ድለ

ፍራንቸስኮ ናይ ሃገረ ቫቲካን ዝለዓለ ከንቲባ ሰምዮም ፍራንቸስኮ ናይ ሃገረ ቫቲካን ዝለዓለ ከንቲባ ሰምዮም 

ፍራንቸስኮ ናይ ሃገረ ቫቲካን ዝለዓለ ከንቲባ ሰምዮም

እሙንን መስተውዓልን መጋቢ ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ 2014 ዓ.ም. ብዝደንገግዎ ሕጊ ኣቢሎም እውን ሕጋውነት ኣልቢሶም ዘቖምዎ ሓድሽ ሓላፍነት ክኸውን እንከሎ፡ ማዕረ ማዕረ እውን ናይ ሃገረ ቫቲካን ጉዳይ ኤኮኖሚ ዝሓልይ ቤት ምኽርን ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ቍጠባን እውን ከምዘቖሙን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኢጣሊያዊ ናይ ስነ ቍጠባን ምሕደራን ክኢላ ኣሌሳንድሮ ካሲኒስ ሪጊኒ ናይ ሃገረ ቫቲካን ቀንዲ ተቖጻጻሪ ናይ ኤኮኖሚ ጸብጻብ ንኽኾኑ ከምዝሰመይዎን 55 ዓመት ዝዕድመኦም ካብ 2017 ዓ.ም. ኣትሒዞም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ቀንዲ ተቖጻጻሪ ጸብጻብ ዝነበሩ ብገዛእ ፍቓዶም ካብ ሓላፍነቶም ንኽለቁ ንቕዱስነቶም ናይ ይኣኽለኢ ሕቶ ዘቕረቡ ሊበሮ ኪሎነ ይዅንታ ምስ ሃቡሉ ኣብዚ ሓላፍንት’ዚ ብግዚያዊ ንኸገልግሉ ሰምየሞም ከምዝነበሩ ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እዚ ውሳኔ’ዚ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ጸረ ምግባረ ብልሽውናን ብላዕን ዝካየድ ቃልሲ ኣዚዩ ከምዘበራተዔን እቲ ናይ ቀንድን ጠቕላልን ናይ ሃገረ ቫቲካን ከንቲባ፥ ድላይን ውሳኔን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዝቖመ ሓድሽ ተክለ ሰብነት ክኸውን እንከሎ፡ ቅዱስነቶም ብዘለዎም ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮሳዊ ፍሉይ ስልጣን መሰረት ብፍላይ በቲ  Fidelis dipensator et prudens - እሙንን መስተውዓልን መጋቢ ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ 2014 ዓ.ም. ብዝደንገግዎ ሕጊ ኣቢሎም እውን ሕጋውነት ኣልቢሶም ዘቖምዎ ሓድሽ ሓላፍነት ክኸውን እንከሎ፡ ማዕረ ማዕረ እውን ናይ ሃገረ ቫቲካን ጉዳይ ኤኮኖሚ ዝሓልይ ቤት ምኽርን ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ቍጠባን እውን ከምዘቖሙን ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ እዚ ቀንዲ ተቖጻጻሪ ጸብጻብ  ኣብ ኩርያ ሮማና - ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ሓዋርያዊ ላዕለዋይ ምሕደራ (ጳጳሳውያን ኣባይቲ ምኽርን ቅዱሳት ማሕበራትን ላዕለዎት ኣባይቲ ጽሕፈትን ዘሃገረ ቫቲካን) ዝዓይን ሓላፍነቱ እውን ናይ ቅድስቲ መንበርን ሃገረ ቫቲካንን ኣካላትን ትካላትን ናይ ገንዘብ ሚዛን ዝቆጻጸር ኽኸውን እንከሎ፥ ብጹዕ ካርዲናል ራይንሃርድ ማርክስ ናይቲ ዛዕባ ኤኮኖሚ ዝከታተል ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ከምዝኾኑን፥ እቲ ቤት ጽሕፈት ናጻን ብርእሱ ዝዓዪን ብቐጥታ ናብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ጸብጻብ ዘቕርብ እውን ከምዝኾነ ኣመላኺቱ፡ በቢ ዓመቱ ድማ ኣብ ኣባይቲ ምሕደራ ቫቲካን ኣብ ቍጠባ መዳይ እቲ ንሓደጋ ዝተቓልዔ ፈልዩ ዘመላኽትን እቶም ጠቕላሊ ተቆጻጽሪ ጸብጻብ ብኽልተ ተካእያን ከንቲባታት ዝሕገዙ እውን ከምዝኾኑን እዞም ሰለስተ ኣካላት ኵሎም ብቐጥታ ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝሕረዩን ንሓሙሽተ ዓመት ዘገልግሉ እውን ከምዝኾኑ ኣፍሊጡ።

06 May 2021, 17:27