ድለ

ኣብ ጳጳሳዊ መንበረ ጥበብ ግረጐሪያና ናይ ስነ ኣይሁድ ጨንፈር መጽናዕቲ ክብገስ እዩ ኣብ ጳጳሳዊ መንበረ ጥበብ ግረጐሪያና ናይ ስነ ኣይሁድ ጨንፈር መጽናዕቲ ክብገስ እዩ 

ኣብ ጳጳሳዊ መንበረ ጥበብ ግረጐሪያና ናይ ስነ ኣይሁድ ጨንፈር መጽናዕቲ ክብገስ እዩ

ኣስዒቡ፥ እዚ ተበግሶ እዚ ብዓይነቱ ፍልዩን ሓድሽን ክኸውን እንከሎ ብናይ “ብጹዕ ካርዲናል በኣ” ማእከል ዝምራሕ ከኸውን እውን ከምዝገበረን እዚ ዝቖመ ሓድሽ ናይ ስነ መጽናዕቲ ጨንፈር ዕለት 21 ሚያዝያ 2021 ዓ.ም. ብምረብታዊ ውሕዘት ብዝካየድ ዓውደ ርክብ

ናይ “ካርዲናል በኣ” ናይ መጽናዕቲ ማእከል ዋና ኣመሓዳሪ ኣባ ኤታይነ ቨቶ ብዛዕባ ኣብ ጳጳሳዊ መንበረ ጥበብ ዝኽፈት ሓድሽ ናይ ስነ መጽናዕቲ ጨንፈር ኣማእኪሎም ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ “እቲ ውሳኔ ብሓቂ ታሪኻውን ናይ ግዜ ምልክታን እዩ - ቢሎም - ብዛዕባ ዕብራይስጥነት ፍልጠትን ዘተ ምስ ቦኽሪ ኣሕዋትናን ሎሚ፥ ናይ ሕይወት ክርስትና ክፍሊ ምዃኖም ዝምስክር እዩ” ኢሎም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ዘተ ብኽልተ ድምጺ ተሰንዩ ዝካየድ እዩ፥ እዚ ኸኣ ክቕጽል ኣለዎ፥ ኣይሁዳውያንን ካቶሊካውያንን መምሃራን ብሓባር ኮይኖም ክምህሩ ምርኣይ ክንየው ብቓላት ዝግለጽ ጭቡጥ ናይ ዘተ መርኣያ እዩ”፡ ዝሓለፈ ዕለት 28 ለካቲት 2019 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብምኽንያት ዝኽሪ መበል 50 ዓመት ዕረፍቲ ብጹዕ ካርዲናል ኣጎስቲኖ በኣ ኣባል ማሕበር ኢየሱሳውያን ናይ ኣይሁድን ክርስትናን ክሌኣዊ ዘተ ዘአንፈቱ ብፍሉይ ከምዝዘከሩን ናይ ስነ ካቶሊካዊ ትምህርቲ ጉዳይ ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ጳጳሳዊ ግረጎሪያና መንበረ ጥበብ ናይ ስነ ኣይሁድን  ርክብ ምስ ዕብራይስጣውያንን ዝምልከት ንገዛእ ርእሱ ዝኸኣለ ፍሉይ ናይ መጽናዕትን ትምህርትን ጨንፈር ከቐውም ከምዝገበረ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ እዚ ተበግሶ እዚ ብዓይነቱ ፍልዩን ሓድሽን ክኸውን እንከሎ ብናይ “ብጹዕ ካርዲናል በኣ” ማእከል ዝምራሕ ከኸውን እውን ከምዝገበረን እዚ ዝቖመ ሓድሽ ናይ ስነ መጽናዕቲ ጨንፈር ዕለት 21 ሚያዝያ 2021 ዓ.ም. ብምረብታዊ ውሕዘት ብዝካየድ ዓውደ ርክብ ብወግዒ ክምረቕ ምዃኑን ካብ ዝተፈላለያ ሃገራትን ባህልታትን ሃይማኖታትን ነዚ መጽናዕቲ እዚ ንኸካይዱ ንዝደልዩ ተመሃሮ እውን ናጻ ናይ ትምህርቲ ዕድል ዝህብ እውን ምዃኑ ኣብ ናይ ጳጳሳዊ ግረጎሪያና መንበረ ጥበብ ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ ከምእተሓበረ ኣፍሊጡ።

ናይ ብጹዕ “ካርዲናል በኣ” ናይ መጽናዕቲ ማእከል ዋና ኣመሓዳሪ ኢየሱሳዊ ካህን ኣባ ኤታይና ኤማኑኤል ቨቶ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ እቲ ውሳኔ ታሪኻውን ናይ ግዜ ምልክታን እንክብሉ ገሊጾም፡ ንፈለማ ግዜ ኣብ ክልተ ሺሕ ዓመት ታሪክ ክርስትና ከምዚ ዓይነት መደብ ክብገስ ምርኣይ እውን ዘሐጉስ እዩ፡ እቲ ናይ ስነ መጽናዕቲ ክፍሊ ንክልተ ዓመት ብዝለዓለ ናይ ትምህርቲ ደረጃ  - ብማስትረት ዘመረቕን ጹዕቕን ብዙሕ መጽናዕቲ ዝሓትት እውን እዩ፡ ብዛዕባ ዕብራይስጥነት ኣብ መንጐ ኣይሁድን ክርስቲያንን ዘሎ ዘተ ፍልጠት ክህልወካ ዝገብር እዩ፥ እዚ ንገዛእ ርእሱ እውን ናይ ክርስትና ኣካል እዩ፡ ኵለንተናዊ ምሉእ ቲዮሎግያን እምነትን ክፍሊ እውን እዩ ኢሎም።

ንሓደ ክርስቲያን ስነ ኣይሁዳዊ መጽናዕቲ ኣድላይነቱ?

ከምቲ ኣብ ቀረባ እዋን ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርክባት ጉዳይ ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ጋላገር ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ራየት መልእኽቲ ከምዝበልዎ፥ ኣይሁዳዊ ባህሊ ናይ ክርስትና እምንትና ኣናስር እዩ፡ ሱር እዩ፡ ብዙሕ እዋን ናይ ዝሓለፈ ታሪኽ ኣካል ገይርና ኢና እንሓስቦ፥ ከምኡ ግን ኣይኮነን፥ ጥንታውን ኣብ ክርስትያናዊ እምነት ውሱጥ እዩ፡ ዝነበረ ቢልካ ዝሕለፍ ኣይኮነን፥ ኣናስርካ ንህልው ኩነታትካ መሰረት እዩ፡ ሱር እዩ ህያው ዝገብር፡ ሕይወት ሓደ ኦም ካብ ሰራውሩ እዩ። . . . ሓዲሽ ኪዳን ብዘይ ብሉይ ኪዳን ክትርድኦ ዝከኣል ኣይኮነን ኢሎም።

11 April 2021, 14:36