ድለ

ብጹዕ ሊቫቲኖ፥ ር.ሊ.ጳ. “ናይ ፍትሒ ሰማእት፡ ንዅሉ ኣብነት ሕጋውነት” ብጹዕ ሊቫቲኖ፥ ር.ሊ.ጳ. “ናይ ፍትሒ ሰማእት፡ ንዅሉ ኣብነት ሕጋውነት” 

ብጹዕ ሊቫቲኖ፥ ር.ሊ.ጳ. “ናይ ፍትሒ ሰማእት፡ ንዅሉ ኣብነት ሕጋውነት”

ትብዓትን እምነት ብዝመልኦ ተግባር’ዚ ኣቢሉ ክሳብ ናይ ደም ሰማእትነት ወንጌል ዝመስከረ” እንክብሉ ገሊጾም፥ ንዅሎም ብፍላይ ከኣ ንኣመሓደርቲ እሙናት ተጣበቕቲ ሕጋውነትን ሓርነትን ንኺዀኑ ዝድርኾም ኣብነት ይዀነሎም፡ ነዚ ሓድሽ ብጹዕ እዚ ነጣቕዓሉ”

ዕለት 9 ግንቦት 2021 ዓ.ም. ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኢጣሊያ ከተማ ስቲዳ ኣብ 1990 ዓ.ም. ዝተቐትሉ መንእሰይ ዳይና ኣብ ሲቺሊያ ከተማ ኣግሪጀቶቲ ኣብ እትርከብ ካቴድራል ብውሳኔ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ብጽዕና ከምእተኣወጀሉን ናይ ቅድስና ጉዳይ ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ብጹዕ ካርዲናል ሰመራሮ፥ ሊቫቲኖ ቀቅድሚ ምሟቱ ንቐተልቱ ይቕረ ከምዝበለ ክሕብሩ እንከለዉ፡ ናይ ኣግሪጀንቲ ሊቀ ጳጳሳት፥ “ቤተ ክርስቲያን ሓድሽ ብጹዕ ስለ ዝጸገወትና ነመስግን፥ ሎሚ እውን ሲቺሊያ ብማፊያ ናይ ገበን ጉጅለታት ኣብ ስቓይ ከምእትርከብን ናይ ሮዛሪዮ ሊቫቲኖ ምስክርነት ክብራ ትገበሮ” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ብጹዕ ሊቫቲኖ ብኢድ ማፍያ ክቕተል እንከሎ ለቢስዋ ዝነበረት ካምቻ ብደም ዝጨቀወት ቅዱስ ትሩፋት ኣብ ኣግሪጀንቶ ካቴድራል ከምእተነብረን፡ ኣብ መበል 38 ዓመት ዕድመኡ ብማፊያ ኢድ ከምእተቐትለን ኣብ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ዕለት 29 ጥቅምቲ ዝኽረ ብጹዕናኡ ዝበዓለሉ ዕለት ክኸውን ከምእተወሰነ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ር.ሊ.ጳ.፥ ሰማዕት ፍትሕን እምነትን

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 9 ግንቦት 2021 ዓ.ም. ፍርቂ መዓልቲ ድሕሪ ዘዕረግዎ ጸሎተ ንግስተ ሰማይ፡ ቤተ ክርስቲያን ብጹዕ ዝበለቶ ሮሳሪዮ ሊቫቲኖ፥ “ንማሕበረሰብ ከም ዳይና መጠን ኣብ ኣገልግሎቱ ፈጺሙ ኣብ ምግባረ ብልሽውናን ብላዕን ዘይወረደን ከም ዳይና ኣብ ዝብይኖ ዝነበረ ፍርዲ ነቲ ገበነይና ንምብጃው፡ ንኽምለስን ንኽልወጥን እምበር ንምውጋዝ ቢሉ ዘይፈርድ” እንክብሉ ዘኪሮምን፥ “ዕዮኡ ወትሩ ኣብ ትሕቲ ዑቕባ ኣምላኽ ዘንበረን፡ በዚ ትብዓትን እምነት ብዝመልኦ ተግባር’ዚ ኣቢሉ ክሳብ ናይ ደም ሰማእትነት ወንጌል ዝመስከረ” እንክብሉ ገሊጾም፥ ንዅሎም ብፍላይ ከኣ ንኣመሓደርቲ እሙናት ተጣበቕቲ ሕጋውነትን ሓርነትን ንኺዀኑ ዝድርኾም ኣብነት ይዀነሎም፡ ነዚ ሓድሽ ብጹዕ እዚ ነጣቕዓሉ” ከምዝበሉን ኣብቲ ጸሎት ንግስተ ሰማይ ዝሓበሩ ምእመናን እውን ብጣቕዒት ሓጐሶም ከምዝገለጹ ኣፍሊጡ።

ኣብ ሲቺሊያ ደሴታዊት ክፍሊ ሃገር ኢጣሊያ ከተማ ኣግሪጀንቶ ንቕዱስነቶም ወኪሎም ንኣዋጅ ብጽዕና ሊቫቲኖ ዝዓረገ መስዋዕተ ቅዳሴ ዝሰርዑ ናይ ቅድስትና ጉዳይ ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ብጹዕ ካርዲናል ማርጀሎ ሰመራሮ ከምዝዀኑን በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ምኽንያት ዝተወሰነ ህጹጽ ናይ እዋን ሓደጋ ጥዕና ድጋገ ብዘኽብር ኣገባብ ዝተፈጸመ ኮይኑ፡ ብዙሕ ሕዝቢ ብተለቪዥንን ብዝተፈላለየ ማሕበራዊ መረብትን ብቐጥታ ከካብ ዘለዎ ከምእተኸታተሎ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ፥ 

ብጹዕ ካርዲናል ሞንተነግሮ፥ “ናይ ዎይትይላ ብዓውታ ዘቕረብዎ ለበእዋ እዋናውነቱ”

ናይ ከተማ ኣግሪጀንቶ ሊቀ ጳጳሳት ቡዕ ካርዲናል ፍራንቸስኮ ሞንተነግሮ፥ ቅዱስ ኣቦና ሰማእት ሊቫቲኖ ብጹዕ ተባሂሉ ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ብጹዓን ስንክሳር ስሙ ክነብር ስለ ዝፈቐዱ ነመስግን፥ ሊቫቲኖ ቤተ ክርስቲያን ብጹዕ ዝበለቶ ቀዳማይ ዳይና እዩ፡ እነሕልፎ ዘሎና ተመክሮ ከምናይ ዳይና ሊቫቲኖ ቀሊልን እሙንን ናይ እምነት ሕይወት ሒዝና ንወንጌል ብትብዓት ንኽንምስክር ሓላፍነት ክስምዓና ዝድርኽ እዩ፡ ነታ ሎሚ እውን ኣብ ጽንኵር ኩነት ንእትርከብ በቲ ማፍያዊ ኣመለኻኽታ ንእትሳቐይ ዘላ ቺሲሊያ ነቲ ኣዋጅ ብጾና ሊቫቲኖ ሰማእትነቱን ክብራ ክትገብር እምነ ከምዝበሉ ሓቢሩ።

ብጹዕ ካርዲናል ሞንተነግሮ፥ “ብዙሓት ናይ ፍርዲ ቤት ኣካላትን ደያኑን ኣባላት ሓይሊ ጸጥታን ናይ ፖለቲካ ኣካላትን ግዳያት ናይቶም ዓመጽ ገበነይናታት ዝኾኑ፡ ነቲ ዮሓንስ ጳውሎሶ ዳግማዊ ኣብ ቺሊያ ክፍለ ሃገር ዕለት 9 ግንቦት 1993 ዓ.ም. ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣካይዶም ኣይፋ ንማፍያ እንክብሉ ኩሉ ንፍትሕን ሕጋውነትን ሓቅን ክቐውም ብዓውታ ንዘቕረብዎ ጻውዒት ዝነብሩን ዘኪሮም፥ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብቲ እዋን’ቲ ምስ ወለዲ ሊቫቲኖ ተራኺቦም ከምዝነበሩ እውን ብጹዕነቶም ዘኪሮም ምስ ዜና ቫቲካን ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

11 May 2021, 15:04