ድለ

ጋላገር፥ እምነትን ስነ ምርምርን ምዝባዕ ከባቢ ኣየር ኣብ ምግጣብ ስሙራት ጋላገር፥ እምነትን ስነ ምርምርን ምዝባዕ ከባቢ ኣየር ኣብ ምግጣብ ስሙራት 

ጋላገር፥ እምነትን ስነ ምርምርን ምዝባዕ ከባቢ ኣየር ኣብ ምግጣብ ስሙራት

ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርክባት ጉዳይ ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ፓውል ሪቻርድ ጋላገር ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ ኣብ መንጐ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመትን መንፈቕን ለብዒ እተወሰኸሉ ቝጠባውን ማሕበራውን መግባውን ቅልውላው፡ ዓለም ኣብ ሓደ ዓይነት “ፍጹም ህቦብላ” ከምዘላ ዘረጋግጽ እዩ

ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ ጥቅምቲ 2021 ዓ.ም. ኣብ ግላስጎው ዛዕባ ናይ ተፈጥሮ ከባቢ ኣየር ዝመክር ዓውደ ጉባኤ ኣቐዲሙ ናይ ሃይማኖትን ናይ ስነ ምርምርን ኣካላት ዘራኽብ ዓውደ ጉባኤ ክካየድ ከምዝኾነን ብዛዕባ እዚ “እምነትን ስነ ምርምርን” ብዝብል ኣርእስቲ ንኽካየድ ተወሲኑ ዘሎ ዓውደ ጉባኤ ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ጋዜጣዊ መግለጺ ከም እተወሃበን፥ ኣብቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርክባት ጉዳይ ዋና ጸሓፊ ከምእተሳተፉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ዚቕጽሉ ሒደት ዓመታት እንታይ ዓይነት ህይወት ኢና ኽንነብር ኣንደሊ? ኣብ ዚመጽእ ዓሰርተታት ዓምታት ንዚመጽእ ወለዶታት እንታይ ዓለም ኢና ኽንሓድገሎም እንደሊ? ነዚ ሕቶታት እዚ ምስ ምክንኻን መሬትን ምዝባዕ ከባቢ ኣየር ንምቅላስን ምስ ዝሕግዝ ፍታሕ ኣጸቡቑ እተተሓሓዘ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ነቲ ኣብ ዚቕጽል ሕዳር ኣብ ግላስጉኦ ዚፍጸም ብሕቡራት መንግስታት ዓለም ዝተዳለወ ዛዕባ ምዝባዕ ከባቢ ኣየር ዝመክር መበል 26 ዓለም ሓቆፍ ዓውደ ጉባኤ እተወሰነ መልሲ ክህበሉ ዝፍትን እዩ።

ፍጹም ህቦብላ

ቅድሚ እቲ ኣብ ግላስጎው ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2021 ዓ.ም. ዛዕባ ከባቢ ኣየር ንኽመክር ብውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ዝተጠልበ ዓለም ሓቆፍ ዓውደ ጉባኤ “እምነትን ስነ ምርምርን፡ ናብቲ መበል 26 ዓለም ሓቆፍ ዛዕባ ከባቢ ኣየር ዝመክር ዓውደ ጉባኤ ዝመርሕ” ብዝብል ኣርእስቲ ብቕድስቲ መንበርን ኣብ ቅድስቲ መንበር ብናይ ኢጣሊያን ናይ ዓባይ ብሪጣንያን ልኡካነ መንግስታት ብምትሕብባር ዝተዳለወ፥ ዓውደ ጉባኤ ዝመጽእ ዘሎ ዕለት 4 ጥቅምቲ 2021 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካንን ኣብ ሮማን ክካየድ ምዃኑ፡ ዕለት 17 ሰነ 2021 ዓ.ም. ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ጋዜጣዊ መግለጺ ከምእተወሃበ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርክባት ጉዳይ ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ፓውል ሪቻርድ ጋላገር ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ ኣብ መንጐ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመትን መንፈቕን ለብዒ እተወሰኸሉ ቝጠባውን ማሕበራውን መግባውን ቅልውላው፡ ዓለም ኣብ ሓደ ዓይነት “ፍጹም ህቦብላ” ከምዘላ ዘረጋግጽ እዩ። እዚ ንር.ሊ.ጳ. ፍራንቸኮ ካብታ ዝተሓረዩላ ዕለት ኣትሒዞም ብዙሕ ዝግደሱሉን ኣብቲ ኣብ 2015 ዓ.ም. ወግዓዊ ዝኾነ ይሴባሕ ዘርእስቱ ኣብ ምክንኻን ናይ ሓባር ቤትና ዘሎና ሓላፍነት ዘመላኽት ዓዋዲ መልእኽቲ ሰፊሕ መብርሂ ዝሃብሉን ኣብ ስልጣናዊ ትምህርቶም ናይ ሓበር ቤትና ምክንኻን ኣዚዩ ኣገዳስን ህጹጽን ጉዳይ ምዃኑ ከምዘመላኽቱን  “ኵሉ እቲ ምክንኻን ናይ ሓባር ቤትና ዝምልከት ሕቶ” ህጹጽ መልሲ ክወሃቦን መልሲ ናይ ምሃብ ህጹጽነት ድማ እናዛየደ እዩ ዝኸይድ ዘሎ ከምዝበሉ ኣፍሊጡ።

ናይ ቤተ ክርስቲያን ስምዒት

“ኵሉ እተተሓሓዘ እዩ” ከምኡ እውን በዚ ምኽንያት እዚ ቅድስቲ መንበር ኣብዚ ተበግሶ እዚ ምትሕብባርን ኣበርክቶ ምግባርን ግቡእ ምዃኑ ፈጺማ ተጠራጢራ ኣይትፈልጥን፡ “ማሓድሮኣዊ ጉዳያትን ማሓድሮኣዊ ቕልውላውን ገለ ገል ካብቲ ቅዱስ ኣቦና ተኣፋፊ ቢሎም ዝገልጽዎ ሓደ እዩ” እንክብሉ ብጹዕ ኣቡነ ጋላገር ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ኣዘኻኺሮም፡ ስለ ይሴባሕ ዘርእስቱ ዓዋዲ መልእኽቲ ንቅዱስነቶም ነመስግን ነዚ ዓዋዲ መልእኽቲ`ዚ መርገጺ ዝገበረ እውን ብዙሕ ተበግሶታት ይሳልጥ ኣሎ። ኣብ መላእ ቤተ ክርስቲያንን ኣብ መላእ ዓለምን ዓቢይ ስምዒት እዩ ተነቓቒሑ ዘሎ፡ ስለዚ ኣብቶም ተበግሶታት ንኽንሳተፍን ነቶም ነተግሶታት ንኸነተባብዕን ንኣብነት ኣብ ቅድስቲ መንበር ናይ ምስ ናይ ኢጣሊያን ናይ ዓባይ ብሪጣንያ ልኡካነ መንግስታት ብምትሕብባር ቅድሚ እቲ ናይ ግላስጎ ዓውደ ጉባኤ ንኽካየድ ዝተዳለወ ኣኼባ ምጥቃስ ይከኣል፥ ቅዱስ ኣቦና እውን “ዓቢይ ተገዳስንትን ተሳትፎን ክህልዎም እዩ” ኢሎም።

ዘተ ኣብ መንጐ እምነትን ስነ ምርምርን

ከም ሓቂ እኳ ደኣ ኣብ መላእ ዓለም ዚርከቡ ኣርብዓ መራሕቲ ሃይማኖታት ብዛዕባ ስነ ማሓድሮኣውን ማሕበራውን ጉዳያት ኣብ ዝመያየጥሉ ዓውደ ጉባኤ ካልኦት ዓሰርተ ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት እውን ክሳተፉን ናይ መጽናዕቲ ጽሑፋቶም እውን ከቕርቡ እያቶም ዝበሉ ብጹዕነቶም ኣስዒቦም ሃይማኖት ንነፍሲ ወከፍ መዳይ ህይወት ደቂ ሰብ ዚሓቍፍ እተሓናፈጸ ራእይ ስለ ዘለወን ዓቢይ ኣበርክቶ እየን ዚገብራ፡ “እቲ ዘጒልሖ ሓሳብ ኣብ መንጎ እምነትን ስነ ፍልጠትን ንምይይጥ ምቕራብ እዩ፡ ከመይሲ መብዛሕቲኡ ግዜ ኣብ ታሪኽ እምነት ምስ ስነ ፍልጠት ዝጻረር ምዃኑ እዩ ዝንገር፡ ሕጂ ከኣ ኣብ ጒዳያት ካበቢ ኣየርን ፍጥረትን ተፈጥሮን ብሓባር ደው ክብሉን ኣገዳሲ ኣበርክቶ ኽገብሩ ከምዝኽእሉ ንርእይ ኣሎና ኢሎም።

ናይ ስነ ማሓድሮኣዊ ለውጢ

እቲ “እምንትን ስነ ምርምርን” ዘርእስቱ ዓውደ ኣኼባ ይብሉ ኣብቲ ዝተወሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ ብሓባር ምስ ናይ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ቅድስቲ መንበር ልኡከ መንግስቲ ጃን ኣክስዎርትይ ዝተሳተፉ ኣብ ቅድስቲ መንበር ናይ ኢጣሊያ ልኡከ መንግስቲ ፒየትሮ ሰባስቲያኒ፥ እቲ ኣብ ግላስጎ ንኽካየድ ዝተጸውዐ ዓለም ሓቆፍ ዓውደ ጉባኤ ዛዕባ ከባቢ ኣየር እቲ ምስ ተፈጥሮ ዘሎና ርክብን ኣብ ዓለም ዝርአይ ናይ ሸለልትነት ባህልን ክንምርምርን ኣንፈትና ንኽንቅይር ዝድርኽ ኣጋጣሚ ክኸውን እዩ” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

18 June 2021, 23:45