ድለ

የኔታ ኣረላኖ ቸዲሎ ናይ ሃገረ ቫቲካን ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ይግባይ ሓድሽ ኣቦ መንበር የኔታ ኣረላኖ ቸዲሎ ናይ ሃገረ ቫቲካን ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ይግባይ ሓድሽ ኣቦ መንበር 

የኔታ ኣረላኖ ቸዲሎ ናይ ሃገረ ቫቲካን ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ይግባይ ሓድሽ ኣቦ መንበር

ናይ ርእሰ ሰበኻ ሜጥሮጶሊታዊት ማድሪድ ምኽትል ዳይናን ኣብ ስፐይን ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ቤት ጽሕፈት ኣብ ዝርከብ ቤት ፍርዲ ዳይናን ኣብ ማድሪድ ናይ ሕገ ቀኖናን ናይ በርገሳዊ ሕግን መምህር ኮይኖም ዘገልገሉን ካብ 2007 ዓ.ም. ኣትሒዞም ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቤት ፍርዲ ተቖጻጻርን

ካብ 1987 ዓ.ም. ኣትሒዞም ካህን ኣባል ሕውነታዊ ሰራሕተይናታት መግንስቲ ኣምላኽ ተወላዲ ስፐይን የኔታ ሰዲሎ ናይ ሃገረ ቫቲካን ናይ ይግባይ ላዕልዋይ ቤት ፍርዲ ሓለቓ ንኽኾኑ ዕለት 7 ግንቦት 2021 ዓ.ም. ብር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከምእተሾሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንየኔታ ኣለኻንድሮ ኣረላኖ ሰዲሎ ናይ ሃገረ ቫቲካን ቤት ፍርዲ ይግባይ ሓለቓ ንኽኾኑ ከምዝሰመይዎም ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ኣረላኖ ሰዲሎ ዕለት 8 ሰነ 1962 ዓ.ም. ኣብ ስፐይን ከተማ ኦሊያስ ደል ረይ ዝተወልዱን ዕለት 25 ጥቅምቲ 1987 ዓ.ም. ኣብ ናይ ካህናት ሕውነት ሰራሕተይናታት መንግስቲ ኣምላኽ ማዕርገ ክህነት ተቐቢሎምን ሮማ ኣብ ዝርከብ ጳጳሳዊ ግረጐሪያና መንበረ ጥበብ ብሕገ ቀኖና በርገሳዊ ሕግን ሊቕነት ከምዘመስከሩ የመላኽት።

ናይ ርእሰ ሰበኻ ሜጥሮጶሊታዊት ማድሪድ ምኽትል ዳይናን ኣብ ስፐይን ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ቤት ጽሕፈት ኣብ ዝርከብ ቤት ፍርዲ ዳይናን ኣብ ማድሪድ ናይ ሕገ ቀኖናን ናይ በርገሳዊ ሕግን መምህር ኮይኖም ዘገልገሉን ካብ 2007 ዓ.ም. ኣትሒዞም ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቤት ፍርዲ ተቖጻጻርን ብዛዕባ ምስጢረ ተክሊልን ማዕርገ ድቑናን ክህንትን ጉዳይ ዝምልከት ፍሉይ ድርገት ኣባልን ዝሓለፈ ዕለት 30 መጋቢት 2021 ዓ.ም. እውን ናይ ሃገር ቫቲካን ቤት ፍርዲ ኣፈ ጉባኤ ንኽኾኑ ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ተሰምዮም ከምዝነበሩ የዘኻኽር።

11 May 2021, 15:08