ድለ

ፓሮሊን፥ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዓለም ወንጌል ኣብ ምምስካር ሓድነት ይሃልዋ! ፓሮሊን፥ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዓለም ወንጌል ኣብ ምምስካር ሓድነት ይሃልዋ! 

ፓሮሊን፥ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዓለም ወንጌል ኣብ ምምስካር ሓድነት ይሃልዋ!

ስለዚህ ጸዋዕታ ክህነቶም ምስቲ ዝፍጽምዎ ዘለዉ ናይ ስነ ሜላዊ ርክብ ኣብ ምስላጥ ዘለዎም ሓላፍነት ዘይሰማማዕ ኣይኮነን፡ ብፍላይ ድሕሪ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ሓዋርያዊ ልኡኻን ቅድስቲመንበር ብቐዳምነት ተልእኾ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ እዩ፡ እዚ ኸኣ ኣብ መንጐ ቅድስቲ መንበርን ዞባዊት ቤተ ክርስቲያንን ዘሎ ርክብ ምሕያል

ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ምስ ናይ ስፐይን ኮፐ እተሰምየ መደብር ራዲዮ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ አምሕትት፡ ዝተፈላለዩ ዛዕባ ቤተ ክርስቲያንን እዋናዊ ዓለምን ጸዋዕታ ክህነትን ምስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዘለዎም ጥልቂ ርክብን ጭቡጥ ኩነታት ማሕበረሰብ ክርስቲያንን ቤተ ክርስቲያንን ኣብ ቻይናን ዝምልከቱ ኣርእስታት ከምዝዳህሰሱ ልእኽቲ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ኣና ፖቸ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ክንየው ምእንቲ ሰላም ኣብ ዓለም፡ ኣብ ኣገልግሎት ሱታፌን ኣብ ምክልኻልን ምንቕቓሕን ናጻነት ቤተ ክርስቲያንን ናይ ሃይማኖት ናጽነትን ኣገልግሎት ኢና ዘሎና፡ ቤተ ክርትያን ምእንቲ ሰላም ክሳብ ክንደይ ትዓዪ ከምዘላ ምሕባር እውን የድሊ፥ ብወገነይ ስነ ሜላዊ ርክብ በዚ መልክዕ እዚ እየ ዝርድኦ፥ ነዚ ዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋን ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን፥ ኮፐ ምስ እተሰየ ናይ ስፐይን ራዲዮ ዋና ኣሰናዳኢ ጋዜጠይና ኾሰ ልዊስ ረስታን ብምኽንያት በዓለ ፋሲካ ዘእግዚእነ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ክኸውን እንከሎ፡ ኣብቲ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ተክለ ሰብነት፥ ር.ሊ.ጳ. ኣብ ምግልጋል ሓፍነቶምን ናይ ኵርያ ሮማና ሕዳሴን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ውሽጢ ዝርአይ ዘይምርድዳእን ኩነታት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ቻይናን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብ ዒራቕ ዘካየድዎ ሓዋርያዊ መገሻን ተልእኾ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኤውሮጳን ዝምልከቱ ኣእርእስታት ኣብቲ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ብሰፊሕ ከምዝዳህሰሱ ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ፖቸ ኣስዒበን፥

ርክብ ቅድስቲ መንበርን ዞባዊት ቤተ ክርስቲያንን ምሕያል

ብጹዕ ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ ሓሙሽተ ክፍለ ዓለም እትርከብ ዞባዊት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ጉዳያት ብጥልቂ ኣፍልጦ ዘለዎምን ጸዋዕታኦምን ቅድሚ ኣርብዓ ዓመት ዝተቐበልዎ ጸዋዕታ ክህነትን ንድሕሪት ምልስ ቢሎም ብምዝኽኻር፡ ብዘይ ድላዮምን ከይሓሰብዎን እውን ኣብዚ እዋን’ዚ ጸዋዕታኦም ኣብ ኣልግሎት ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ይነብርዎ ከምዘለዉን ሓቢሮም፥ ጸዋዕታኦም ብመሰረቱ ጸዋዕታ ክህነት ምዃኑ ገሊጾም፡ ክህነት ኣብ ቤተ ክርስቲያን ነገልግሎት ነፍሳት እዩ፡ ስለዚህ ጸዋዕታ ክህነቶም ምስቲ ዝፍጽምዎ ዘለዉ ናይ ስነ ሜላዊ ርክብ ኣብ ምስላጥ ዘለዎም ሓላፍነት ዘይሰማማዕ ኣይኮነን፡ ብፍላይ ድሕሪ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ሓዋርያዊ ልኡኻን ቅድስቲመንበር ብቐዳምነት ተልእኾ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ እዩ፡ እዚ ኸኣ ኣብ መንጐ ቅድስቲ መንበርን ዞባዊት ቤተ ክርስቲያንን ዘሎ ርክብ ምሕያል ዝብል ምዃኑ በስፊሕ ከምዘብርሁ ኣፍሊጠን።

ሕዳሴ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ቀረባ ተሓባበርቲ ሓዋርያዊ ምሕደራ - ኵርያ ሮማና

ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ሓላፍነት እውን እቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ናይ ቀረባ ተሓባበርቶም ላዕለዎት ሓዋርያውያን ቤት ምሕደራ መዋቕራት ዘተኣታትውዎ ዘለዉ ሕዳሴ ኣብ ፍጻሜ ንምብጻሕ ምግልጋል ዝብል እዩ፡ እቲ ኣብ ኣገልግሎት ዘሎ ሓዋርያዊ ቅዋም ዝትክእ ወንጌል ኣበስሩ ዝብል ኣርእስቲ ዘለዎ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ግብሪ ንምውዓል እዩ፡ . . . ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ ምሕደራ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ምድጋፍን ነቲ ሓዋርያዊ ምሕደራ ምውህሃድ ዝብል ኣገልግሎት እዩ ከምዝበሉ ፖቸ ሓቢረን።

ምስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዘሎ ምትሕብባር

ብጹዕ ካርዲናል ፓሮሊን ንድሕሪት ምልስ ቢሎም ገና ኣብ ቨነዝወላ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ኮይኖም ኣብ ዘገልግልሉ ዝነበረ እዋን ቅድሚ ሸሞንተ ዓመት ናይ ኣርጀንቲና ሊቀ ጳጳሳት በርጐልዮ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኮይኖም ምስ ተሓርዩ ድሕሪ ክልተ ወርሒ ሕርየቶም ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ንክኾኑ ከምዝሓተትዎምን ብተኣዝዞ ነዚ ሓላፍነት ከምእተቐበልዎን ኣብ መንጐኦም ዘሎ ናይ ጠባይ ፍልልያት ቤተ ክርስቲያን ንምግልጋል ሓላፋ ዝብል እዩ፡ ፍልልያት ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ዝብልዎ ሃብቲ እዩ፥ ነገልግሎት የሀብትን፡ ምኽንያት ግርጭት ክሳብ ዘይኮነ፡ ፍልልያት ንምትሕብባርን ተማላኢ ንምዃንን ክትጥቀመሉ ይግባእ፡ . . .

ቤተ ክርስቲያን ኣብ ስብከተ ወንጌል ተኣማንነት ዘለዋ ክትከውን

እቲ ኣዚዩ ዘገርሞምን ዝትንክፎምን ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ትሕትና እዩ፡ ክትቀርቦም እንከለኻ እቲ ኣዚዩ ዘገርመካ ዝነብርዎን ዘንጸባርቕዎን ተራ ምዃንን ትሕትናኦምን እዩ፡ ርክባትን ንኻልኦት ቀረባ ምዃንን ዝነብሩን፥ እዚዩም ንኻልኦት ዝግደሱን ዝከናኸኑን እዮም፡ ኣብ ወግዓዊ ክሌኣዊ ዝብል ርክብ እውን እንተኾነ ቀረባን ትሑትን እዮም፡ ንሰብኣዊ ፍጥረት ምርኻብ ዝብልን ብሓጹሩ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ስብከተ ወንጌል እምንቲ ክትከውን ዝብል ኣብነታዊ ኣነብብራ እዮም ዘጉልሑ።

ኣብ ቤተ ክርስቲያን ውሽጢ ዘሎ ዘሰክፍ ዘይምርድዳእ?

ብዛዕባ እቲ ኣብ ኤቅለስያዊ ማሕበረሰብ ኣሎ ዝበሃል እዚ ኸኣ ኣብ መንጐ ዓቃብያንን ሰጐምትን ብዝብል ኣገላልጻ ዝንበር ንጽጽር፡ ነታ ሓደ ምእንቲ ክትከው ባዕሉ ኢየሱስ ክርስቶስ ናብ ኣብኡ ንዝጸለየላ ቤተ ክርስቲያን ዝጐድእ እዩ፡ ንጽጽር ሓድነት ዘተባቦዕን ነቲ ክርስቶስ ዝጸለዮ ሓድነት ኣገልግልቶ ክሳብ ዝኾነ እወታዊ እዩ፡ ካብዚ ወጻኢ ዝንበር እንተድኣ ኮይኑ ጐዳኢ ይኸውን፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዘተኣታትውዎን ዝሓትዎን ሕዳሴ ቤተ ክርስቲያን ዝፈጥሮ ዘሎ ንጽጽር ክመስል ይኽእል፡ ናይ ቤተ ክርስቲያን መዋቕራዊ ቅርጺ ምስቲ ናይ እምነትን ቅዱሳት ምስጢራትን ሓዋርያዊ ኣገልግሎትን መንበር ምዃና ዝገራጨው ኣይኮነን፥ ዝኾነ ይኹን መዋቕራዊ ሕዳሴ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ነዚ ኤቅለሲያዊ ትርጉም ዝጻረር ክኸውን የብሉን ኣይኮውንን እውን፡ ስለዚህ እቲ ዘይምርድዳእ ካብ ምንድንጋራትን ኣገዳስን  ካብቲ ተቐያርን ፈላሊኻ ናይ ምርኣይ ብቕዓት ጉድለት ዝፈጥሮ ዘሎ እዩ፥ ሕዳሴ ክበሃል እንከሎ ነቲ ኣገዳስን ሕመረትን ዝትንክፍ ኣይኮነን፥ ምኽንያቱ ናይቲ ሕዳሴ መሰረት ወንጌላዊ መንፈስ ስለ ስኾነ እዩ ከምዝበሉ ፖቸ ኣፍሊጠን።

ብዛዕባ መጻኢ እታ ኣብ ቻይና እትርከብ ቤተ ክርስቲያን ተስፋ

ብጹዕ ካርዲናል ፓሮሊን ብዛዕባ ቻይናን ቤተ ክርስቲያን ኣብ ቻይናን ዝምልከት ንዝቐረበሎም ሕቶ ኣማእኪሎም፥ ቅድስቲ መንበር ነታ ኣብ ቻይና እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብዓቢይ ኣኽብሮትን ኣብ ዘሕለፈቶ ናይ ስቓይ ታሪኽን ዓቢይ ግምት ብምሃብ ብዓቢይ ተስፋ እያ እትጥምታ፡ ብዛዕባ ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ርክብ ብሓቂ ብዙሕ ንቕድሚት ተሰጒይሙ እዮ እዚ ከበሃል እንከሎ ጸገማት የሎን ማለት ኣይኮነን፥ ፍታሕ ዝረኽቡን ማዕረ ማዕረ እውን ግዜ ዝሓትቱ ሕቶታት ኣለዉ፡ እዚ ኹሉ ነቲ ቅኑዕን ሓድነትን ኣሚቱ ንዝግበር ጉዕዞ መስረት እዩ፡ እቲ ሸቶ ምሉእ ውህደት ዝብል እዩ፡ ስለዚህ እቲ ዝግበር ዘሎ ናይ ሓባር ጉዕዞ ብትኽኽል ናብዚ ዘቕንዔ እዩ፡ ናይ ሓይማኖት ናጽነትን ሱታፌን ውሑስ ንምግባር ዝኣመተ እዩ፡ ብዘይ ሱታፌ ምስ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ምንባር ዘይኣክልን ዘይሕሰብን እዩ ስለዚህ እቲ ዝግበር ጉዕዞ ነዚ ሓቂ እዚ መሰረት ዝገበረ እዩ እንክብሉ ከምዘብርሁ ፖቸ ኣፍሊጠን።

ዓቢይ ምስክርነት ማሕበረሰብ ክርስቲያን ዒራቕ

ብጹዕ ካርዲናል ፓርሊን  ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዒራቕ ዘካየድዎ ሓዋርያዊ መገሻ እውን ዘኪሮም፥ ኣብ ዒራቕ ር.ሊ.ጳ. ምስታ ህያውን ኣብ ስቓይ ምስ ዘላ ቤተ ክርስቲያን ከምእተራኸቡን፡ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ዒራቕ ኣብ ዘይርጉጽነትን ብሩህ መጻኢ እናማዕደወ ኣብ ገዛእ ሃገሩ ክነብር ዝኽእሎ ሃዋሁ ኣብ ዘይርእየሉ ህሞት ከምዝርከብ ኣዘኻኺሮም፥ እቲ ምብጻሕ ነዛ ቤተ ክርስቲያንን ማሕበረ ክርስቲያንን ኣብ እምነት ዘጽንዕ እዩ፡ ማሕበርሰብ ክርስቲያን ዒራቕ ኣብነት እምነት እዩ፡ ብሰማእትነት ናይ ዝንበር እምነት መስካሪ፡ እዚ ምስክርነት’ዚ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ዒራቕ ዝነብሮ እዩ፡ ብትብዓት እምነቱ ይምስክርን ተኣምኖተ እምነት ይናዘዝን፡ ጸገም እውን ይሃልው ብጽንዓት ኣብ እምነት ናይ ምንበር ኣብነት እዩ፡ ቅርበትናን ሓባራውነትናን ዝሓትት እውን እዩ ከምዝበሉ ፖቸ የመላኽታ።

ኣብ ኤውሮጳ ዝርአይ ዘሎ እምነት ናይ ምጥፋእ ኪደት

ኣብ ኤውሮጳ፥ ሕጹጽ ኣገዳስነት ዳግማይን ሓድሽን ኣስፍሆተ ወንጌል! ዝብል ጉዳይ እውን ጠቒሶም፡ ስነ ምግባራዊ ሕቶ ኣብ ኤውሮጳ፡ ካብቲ ክርስቲያናዊ ኣናስራ የርሕቓ ከምዘሎን እቲ ኣብ ክፍለ ዓለም ኤውሮጳ ዝርአይ ዘሎ ስነ ሰብእ ዝምልከት ሕቶ እምነት ናይ ምጥፋእ ኪደት ከምዘሎ ዘመላኽት እውን እዩ፡ መንነት ሰብኣዊ ፍጥረት ምጥፋእ ክንየው እምነት ካብ ምጥፋእ ናይ ኣመክንዮ ጥፍኣት ጉዳይ እዩ፡ ብዙሕ እዋን ደጋጊሞም ቅዱስ ኣቦና ከምዝብልዎ፡ ንኣብነት ጽንሲ ምንጻል ብመሰረቱ ናይ እምነት ወይ ናይ ሃይማኖት ሕቶ ኣይኮነን፡ ናይ ርትዓዊ ኣተሓሳስባ መሰረት እዩ፡ በነዲክቶስ መበል 16 እውን ብመሰረቱ ናይ ቀልቢ እምበር ናይ እምንት ጉዳይ ኣይኮነን ከምዝበልዎ እዩ፡ ኣብ ከምዚ ዓይነት ኵነት ኣብ እትርከብ ኤውሮጳ ናይ ቤተ ክርስቲያን ተልእኾ ናይ ምስክርነት ተልእኾ እዩ፡ እምነትን ተስፋን ፍቕርን ዘማእከለ ምስክርነት፡ ብዘይ ኣስገዳድ እምነት ብቓልን ሕይወትን ምንባር ዝጠልብ ኩነት እዩ፡ ልክዕ ከምታ ናይ ቀዳማይ ክፍለ ዘመን ቤተ ክርስቲያን ኴይንካ ምርኻብ ዝብል ኩነት እዩ፡ ሓዋርያት ኣብታ ክርስቲያናዊ ዕሴታት ዘይነበራ ክፍለ ዓለም እምነት ብቓልን ብግብርን ብምንባር ናይ ኣመለኻኽታን ኣነባብራን ምልዋጥ ክህሉ ከምዝገበሩ፥ ባህሊ ዝውንግል እምነት ብቓልን ሕይወትን ካብ ምንባር እዩ ከምዝበሉ ዝሓብራ ፖቸ ኣስዒበን፥

ኣገዳስነት ጸሎት

ብጹዕ ካርዲናል ፓሮሊን፥ ሎሚ ካብ ቀደም ጸሎት ኣዚዩ ኣገዳሲ ከምዝኾነን ኵሉ ኣብ ጸሎት ክሓብር ኣለዎ፡ ወንጌል ኣብ ናይ ምምስካር ተልእኾ ኣብ እዋናዊ ዓለም ኣካል ናይ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ምዃንና እሙናት ክንከውን ጐይታ ክሕግዘና መታን ኣብ ጸሎት ትጉሃትን ምዃን የድሊ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ከምዘጠቓለሉ ኣፍሊጠን።

07 April 2021, 14:27