ድለ

ዘስካሕክሕን ተቐባልነት ዘይብሉን ዘስካሕክሕን ተቐባልነት ዘይብሉን 

ዘስካሕክሕን ተቐባልነት ዘይብሉን

እዞም መሳኪን ግዳያት ውግእ ዚኾኒ ሕጻናት ኣብ ጋዛን እስራኤልን ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ የመንን ሶርያን ዒራቕን ኣፍጋኒስታንን ከምኡ እውን ኣብ ኣፍሪቃ ኣብተን ዝተረሰዐ ሓያሎ ውግእ ኣብ ዝካየደልን ሃገራት ዘሎ ዘሕዝን ኩነት እዩ። እቶም ድሕንነትን ሰላም ዝዓሰሎ ውሑስ ምጻኢ ንምርካብ ወሓይዝ ድዩ ባሕሪ ክሰግሩ ኢሎም ዝጥሕሉ ልቢ ዝትንክፍ ኣካል ንኣሽቱ ስደተይንታት ብዙሓት እያቶም

ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ እተሰምየ ናይ ቅድስቲ መንበር ዕለታዊ ጋዜጣ ዕለት 17 ግንቦት 2021 ዓ.ም. ንንባብ ናይ ዘብቀዖ ሕትመቱ ቀዳማዊ ገጽ “መቕተልቲ ክልተ ሕጻናትን መሪር ሓዘን ኣባይቲ ስድራን ዘርኢ ምስሊ ዝተበሮ ታሪኽ “ደመ ንጽሓን” ብዝብል ኣርእስቲ ሰፊሕ ሓተታ ንንባብ ከምዘብቀዔን እቲ ኣርእስቲ እውን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 16 ግንቦት 2021 ዓ.ም. ፍርቂ መዓልቲ ጸሎተ ንግስተ ሰማይ ኣዕሪጐም ምስ ኣብቅዑ ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ኣብ ቅድስቲ መሬት ዘሎ ህልው ኵነታት ብዓብይ ሻቕሎት እከታተሎ ኣሎዅ፡ ኣብዘን ቀረባ መዓልታት ኣብ መንጐ ገማግም ጋዛን እስራኤልን ብርቱዕ በጽዋር ውግእ ዝተሰነየ ግጭት ብዙሓት ሰባት ይቖስሉን ብዙሓት ንጹሓን እውን ይሞቱን ኣለዉ፡ እናበኣሰን ናብ ሞትን ዕንወትን የብጽሕ ኣሎ፡ ካብቶም ዝሞቱ ሕጻናት እውን ከምዝርከብዎምን እዚ ኸኣ ዘስካሕክሕን ተቐባልነት ዘይብሉን እዩ፡ ናይዞም ሕጻናት ሞት መጻኢ ክንሓንጽ ናይ ዘይምድላይን መጻኢ ናይ ምዕናውን ምልክት እዩ! እንክብሉ ዘስመሩሉ ሓሳብ ዘቃልሕ ሰፊሕ ዘገባ ክኸውን እንከሎ፥ ናይ ውግእን ኣመጽ ግዳያት ገዛእ ርእሶም ናይ ምክልኻል ዓቕምን ብቕዓትን ዘይብሎምን ዘይምልከቶምን ዘይገበነይናታትን ሕጻናት ከምዝዀኑ ዝገለጽዎ ሓሳብ ብሰፊሕ ዘረጋግጽ ከምዝኾነ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

እቲ ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ ዘቅረቦ ዘሕዝን ናይቲ ተኽሲቱ ዘሎ ግጭት ኣደዳ ዝዀኑ ሕጻናት ዝውክል መቕተልቲ ክልተ ሕጻናት ዘርእ ስእሊ ልብኻ ዝዓብስ ማህረምቲ እዩ፡ ንምሕታሙ እውን ብዙሕ ስቓይ እዩ ነይሩ፡ . . . ክልተ ሕጻናት በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ግጭት ዝተቐትሉን ብሓዘን ብዝሳቐዩ ወለዳቶም ተኸቢቦምን ዘርኢ ዘስካሕክሕ ስእሊ ምሕታም ይግባእዶ? . . . ዝሓለፈ ሰሙን ዘጋጠመ ቅትለት እውን እዩ፡ ደሓር ግን ዕለት 16 ግንቦት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ድሕሪ እቲ  ብዛዕባ ኣብ ልዕሊ እቶም ሕጻናት ዝወርድ ዘሎ መቕተልቲ ተቐባልነት ዘይብሉ ዘስካሕክሕ ተግባር ቢሎም ገሊጾም ሰላም ክወረድን ንዘተ በሪ ክኽፈትን ዘቕረብዎ ጻውዒት ሓቲሙ ንንባብ ብምብቃዕ ናይቲ ግጭት ሳዕቤን ክሳብ ክንደስ ዘስካሕክሕ ምዃኑ ናይ ቅዱስነቶም ጻውዒት ብምቅላሕ ናይ ቅድስነቶም ጻውዒት ሰላም የቕርብ።

እዞም መሳኪን ግዳያት ውግእ ዚኾኒ ሕጻናት ኣብ ጋዛን እስራኤልን ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ የመንን ሶርያን ዒራቕን ኣፍጋኒስታንን ከምኡ እውን ኣብ ኣፍሪቃ ኣብተን ዝተረሰዐ ሓያሎ ውግእ ኣብ ዝካየደልን ሃገራት ዘሎ ዘሕዝን ኩነት እዩ። እቶም ድሕንነትን ሰላም ዝዓሰሎ ውሑስ ምጻኢ ንምርካብ ወሓይዝ ድዩ ባሕሪ ክሰግሩ ኢሎም ዝጥሕሉ ልቢ  ዝትንክፍ ኣካል ንኣሽቱ ስደተይንታት ብዙሓት እያቶም፡ በቶም ሰባት ካብ ቦታ ናብ ቦታ ብዘንቀሳቕሱ ናይ ገበን ጉጅለታትን ብንግድ ሰብ ዝዋፈሩ ገበነይናናት ዝዕመጹን ዝሽየጡን ልቢ ዝትክፍ ታሪኽ ብዙሓት ቆልዑ፡ ናይ ምዝመዛ ኣደዳ ዝኾኑን ብዙሓት እያቶም፥ ስለ እቲ ዘቕረብናዮ ናይቶ ሕጻናት መቕተልቲ ዘርእይ ምስሊ ሓቲምና ንንባብ ክበቕዕ ምግባርናን ይቕረታ ንሓትት እውን ንኹን፡ ሕጻንት ብደብዳብን ቦምብን ክቕተሉ ርኢኻ ከምዘይረኣኻ ምዃን ሸለል ምባል ዝከኣል ኣይኮነን፡ ዘይጉሰይ ጉዳይ እዩ፡ ከምቲ ናይ ብዙሕት ከባቢ ሃገርን ናይ ዒራቕን ግጭትን ውግእን ተመክሮ ከምዘረጋግጾ ፍረ ውግእ ሞትን ዕንወትን ጽልእን ጥራሕ እዩ። ሕጻናት ብዓቢይ ዘዕድይን እቲ ዝለዓለ ዋጋ ዝኸፍሉ እያቶም፡ ተቐባልነት ዘይብሉ፡ ነዚ ብሓቂ ምእንቲ ንኽንርድኦ መታን ካብቲ መብዛሕቲኡ እዋን እንነብረሉ ዘሎና ዘይምግዳስ ኩነት ገዛእ ርእስና ንኸነነቓቕሕን ንኽክርድኦን ዝድርኽ ሓታታ ምዃኑ ዜና ቫቲካ ይሕብር።

19 May 2021, 08:45