” ብተወሳኺ ህዝቢ መክሲኮ “ንመጻኢ ዕርቅን ስኒትን ዝሓሸ መገዲ ንምርሃው ዝጽዕር እዩ . . . ኢየሱስ ካብ ተስፋ ምቝራጽን ፍርህን ምድንጋርን ክንከላኸል ይዕድመና፡ ከምቲ ኤልዛቤጥ ዓባይን እተባረኸትን ቢላ ሰላም ንዓኺ ናይ ዝበለታ ማርያም እምነት የድልየና . . .  ከም እንፈልጦ ምፍልላይን ሓድሓደ ግዜ ኣብ መንጐ እምነትን ህይወትን ዘይቅድውነት ዘርአ ዓይነት ኣነባብራ ክርስትና ሓደ ኻብቲ ክርስቲያን ንዓለም ዝፈጥርዎ ኸቢድ ዕንቅፋት እዩ . .  እሞ ሓደራ ሕይወትና ንእምነትና ዝበረኸ ይኹን” እንክብሉ ዝለገስዎ ስብከት ከምዘጠቓለሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

22 June 2021, 18:12