ድለ

ናይ ሃገራት ኣፍሪቃ ናይ ወጻኢ ዕዳ ምስራዝ ናይ ፍትሒ ጉዳይ እዩ ናይ ሃገራት ኣፍሪቃ ናይ ወጻኢ ዕዳ ምስራዝ ናይ ፍትሒ ጉዳይ እዩ 

ናይ ሃገራት ኣፍሪቃ ናይ ወጻኢ ዕዳ ምስራዝ ናይ ፍትሒ ጉዳይ እዩ

ኣፍሪቃ ብናይ ወጻኢ ዕዳ ተዓፊና እናረኣና ከምዘይረኣና ክንከውን ዝከኣል ኣይኮነን፡ እቲ ናይ ወጻኢ ዕዳ ክዝረዝ ካብ ምሕታት ኣይንቦክርን፡ ኣፍሪቃ ጽቡቕ እንተላ መላእ ዓለምና እውን ሰናይ ይኸውን

ናይ ምሉእ ኵለንተናዊ ሰብኣዊ ዕብየት ኣገልግሎት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈትን በዚ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዝምራሕ ዛዕባ ኮቪድ - 19 ዝከታተል ፍልዩ ድርገትን ዘበገስዎ ዕለት 9 ሚያዝያ ብመረብታዊ ውሕዘት ካብ ዝተኻየደ ዓውደ ርክብ፡ ካብ ኣፍርቃ ጀሚሩ ክሳብ መላእ ድኻታት ሃገራት ዓለም ዝብል ናይ ድኻታት ሃገራት ናይ ወጻኢ ዕዳ ክስረዝ ጻውዒት ከምዘቕረበ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዕለት 8 ሚያዝያ 2021 ዓ.ም. ኵለንተናዊ ምሉእ ናይ ሰብኣዊ ዕብየት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ብሓባር ምስቲ ብኣኡ ዝመሓደር ጉዳይ ኮቪድ - 19 ዝከታተል ፍሉይ ድርገት ኣብ ዘውጸኦ ሓበሬታ፥ ናይ ሃገራት ኣፍሪቃ ናይ ወጻኢ ዕዳ ክዝረዝ ዝሓትት ዕለት 7 ሚያዝያ 2021 ዓ.ም. ኵለንተናዊ ምሉእ ናይ ሰብኣዊ ዕብየት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈትን እቲ ብኣኡ ዝምራሕ ዛዕባ ኮቪድ-19 ጉዳይ ዝከታተል ድርገትን ምስ ናይ መላእ ሃገራት ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን ብጹዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ጉባኤ ብካሪታስ ናይ ዝጽዋዕ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ረድኤት ማህበር  ጨንፈርን ናይ ማእከላይን ምብራቕን ዞባ ኣፍሪቃ ማሕበር ውፉያን ደቀንስትዮ ማሕበርን  ናይ መላእ ሃገራት ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን ናይ ኢየሱሳውያን ማህበር ቤት ምኽርን ብሓባር ብመረባዊ ውሕዘት ኣብ ዘካየድዎ ዓውደ ኣኼባ ዝቐረበ ናይ ሃገራት ኣፍሪቃ ናይ ወጻኢ ዕዳ ክዝረዝ ዝሓትት ጐስጓስ፡ ምሉእ ብምሉእ ዝድግፍ ከምዝኾነን ብጠቕላላ ናይ መላእ ድኻታት ሃገራት ናይ ወጻኢ ዕዳ ክስረዝ ጻውዒት እውን ከምዘቕረበ ክፍለጥ እንከሎ ኣሎ፥ ናይ ምሉእ ኵለንተናዊ ሰብኣዊ ዕብየት ኣገልግሎት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊት እናቴ ኣለሳንድራ ስመሪሊ፥ እቲ ናይ ድኻታት ሃገራት ናይ ወጻኢ ዕዳ ክዝረዝ ዝሓትት ጐስጓስ ብፍላይ ኣብዚ ኮቪድ - 19 ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን ሕጹጽን ኣገዳስን እዩ ከምዝበላ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ምእንቲ ድኻታትን ተኣፋፍያንን ኣሕዋት

ኣብ ጋና ናይ ሰበኻ ኩማሲ ሊቀ ጳጳሳት ኣብ ናይ መላእ ሃገራት ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን ብጹዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ጉባኤ ብካሪታስ ንዝጽዋዕ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ረድኤት ማህበር ጨንፈር ኣቦ መንበር ብጹዕ ኣብነ ጋብሪኤል ጁስቲስ ያው ኣኖይከ፡ ብመረብታዊ ውሕዘት ዝተካየደ ዓውደ ርክብ ብዘስምዕዎ መደረ እንከበግሱ፥ እዋኑ ነቶም ድኻታትን ተኣፋፍያንን ሓለፋ ዝብል ፍትሕን ተግባርን ኣገዳሲ እዩ፡ ቅልውላውን ብዙሕ ጸገምን ዝረአየሉ ዘሎ እዋን ኣብ ዝካየድ ምትሕብባር ናይ እግዚኣብሔር ስራሕ ንምልከት” ከምዝበሉን ኣስዒቦም እውን ናይ መላእ ሃገራት ኣፍሪቃ ብጹዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ጉባኤ ዋና ጸሓፊ ኣባ ሄንርይ ኣካቢያም እውን ብወገኖም፥ ኣፍሪቃ ብናይ ወጻኢ ዕዳ ተዓፊና እናረኣና ከምዘይረኣና ክንከውን ዝከኣል ኣይኮነን፡ እቲ ናይ ወጻኢ ዕዳ ክዝረዝ ካብ ምሕታት ኣይንቦክርን፡ ኣፍሪቃ ጽቡቕ እንተላ መላእ ዓለምና እውን ሰናይ ይኸውን ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ናይ ፍትሒ ጉዳይ እዩ

ናይ ምሉእ ኵለንተና ሰብኣዊ ዕብየት ኣገልግሊት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ተወሳኺ ዋና ጸሓፍን ናይ ሃገረ ቫቲካን ጉዳይ ኮቪድ-19 ዝከታተል ቤት ምኽሪ ሽማግለ ኣባል ኣባ ኣጉስቶ ዛምፒኒ እውን ብወገኖም፥ ናይ ኣፍሪቃ ናይ ወጻኢ ዕዳ ክዝረዝ እነቕርቦ ሕቶ ተራ ምትሕብባርን ግብረ ብልሓትን ጥራሕ ዘይኮነ ክንየው እዚ ፍትሓውን ፍትሒ ዝምልከት ጉዳይ እዩ፡ ምኽንያቱ ናብ መጻኢ ወለዶን ደቃትናን ተዓደይቲ ክኾኑ ምፍቃድ መጻኢኦም ምስንኻል እዩ ዝኸውን ከምዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ድኽነትን ዕዳን ዘይነጻጸሉን ተተሓሒዞም ዝኸዱ ከምዝኾኑ ናይ ማእከላይን ምብራቕን ኣፍሪቃ ማሕበር ደናግል ጉባኤ ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊት እናቴ ሄለን ባንዲሆ ኣብ ዘስምዐኦ ዘረባ እንከመላክታ፡ ናይ ኣፍሪቃን ማዳጋስካር ማሕበር ኢየሱሳውያን ናይ ፍታሕን ስነ ምሕዳርን ቤት ጽሕፈት ሓላፊ ኣባ ቻርሊ ኪሉፍያ እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ኣብቲ ወሰናስን ከተማታትናን ሕልውናን ብጉድለት መሰረታዊ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ምኽንያት ቀጻሊ ኮይኑ ብህይወት ንናይ ምንባር መሰል ንዝኸፍኤ ሓደጋ የቃልዕ ኣሎ ከምዝበሉ ኣፍሊጡ።

ዓለም ሓቆፍ ፍትሒ

ናይ ኦክስፋም - ናይ ኦክስፎርድ ስእነት መግቢ ንምውጋድ ዝዓዪ ዘይመንግስታዊ ማሕበር ረድኤት ዛዕባ ናይ ወጻኢ ዕዳ ስረዛ ዝካየድ ጐስጓስ ሓላፊ ኻይመ ኣቲየንዛ፥ ኤኮኖምን ቁጠባን ኣብ ፍትሒ ዝጸንዔ ክኸውን ምግባር ዓቢይ ድኽነትን ስእነት መግብን ንምውጋድ ዝካየድ ጻዕሪ የቀላጥፎ እንክብሉ፥ ኣባል ማሕበር ኢየሱሳውያን ናይ ሃገረ ቫቲካን ጉዳይ ኮቪድ-19 ዝከታተል ሽማግለ ኣባል ናይ ኤኮኖሚ ሊቅ ኣባ ዶሚኒክ ካይ እውን ብወገኖም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ ናይ ድኻታት ሃገራት ናይ ወጻኢ ዕዳ ክዝረዝ ዝቐርብ ጻውዒት ብቐጻሊ ዝቐርብ ክኸውንን ኣብዚ መዳይ እውን ዘተ ምንቕቓሕ የድሊ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ጥራሕ ዘይኮነ ኣብ ልዕሊ ብዙሓት ድኻታት ሃገራት ዘሎ ናይ ወጻኢ ዕዳ ምእላይ ንገዛእ ርእሱ ረድኤት ንዘቕርባ ሃገራት እውን ዓቢይ ሓገዝ እዩ፡ ልምዓት ድኻታት ሃገራት ንናይ ዓለም ኵለ መዳያዊ ምዕባለ ዓቢይ ሓገዝ ምዃኑ ብሰፊሕ ከምዘብርሁ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ናይ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ሓላፍነት ኣሎና

ኣብ መዕጸዊ እቲ ዝተኻየደ ዓውደ ኣኼባ መደረ ዘስምዑ ናይ ምሉእ ኵለንተናዊ ሰብኣዊ ዕብየት ኣገልግሎት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ብጹዕ ካርዲናል ፐተር ቱርክሶን፥ “ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ሕብረተሰብኣዊ ጠመቓዊ ትምህርቲ ከምዝምህረና፥ ሰብኣዊ ፍጥረት ዘይዋገይ ክብረት ዘለዎ እዩ፥ ስለዚህ ድማ ብምኽንያት ኢፍትሓውነት ሓደ’ኳ ድሕሪት ክተርፍ ምሕዳግ ኣይግባእን፡ ንናይ ሕድሕድና ኵነት ተሓተቲ ኵላትና ኢና፡ ናይቲ እነሳልጦ ምትሕብባር ሕመረት ኵላትና ናይ ሓብትናን ሓውናን ሓላፍነት ኣሎና ዝብል ኣምር እዩ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

12 April 2021, 14:52