ድለ

ብዝሓ - ሕይወት፥ ክንከናኸኖ ዝግብኣና ጸጋ እግዚኣብሔር እዩ ብዝሓ - ሕይወት፥ ክንከናኸኖ ዝግብኣና ጸጋ እግዚኣብሔር እዩ 

ብዝሓ - ሕይወት፥ ክንከናኸኖ ዝግብኣና ጸጋ እግዚኣብሔር እዩ

“እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ኣብ መንጐ ሰብኣዊ ፍጥረትን ኣብ መንጐ ተፈጥሮን ሰብኣዊ ፍጥረትን ዘሎ ተማራዃስነት ከምዘመላኸተን፡ ተፈጥሮ ክሓምም እንከሎ ሰብኣዊ ፍጥረት እውን እዩ ዝሓምም፡ ኣብ መንጐ ጥዕና ተፈጥሮን ጥዕና ሰብኣዊ ፍጥረትን ጥልቅን ውሳጣውን ምትእስሳር ከምዘሎን ናይ ሰብኣዊ ፍጥረት ጥዕና ኣብ ተፈጥሮ ጽግዕተይና እዩ”፡ ቡጹዕ ካርዲናል ቱርክሶን

ኣብቲ  ይሴባሕ ዘርእስታ ኣዋዲ መልእኽቲ ዘማእከለ ናይ ኵለንተናዊ ምሉእ ሰብኣዊ  ዕብየት ኣገልግሎት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈትን ብዘመሓድሮ ዛዕባ ኮቪድ- 19 ዝከታተል ፍልዩ ሽማግለን ብምትሕብባር ዘዳለዎ ዓውደ ኣኼባ ብመረብታዊ ውሕዘት ከምእተኻየደን፡ እቲ ዓውደ ጉባኤ ብመሰረት ስልጣናዊ ትምህርቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ጥዑይ ናይ ምህዳረ ባህርያዊ ስርዓት ዳግም ክሕደስን ብዝሓ-ሕይወት ምክንኻንን ኣገዳሲ ምዃኑ ብኣጽንዒት ከምዘመላኸተ ልኡኽ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ኣመደዮ ሎሞናኰ ሓቢሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ብመረብታዊ ውሕዘት ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ፡ ነቲ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2021 ዓ.ም. ኣብ ቻይና ዛዕባ ብዝሓ - ሕይወት ንኽመያየጥ ናብ ዝተውጸውዔ ዓለም ሓቆፍ ዋዕላን ናብቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ይሴባሕ ብዝብል ኣርእስቲ ዝለገስዎ ዛዕባ ናይ ሓባር ቤትና ምክንኻን ዘለዎ ኣገዳስነት ዘመላኽት ዓዋዲ መልእኽቲ ጠመተኡ ዘንበረ ኮይኑ፥ ነቲ ዓዋዲ መልእኽቲ ኣስተንፍሶ ገይሩ ብዛዕባ ምክንኻን ብዝሓ-ሕይወት ዝምልከት ሰፊሕ ኣስተንትኖን ደረት ትርኢትን ከምዘቕረበ ዝሓበሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ሎሞናኰ ኣስዒቦም፥ ኣብቲ ዓውደ ጉባኤ እንግሊዛዊት ቫለርይ ጀን ሞሪስ ጉደል ናይ ተቕዋም ጀን ጉደል መስራቲትን ንናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ናይ ሰላም መልእኽተይናን ናይ ኵለንተናዊ ምሉእ ሰብኣዊ ዕብየት ኣገልግሎት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ብጹዕ ካርዲናል ፐተር ቱርክሶን ከምእተሳተፉን፡ ቡጹዕነቶም እቲ ብሕጹጽ ናይ ክንክን ጥዕና ሓደጋ ዝናወጽ ዘሎ እዋናዊ ኩነትን ዘስዓቦን ዘስዕቦ ዘሎ ሰብኣውን ኤኮኖሚያውን ቅልውላውን ኣብ መንጐ ድኻን ሃብታም ዘሎ ጋግ ኣዚዩ የስፍሕ ከምዘሎን እዚ ጉዳይ እዚ ድኻታት ብዘማእከለ ቁጠባ ጥራሕ ምትኽኻል ከምዝከኣል ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ከምዘመላኸቱ ኣፍሊጦም።

ናይ ተፈጥሮን ናይ ሰብኣዊ ፍጥረትን ጥዕና

“እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ኣብ መንጐ ሰብኣዊ ፍጥረትን ኣብ መንጐ ተፈጥሮን ሰብኣዊ ፍጥረትን ዘሎ ተማራዃስነት ከምዘመላኸተን፡ ተፈጥሮ ክሓምም እንከሎ ሰብኣዊ ፍጥረት እውን እዩ ዝሓምም፡ ኣብ መንጐ ጥዕና ተፈጥሮን ጥዕና ሰብኣዊ ፍጥረትን ጥልቅን ውሳጣውን ምትእስሳር ከምዘሎን ናይ ሰብኣዊ ፍጥረት ጥዕና ኣብ ተፈጥሮ ጽግዕተይና እዩ”፡ ነዚ ዝበሉ ቡጹዕ ካርዲናል ቱርክሶን ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ክኸውን እንከሎ፥ ኣተሓሒዞም “ተፈጥሮ ብምኽንያት ብከላን ሰብኣዊ ፍጥረት ብዘስዕቦ ሓደጋ ክዛባዕ እንከሎ፡ ሰብኣዊ ፍጥረት ከይተረፈ እውን እዩ ዝሳቐይ” ከምዝበሉ ሎሞናኰ ሓቢሮም።

ብዝሓ - ሕይወት ንሓደጋ ዝተቓልዔ ውህበት

ብዝሓ-ሕይወት ኣምላኽ ዝፈጠሮ እዩ፡ ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ እውን ሓደ ካብቶም ናይ እግዚኣብሔር ዕብየት ንጡፋት መግለጺ ናይ ዝኾነ ክፍሊ እዩ፡ ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ስነ ማሕበረሰብኣዊ ጠመቓዊ ትምህርቲ፥ ተፈጥሮ ናይ እግዚኣብሔር ናይ ምፍጣር ዕዮ ቀጻልነቱ መግለጽን፥ . . .  “ነፍሲ ወከፍ ፍጥረት ብኑባሬ ክብሪ ዘለዎን ንገዛእ ርእሱ ክቡር እውን እዩ፡ ነፍሲ ወከፍ ፍጥረት ናይ እግዚኣብሔር ክብሪ መግለጺ እዩ፥ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ልዕሊ እዚ ውህበት እዚ ማእለያ ዘይብሉ ኣዕናዊ ተግባር ይፍጸም ከምዘሎን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት በሸሓት ዝቝጸሩ ዝተፈላለዩ ዓይነት ኣትክልትን እንስሳታትን ከምዝጠፍኡ ገሊጾም፡ ሳዕቤኑ እውን ኣዚዩ ዘሰክፍን ንምዝባዕ ከባቢ ኣየር ምኽንያትን ኣብ ልዕሊ ፍጥረትን ተፈጥሮን ዘይበርስ ማሕሰይቲ ዘስዕብ እዩ ከምዝበሉ ዝሓበሩ ሎሞናኰ ኣስዒቦም፥

ስነ ምሕዳራዊ ዕዳ ምጽጋን

ቡጹዕነቶም እቲ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ማሓድሮኣዊ ዕዳን ኣማእኪሎም፥ እቲ ብሰንኪ ምዝመዛ ዝምጽእን ብቐጻሊ ዘስዕቦ ማሕሰይትን ካብቲ ተፈጥሮ ብምምዝማዝ ዝርከብ ቍጠባዊ መኽሰብ ኣዚዩ ዝዛየደ እዩ ቢሎም፥ ነዚ ማሓድርኣዊ ዕዳና ከመይ ገይርና ኢና ክንኸፍሎ ኣንኽእል ዝብል ሕቶ ኣልዒሎም፡ ሰብኣዊ ፍጥረት ነዛ ሕቶ እዚኣ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ከምዘለናዮን እንስዕቦ ኪደት ቍጠባን ከምዘለዎን ምሕዳጉ ዘይከኣል እዩ፡ ኣብ እንነብረላ ናይ ሓባር ቤትና ዘለዉ ብዝሓ-ሕይወት ናይ ምዕቃብ ግዴታ ኣሎና ከምዝበሉ ኣፍሊጦም።

ንመሓድሮኣዊ ለውጢ ንጽዋዕ

ብዝሓ-ሕይወት ምዕቃብ ብቐዳምነት ዕዮ ሰብኣዊ ፍጥረት ምዃኑ ናይ ምሉእ ኵለንተናዊ ሰብኣዊ ዕብየት ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህይነተ ብጹዕ ካርዲናል ቱርክሶን ኣዘኻኺሮም ንመሓድሮኣዊ ለወጢ ጽዉዓት ኢና፡ እዚ ኸኣ ናይ ኣተሓሳስባን ኣረኣእያን ለውጢ ዝሓትት እዩ፡ ካብቲ ምቁጽጻርን ምግዛእን ኣብ ልዕሊ ተፈጥሮ ዝብል ድላይ ነቲ ኩሉ ውህበታቱ ብምቕባል ምስ ፍጥረት ምርኻብ ናብ ዝብል ኣመለኻኽታ ክንሰግር እዩ ዝግብኣና፡ ካብ ሃዳናይ ናብ ኣስስተንተናን ኣፍቃርን ኣረኣእያ ክነግዕዝ ይግብኣና ከምዝበሉ ሎሞናኰ ኣፍሊጦም።

ተቐማጦ ደቀባት ምኽባር

“ህዝብታት ደቀባት ቀንዲ ሓለውቲ ብዝሓ ሕይወት እያቶም፡ ዓለም ክንዕቅብ እንተድኣ እንደልይ ኮይንና ናይ ህዝብታት ኣነባብራ ከነኽብርን ክንዕቅብን እዩ ዝግብኣና፡ ሰብኣዊ ስድራ ቤት - ይብሉ ብጹዕንቶም ኣስዒቦም - ብዛዕባ ብዝሓ - ሕይወትን ክንመሃር ኣሕዋትናን ኣሓትናን ደቀባት ብኸመይ ከምዝነብሩን ምስ ተፈጥሮ ዘለዎም ርክብን ምስትውዓልን ኣተኵሮ ምግባር የድሊ ከምዝበሉ ሎሞናኰ ኣፍሊጦም።

ስጒምቲ እንወስደሱ እዋን እዩ

ናይ መሬት ገዓር ካብ ምስማዕ ክንቦክር ዝከኣል ኣይኰነን፡ ብሓባር ይብሉ ብጹዕ ካርዲናል ቱርክሶን፡ ምጥፋእ ብዝሓ-ሕይወት ከይህሉ መታን እቲ ዝሃሰናዮ ማሓድሮኣዊ ስርዓት ንኽምለስ ብሓባር ስጒምቲ እንወስደሉ እዋን በጺሑ እዩ፡ ክብሪ ወዲሰብን ንጽህና ፍጥረትን ንምኽባር ቑጠባታትናን እንመርሓሉ ፖለትካን ስርዓቱን ንኸነመሓይሽን ዘይንጽል ንዅሉ ሓቋፊ ዝኾነ ኣገባብን ምርግጋጽ የድሊ፡ ሰብኣዊ ክብርን ናይ ፍጥረት ኵለንተናዊ ምሉእ ክብርን ምኽባር ዝብል ሰፊሕ ትርኢት ሓንጐፋይ ቢልና ንኽንቅበል ዝተጸዋዕና ኢና እንክብሉ ዘስምዕዎ መደረ ከምዘጠቓለሉ ሎሞናኰ ሓቢሮም።

22 April 2021, 15:44