ድለ

ጋላገረ፥ ቤተ ክርስቲያን ጸረ ሰማዊነት ድሮ ካብ 1919 ዓ.ም. ከይተረፈ እውን ውጉዝ ዝበለቶ እዩ ጋላገረ፥ ቤተ ክርስቲያን ጸረ ሰማዊነት ድሮ ካብ 1919 ዓ.ም. ከይተረፈ እውን ውጉዝ ዝበለቶ እዩ 

ጋላገረ፥ ቤተ ክርስቲያን ጸረ ሰማዊነት ድሮ ካብ 1919 ዓ.ም. ከይተረፈ እውን ውጉዝ ዝበለቶ እዩ

ብጹዕ ኣቡነ ጋላገር ናብቲ ዓውደ ዝኽሪ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ፥ እቲ ዝተረኽበ ነቲ ካብ ሩሕቕ ዝተበገሰ ርክብ ኣብ መንጐ ሕዝበ እስራኤልን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዝሕብር ሰነድ፡ ከምቲ ስዒቡ ዘለናዮ ዘመን ዘርእስቱ ውሳኔ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዝብሎ

ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርክባት ጉዳይ ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ጋላገር ኣብ መንጐ ቅድስቲ መንበርን ኣብ ኢየሩሳሌም ናይ ኣዝከናጺ መምሃራን ኣይሁድ (ራባያን) ሽማግለ ኣብ ቀዳሞት 1900 ዓመታት ዝነበረ ርክብ ዝገልጽ ዝተረኽበ ሰነድ፥ ናይ ሕውነት መትከል ክርገጽ የብሉን ዝብል ሓሳብ ዝተነብሮ ምዃኑ ምስቲ ኣብ እስራኤል መዓልቲ ዝኽሪ ኣውሽዊዝ ዝፍጸመሉ ዕለት 8 ሚያዝያ ተተሓሒዙ ዝካየድ መዓልቲ ጐስጓስ ጸረ ሴማውነት ምኽንያት ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ከምዝገለጹ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ቲዮሎጊያዊ ጽፍሒብሉጽ እናኾነ ካብ ዝኸይድ ዘሎ ሕድ ሕዳዊ ምርድዳእ ክንየው፡ ዝበለጸ ማሕበራውን ፖለቲካውን ምርድዳእ እውን ከምዘሎ ካብ ርሑቕ ዝተበገሰ ናይ ቅድስቲ መንበርን ሃገረ እስራኤንን ዘሎ ርክብ ታሪኽ ዘረጋግጾ ምዃኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርክባት ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ፖውል ሪቻርድ ጋላገር ብምኽንያት መበል 27 ዓመት መዓልቲ ዝኽሪ ሾሃ ዕለት 8 ሚያዝያ ኣብ እስራኤልም ተተሓሒዙ እውን ኣብ እስራኤል ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ብምኽንያት ዝኽሪ መበል 55 ዓመት Nostra Aetate - ዘለናዮ ዘመን ብዝብል ኣርእስቱ ብዛዕባ ርክብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ምስ ዘይክርስትያን ሃይማኖታትን ዝምልከት ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዝደንገጎ ውሳኔ ኣብ ግምት ብምእታው  ዘበገሶ ዓለም ሓቆፍ ጐስጓስ ጸረ ሴማውነት ናይቲ ጥልቂ ርክብ ጭቡጥ መግለጺ እዩ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ናይ ሰላምን ርግኣትን ሃዋሁ

ብጹዕ ኣቡነ ጋላገር ናብቲ ዓውደ ዝኽሪ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ፥ እቲ ዝተረኽበ ነቲ ካብ ሩሕቕ ዝተበገሰ ርክብ ኣብ መንጐ ሕዝበ እስራኤልን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዝሕብር ሰነድ፡ ከምቲ ስዒቡ ዘለናዮ ዘመን ዘርእስቱ ውሳኔ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዝብሎ ኮይኑ፡ ናይ ዕርቅን ሕድ ሕዳዊ ምርድዳእን ኪደት ታሪኽ ዘዘንተው እዩ፥ እቲ ክሌኣዊ ርክብ ርህዉን ኣብ ምክብባርን ዝጸንዔን እዩ፡ ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ኵላትና ኣሕዋት ዘርእስቱ ዓዋዲ መልእኽቲ - ናይ ካልእ ሕይወትን ኵለንተናዊ ምሉእነትን መሰረታዊ ናጽነትን ማለት ናይ ሕልናን ናይ ሓሳብን ከምኡ እውን ናይ ሃይማኖት ናጽነትን ምኽባር ብሓባር ናይ ሰላምን ርግኣትን ሃዋሁ ንኽንሃንጽ የብቅዓና” ከምዝብልዎ እዩ።

ጸረ-ሰማውነት ውጉዝ እዩ

ብጹዕነቶም ኣስዒቦም ኣብ መልእኽቶም፥ ብዝተፈላለየ ኣገባባትን ዓይነትን ዝግለጽ ዝኾነ ይኹን ግብረ ጸረ-ሴማውይነት ውጉዝ እዩ ቢሎም፡ ደጊሞም እውን ዘለናዮ ዘመን ውሳኔ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ጠቒሶም፥ “ጸረ ሴማውነት ውጉዝ እዩ ዝብል ቃል በጋጣሚ ዝተበጽሐ ውሳኔ ከምዘይኮነ ኣብሪሆም፡ ኣብ ዝሓለፉ ዘመናት ካብ ጥንቲ እናበሰለን ኣናማዕበለን ዝመጸ ታሪኻዊ ኵነት እዩ፡ ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርክባት ጉዳይ ዝምልከት ቤተ መዝገብ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተረኽቡ ሰነዳት ጠቒሶም፥ ብፍላይ ቅድስቲ መንበር ኣብ ኢየሩሳሌም ካብ 1919 ዓ.ም. ዝተበገሰ ምስ ኣዝከናጺያን ናይ ኣይሁድ ሃይማኖት መምሃራን - ራባይ ሽማግለ ዝነበራ ርክብ ዝምክስሮ እዩ፥ ኣብቲ ርክብ በነዲክቶስ መበል 15 ብምሉእ መንፈሳውን ጸላውን ሓይሎም ኣቢሎም ኣብ ምብራቕ ኤውሮጳ ኣብ ልዕሊ ኣይሁድ  ዝፍጸም ዝነበረ ዘይምክእኣልን ጸረ ሴማውን መጥቓዕቲ ከብቅዕ ድምጾም ከስምዑን ከውግዙን ዝብል ሓገዞም ዝሓተትሉ መዝገብ እውን ምዃኑ ዘኪሮም፡ እቲ ርክብ ክሳብ ክንደይ ዓሚዩቕ እውን ምዃኑ ዝምስክር እዩ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ክርገጽ ዘይግብኦ ሕውነት

ስለዚ ድሮ ኣብ 1919 ዓ.ም. ሕውነት ከምዝነበረን ነቲ ኣብ ኤውሮጳ ዝለዓዓል ዝነበረ ንዱር ጸረ ሴማዊ ንሕውነት ከይረግጽን ናይ ሃይማኖት ናጽነት ክኽበርን ኣብ ዝብል መትከል ዝቖመ እውን ከምዝኾነ ኣመላኺቶም፡ እቲ ርክብ ንገዛእ ርእሱ ዝኾነ ይዅን ዓይነትን ኣገባባትን ጸረ ሴማዊ ከይህሉ ዝብልን ብትብዓት ዘውግዝን ሕውነታዊ ርክብ ዘቃልሕ እዩ፡ ከምቲ ኣብቲ እዋን ኣብ ሃንጋሪ ዝነበሩ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ብጹዕ ኣቡነ ኣንጀሎ ሮታ ብእስራኤል ያድ ቫሸም ቅኑዕ ኣብ መንጐ ሃገራት ዝብል ኣፍልጦ ካብ ዝተወሃቦም ሓደ፥ ብዙሓት ኣይሁዳውያን ካብ ሾሃ ዘድሓኑን ከምኡ እውን ብጹዕ ኣቡነ ጀናሮ ቨሮሊኖ ብዙሓት ኣይሁዳውያን ኣብ ገዳመ ቅዱስ በነዲክቶስ ክትኣው እናገበሩ ካብ ህልቂት የድሕኑ ከምዝነበሩ ዘኪሮም ብጹዕ ኣቡነ ጋላገር ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ከምዘጠቓለሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

11 April 2021, 14:29