ድለ

ናይ ፍቕሪ ሓሴት፥ ኣብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ንምትግማዕ ዝመርሕ ዕማም ናይ ፍቕሪ ሓሴት፥ ኣብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ንምትግማዕ ዝመርሕ ዕማም 

ናይ ፍቕሪ ሓሴት፥ ኣብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ንምትግማዕ ዝመርሕ ዕማም

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ዝሃብዎ መርሕ ሓሳብን ብፍላይ ኣብቲ “ናይ ፍቕሪ ሓሴት” ብሓፈሻኡ ዘንበርዎን ካብ ቀዳማይ ክሳዕ መወዳእታ ምዕራፍ እቲ ሓዋርያዊ ምዕዳን ዘንብሮም መርትዖታት ዘርዚሮም

ብጸሎትን ብናይ ዓለማውያን ምእመናንን ስድራ ቤትን ሕይወትን ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ብጹዕ ካርዲናል ከቪን ፋረል ብዘስምዕዎ ቃል ነቲ ናይ ስድራ ቤት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ሓለፍቲ ዘሳተፈ ብመረብታዊ ውሕዘት ዝካየድ ዓውደ ጉባኤ ከምእተኸፍተን ብጹዕነቶም፥ ቤተ ክርስቲያን ነገልግሎት ስድራ ቤት እያ” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ምስ - ናይ ፍቕሪ ሓሴት - ኣበይ በጺሕና ኣሎና? ነቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝሃብዎ ማዕዳ ጒስነት ንምትግባር ዝመርሕ ዕማም” እዚ ነቲ ናይ ዓለማውያን ምእመናን ስድራ ቤትን ሕይወትን ዝሓልይ ላዕልዋይ ቤት ጽሕፈት ምስቲ ዓመት “ስድራ ቤት ናይ ፍቕሪ ሓሴት” ኣተሓሒዙ ብመረብታዊ ውሕዘት ክሳዕ ዕለት 12 ሰነ ንኽካየድ ናይ ዘሰናደዎ ዓውደ ጉባኤ መርሓ ኮይኑ ብሲኖዶሳው ኣገባብ ዘዛትይ ሕቶ ምዃኑ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ንስድራ ቤት ምስማዕ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብቲ ብመረብታዊ ውሕዘት ናብ ዝካየድ ዘሎ ዓውደ ጉባኤ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ መስማዐ ርእየት ከሳቲ መልእኽቲ፡ ናይቲ ዓውደ ጉባኤ መኸፈቲ ቀንዲ ህሞት ከምዝነበረን ቅዱስነቶም ኣብ መልእኽቶም፥ “ንዅሉ ክልሰ ሓሳብዊ ጽልዋታትን ምልክታታትን ናይ ሓቂ ጸገማት ሰባት ንምርሓቕ ካብ ዝድርኽ ኣገባባትን ከምኡ እውን ወንጌላውነት ንፍሉያት ምሩጻት ዝምልከት እዩ ካብ ዝብል ኣመለኻኽታ ምርሓቕ የድሊ”፡ ብጀካ እዚ ቅዱስነቶም ወንጌላውነት ንነፍሲ ወከፍ ጸጋ ጥምቀት ዝተቐበለ ዝምልከት ጸዋዕታ ምዃኑ ብምዝኽኻር፥ መንእሰያት ነቲ ህያው ፍቕሪ ክርስቶስ ብሕይወቶም ክራኸቡን ኣብ ሕይወት ሓዳር ህያው ምዃኑ ከስተውዕሉ ምድጋፍ ኣገዳሲ እዩ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ካርዲናል ፋረል፥ “ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኣገልግሎት ስድራ ቤት እያ”

ናይ ዓለማውያን ምእመናን ስድራ ቤትን ሕይወትን ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ብጹዕ ካርዲናል ከቪን ፋረል ነቲ ዓውደ ጉባኤ ንኸበግሱ ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፥ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ዝሃብዎ መርሕ ሓሳብን ብፍላይ ኣብቲ “ናይ ፍቕሪ ሓሴት” ብሓፈሻኡ ዘንበርዎን ካብ ቀዳማይ ክሳዕ መወዳእታ ምዕራፍ እቲ ሓዋርያዊ ምዕዳን ዘንብሮም መርትዖታት ዘርዚሮም፥ ናይ ፍቕሪ ሓሴት ንጒስነት ኣብ ግብሪ ንምውዓል ዘቕርብዎ ስልጣናዊ ምዕዳን ኣጒሊሖም፡ እዚ ናይ መላእ ብፍላይ ናይቶም ኣብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ስድራ ቤት ዝዋስኡ መሰረታዊ ሓላፍነት እዩ ከምዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ብጹዕነቶም እቲ ካብ ርሑቕ እዋን ዝተበገሰን ሰፊሕ  ስልጣናዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን ዛዕባ ስድራ ቤት ንምውህሃድ ነዊሕ እዋን ከድሊ ምዃኑ ገሊጾም፡ “ኣብታ ናይ ፍቕሪ ሓሴት ሓዋርያዊ ምዕዳን ክሳዃዕ ምግባር ነቲ ስልጣናዊ ትምህርቲ ምእዋን ማለት ምዃኑ ኣብሪሆም፥ እታ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሓዋርያዊ ምዕዳን ሓምሻይ ዓመታ ተቝጽር ኣላ፥ ስለዚህ ኣብዘን ዝሓለፋ ሓሙሽተ ዓመታት ኣንቢብናያን ኣዕሚቍናያን ክንከውን ተስፋ እገብር፡ እቲ ክቡር ትሕዝቶኣ ኣብ ልብና ብምሓዝን ናብ ጭቡጥ ተመክሮ ጒስነት ክንትርጉሞ ህርኵት ጻዕሪ ክንገብር ይግባእ” ቢሎም “ብልጽቲ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኣገልግሎት ስድራ እያ”፥ ከምቲ ኣብቲ ሓዋርያዊ ምዕዳን ተመልኪቱ ዘሎ “ቤተ ክርስቲያን ንስድራ ቤት ተገልግል፡ ስድራ ቤት ንቤተ ክርስቲያን ጽባኤቔ እዩ”፥

“እቲ ቀዳማይ ብስራተ ወንጌል ዝቃልሓሉ ስድራ ቤትን ኣብ መንጐኦምን እቲ ዝያዳ ምልኩዕን ማራኽን ከምኡ እውን ኣድላዪን ዝኾነ ናይ ኣስፍሆተ ወንጌል ንጥፈታት ማእከል ክኸውን ኣለዎ” (ር.ሊ.ጳ.ፍራችነስኮ ኣብ ናይ ፍቕሪ ሃሴት ሓዋያዊ ምዕዳን)

ማሕታ ናይ ፍቕሪ ሓሴት ኣብ ዓለም

ናይቲ ጳጳሳዊ ናይ ዓለማውያን ምእመናን ስድራ ቤትን ሕይወትን ሓልዮ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ኣባ ኣለክሳንደር ኣዊ መሎ እውን ብወገኖም ኣብ ዘስምዕዎ አምደረ፥ ብዛዕባ ምዝርጋሕ ናይ ፍቕሪ ሓሴት ሓዋርያዊ ምዕዳን ዝርዝራዊ ትንተና ኣቕሪቦም፥  እቲ ሓዋርያዊ ዕዳን መሰረት ዝገበረ ጒስነት ንኣባይቲ ስድራ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ንኣብነት ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ኢጣሊያን ቦሊቪያን ናይጀሪያን ኮስታ ሪካን ካልኦትን ድሮ ይካየድ ከምዘሎ ኣመላኺቶም፥ ኣብ ገለ ገለ ሃገራት እውን ምስ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ንመንእሰያት ብምጥማር ይቐርብ  ቢሎም፥ ኣብ መወዳእታ ብመሰረት ናይ ፍቕሪ ሓሴት ሓዋርያዊ ምዕዳን ዝሳለጡ ዘለዉ ሓደስቲ ተመግሶታት ኣማእኪሎም እውን ሰፊሕ መግለጺ ከምዝሃቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ትምህርተ ክርስቶስ ዛዕባ ተኽሊል

ኣብቲ ጳጳሳዊ ናይ ዓለማውያን ምእመናን ስድራ ቤትን ሕይወትን ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ዶክተር ጋብሪኤላ ጋምቢኖ እውን ብወገነን፥ “ትምህርተ ክርስቲያን ናብ ሕይወት ምስጢር ተክሊል” እዚ ኸኣ ከምቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ ናይ ፍቕሪ ሓሴት ሓዋርያዊ ምዕዳን ዘመላኸትዎ፥ መንእሰያት ሕጹያት፥ ኣብ ምስጢረ ተኽሊል ምስትውዓል ገይሮም ንኽዓብዩን ኣብዚ መዳይ እውን ንኽሕነጹ፥ ስለዚ ኣገዳስነቱ ብሰፊሕ ኣብርሄን እቲ ዝቕረብ ትምህርተ ክርስቶስ ሓሳብ ምምሕልላፍ ወይ ክእለት ንምጥራይ ጥራሕ ዘይኮነስ ብሓባር ኣብ ዚግበርዎ ጒዕዞ ንሰብ ሓዳር ምምራሕን ምሕጋዝን ናብ ክርስቶስ ምቕራብን እዩ” ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ መደረ ከምዘስምዓ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ሓዋርያዊ ምዕዳን ናይ ፍቕሪ ሓሴት መርገጺ ገይሩ “ኣብ ጉዕዞ ሕቡራት” ብዝብል መጸውዕ ዝቖመ ቅድሚ ቃል ኪዳን ምእሳር ሕጹያት መንእሰያት፥ ንኽልተ ዓመት ኣብ ምስጢረ ተክሊል ዘማእከለን ኣብዚ መዳይ እውን ናይ ቤተ ክርስቲያን ስልጣናዊ ትምህርታን ሕንጸት ክረኽቡ ዝብል መደብ እውን ኣብቲ ዓውደ ጉባኤ ዝተሳተፉ ዓለማዊ ምእመን ፍራንሲስኮ ኣልባላን ቶኒ ካሮን ከምዘላለይዎን ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ኣብዚ ክሳዕ ዕለት 12 ሰነ ዝቕጽል ዓውደ ጉባኤ ካብ ዝተፈላለየ ከባቢ ዓለም ዝተዋጽኡ ንሰብዓ ዝተፈላለያ ኣባይቲ ምኽሪ ብጹዓን ጳጳሳትን ዝተፈላለያ 30 ዓለም ሓቆፍ ማሕበራትን ምንቅስቓሳትን ልኡካን ብጠቕላላ 350 ተጋባእያን ይሳተፉ ከምዘለዉ ኣፍሊጡ።

10 June 2021, 15:31