ድለ

“ጉዕዞ ኤውሮጳ”፥ ዝኽሪ 50 ዓመት ሰላማዊ ክሌኣዊ ርክብ “ጉዕዞ ኤውሮጳ”፥ ዝኽሪ 50 ዓመት ሰላማዊ ክሌኣዊ ርክብ 

“ጉዕዞ ኤውሮጳ”፥ ዝኽሪ 50 ዓመት ሰላማዊ ክሌኣዊ ርክብ

ቅድስቲ መንበርን ሕብረት ኤውሮጳን ዘራኽብ ብዙሕ ስነ ምግባራዊ ስርዓታት ኣሎ፡ እቲ ጥንታዊ ርክብ ሎሚ እውን ኣብቲ እንነብረሉ ዓለም ዘሎ ብድሆታት ኣስፍተንፍሶ ዝገበረ ርክብ እውን ምዃኑ ሓቢረን

ዕለት 9 ግንቦት መዓልቲ ኤውሮጳ ከምዝኾነን ነዚ ምኽንያት ብምግባር ክሳብ ዕለት 27 ሰነ 2021 ዓ.ም. ዝቕጽል ፍርቂ ዘመን ዘቑጽር ዘሎ ክሌኣዊ ርክብ ቅድስቲ መንበርን ናይቲ ጥንታዊ ክፍለ ዓለም ተቕዋማትን ኣቢያተ ክርስቲያናትን - ኣብ ሮማን ብዝተፈላለዩ መደባት ክዝከር ከምዝኾነን፡ ኣብ ቅድስቲ መንበር ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ልኡኽ ኣማኻሪት ሲልቪያ ኮፍለር፥ ቅድስቲ መንበርን ሕብረት ኤውሮጳን ኣብ ዓሚይቕ ክቡራት ዋጋታት ጥሙራት እንክብላ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብዝ አካየድኦ ቃለ መሕትት የብርሃ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ሮማ ኣብ ዝርከባ ኣቢያተ ክርስቲያን ምንጋድ ናብ መላእ ኤውሮጳ ምብጻሕ ማለት እዩ፡ እቲ ዝኽሪ መበል 50 ዓመት ክሌኣዊ ርክብ ቅድስቲ መንበርን ሕብረት ኤውሮጳን  “ጉዕዞ ኤውሮጳ”፥ ዝኽሪ 50 ዓመት ሰላማዊ ክሌኣዊ ርክብ ብዝብል ኣርእስቲ ዝምራሕ ከምዝኾነ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ዕለት 9 ግንቦት 1950 ዓ.ም. ናይ ፈረንሳ ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒ. ዝነበሩ ሮበርት ሹማን ሕብረት ኤውሮጳ ምቛም ዝብል ሓሳብ ምስ ዝቕረቡላ ዕለት ዝተተሓሓዘ ክኸውን እንከሎ፡ እዚ መደብ ዝኽሪ ክሳብ ዕለት 27 ሰነ ብዝተፈላለዩ ተበግሶታት ተሰንዩ ከምዝካየድ ኣፍሊጡ።

ኣብ መንጐ ቅድስቲ መንበርን ሕብረት ኤውሮጳን ዘሎ ዓሚዪቕ ምትእስሳር

ነዚ ዝኽሪ መበል 50 ዓመት ክሌኣዊ ርክብ ቅድቲ መንበርን ሕብረት ኤውሮጳን ኣማእኪለን ኣብ ቅድስቲ መንበር ንናይ ሕብረት ኤውሮጳ ልኡኽ ሚንስትር ጉዳይ ኣማኻሪ ሲልቪያ ኮፍለር ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየደኦ ቃለ መሕትት፥ ቅድስቲ መንበርን ሕብረት ኤውሮጳን ዘራኽብ ብዙሕ ስነ ምግባራዊ ስርዓታት ኣሎ፡ እቲ ጥንታዊ ርክብ ሎሚ እውን ኣብቲ እንነብረሉ ዓለም ዘሎ ብድሆታት ኣስፍተንፍሶ ዝገበረ ርክብ እውን ምዃኑ ሓቢረን ከም ኣብነት እውን ኣብ ምክንኻን ፍጥረትን ተፈጥሮን ውሕስነት ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ጸኣት ስደተይናታትን ካብ ዓለም ፍርዲ ሞት ክውገድን ግጭትን ዓመጽን ክውገድን ሕንጸት ሰላምን ዝብሉ ጠቒሰን፡ ሎሚ እውን እቲ ርክብ ኣዚዩ ዓሚዩቕ እዩ፡ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ልኡካን ምስተን ኣብ ቅድስቲ መንበር ናይ ኵለን ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ልኡካን መንግስታት ብምትሕብባር ነቲ ዝኽሪ መበል 50 ዓመት ክሌኣዊ ርክብ ብፍልዩ መደብ ክዝክር እዩ ቢለን፡ ዕለት 9 ግንቦት ኣብ ሮማ ባዚሊካ ቅዱስ ዮሓንስ ዘላተራኖ ፍርቂ መዓልቲ ንናይ ሰበኻ ሮማ ህየንተ ር.ሊ.ጳ. ብጹዕ ካርዲናል ኣንጀሎ ደ ዶናቲስ ብዝሰርዕዎ መስዋዕተ ቅዳሴ  ክብገስ እዩ ኢለን።

ንኤውሮጳ ብኣቢያተ ክርስቲያን ኣቢልካ ምንባር

ካብ ሮማውያን ባዚሊካታት ምብጋስ፥ ብታሪኽ ምስ ዝተፈላለየ ሕብረተሰብ ኤውሮጳ ርክብ ብዘለወን ኣብ ሮማ ብዝርከባ ኣቢያተ ክርስቲያን ኣቢልካ ኤውሮጳ ምንባር ብዝብል መደብ መሰረት እውን ኣብ ዝተፈላለያ ሮማውያን ብዚሊካታት መንፈሳዊ ንግደት ክካየድ እዩ። ንዝኽሪ መበል 50 ዓመት ክሌኣዊ ርክብ ቅድስቲ መንበርን ሕብረት ኤውሮጳ ዝስተሰናደወ መፍነሳውን ባህላውን መደባት ክሳብ ዕለት 27 ሰነ 2021 ዓ.ም. ዝቕጽል ምዃኑን ነቲ ለብዒ ኮቪድ 19 ንምቑጽጻርን ንምብዳህን ዝተሓንጸጸ ህጹጽ ናይ እዋን ሓደጋ ድንጋገ ብምኽባር ዝካየድ ከምዝኾነ እውን ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

06 May 2021, 17:35