ድለ

ፓሮሊን፥ ራዲዮ ቫቲካን ግልጽነትን ኵላውነትን ፓሮሊን፥ ራዲዮ ቫቲካን ግልጽነትን ኵላውነትን  

ፓሮሊን፥ ራዲዮ ቫቲካን ግልጽነትን ኵላውነትን ምርኻብን

ናይ ዕለቱ ወንጌል ካብ ወንጌል ማርቆስ ም. 7 ካብ ፍቕዲ 31-37 ዝተወስደ እዩ፡ ኣጋጣሚ ኮይኑ እውን ምስቲ እነብዕሎ ዘሎና ዝኽሪ መበል 90 ዓመት ቅዋሜ ራዲዮ ቫቲካን ዝጋጠም እውን እዩ፡ ኢየሱስ ንሓደ ዓባስን ጸማምን ሰብ ከም ዘሕወየ ዘዘንትው

ዕለት 12 ለካቲት 2021 ዓ.ም. ብምኽንያት ዝኽሪ መበል 90 ዓመት ቅዋሜ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቅዱስ ጴጥሮስ ባዚሊካ ናይ ራዲዮ ቫቲካን - ናይ  ቫቲካን መራኸቢ ብዙሓን ሰራሕተይናታት ዘሳተፈይ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ኣብ ዝሰርዕዎ መስዋዕተ ቅድሴ፥ ክፉት ምዃንን ምስ ሓቀይናን ጭቡጥን ሕይወት ናይ ሰባት ምርኻብን ብዝብል ሓሳብ ዝምራሕን በዚ መሰረት እውን ዕለት ብዕለት ተልእኾኡ ይሕድስ ዝብል ሓሳብ ዘመእከለ ስብከት ከምዝለገሱ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ብጹዕነቶም ኣብቲ ብናይ ቅድስና ጉዳይ ዝከታተል ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ብጹዕ ካርዲናል ማራቸሎ ሰመራሮን ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ቡዝሓን ጉዳይ ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ የኔታ ኣባ ሉቾ ኣድሪያን ሩኢዝን ናይ ራዲዮ ቫቲካን ዋና ኣመሓዳሪ ኮይኖም ንነዊሕ ዓመት ዘገልገሉ ኣባል ማሕበር ኢየሱሳውያን ኣባ ፈደሪኮ ሎምባርድን ኣብ ራዲዮ ቫቲካን ዝሰርሑ ካህናትን ተዓጂቦም ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት፥ ብቐዳምነት ንመላእ ራዲዮ ቫቲካን ሰራሕተይናታት ኣስመስግን፡ ሰራሕተይናታት ራዲዮ ቫቲካን ድምጺ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ መላእ ዓለም ንኽመጽሕ ብግልስን ተወፋይነትን ዘገልግሉ እያቶም፡ ሎሚ ካብ ቀዳም ሓበሬታ ናብ ኵሉ ምብጻሕ ኣዚዩ ኣገዳሲ ኣብ ዝኾነሉ እዋን ብዝገደደ ሓበሬታ ካብ ሰብ ንላዕሊ ክሳብ ዝመስል ገርካ ምምልካት ኣብ ዝረአየሉ ዓለም እዚ ጉዳይ እዚ ክቕየርን ሰብ ክማእከልን ሓበሬታ ቅድሚ ፈነወ ብዕምቆት ክጻረ ከምዘለዎ ምስትውዓል የድሊ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ናይ ዕለቱ ወንጌል ካብ ወንጌል ማርቆስ ም. 7 ካብ ፍቕዲ 31-37 ዝተወስደ እዩ፡ ኣጋጣሚ ኮይኑ እውን ምስቲ እነብዕሎ ዘሎና ዝኽሪ መበል 90 ዓመት ቅዋሜ ራዲዮ ቫቲካን ዝጋጠም እውን እዩ፡ ኢየሱስ ንሓደ ዓባስን ጸማምን ሰብ ከም ዘሕወየ ዘዘንትው ታሪኽ፡ ኤፋታ - ተከፈት ኣብ እትብል ቃል ዘማእከለ፡ ራዲዮ ቫቲካን ከም መሰረቱ ንዓለም ክፉት ናይ ምዃን ምልክትን እዚ ኸኣ ንመልክዓ ምድራዊ ኣቀማምጣ ዝምልከት ጥራሕ ዘይኮነ ኣብቲ ርሑቕ ዝኾነ ኣረኣእያን ዝበጽሕን በቲ ጉሌልሞ ማርኮኒ ዝመሓዞ መጋበርያ ብምጥቓም መልእኽቲ ኣብ ምትሕልላፍ ኣገዳሲ ቦታ ዝህብን ሎሚ እውን ነቲ እዋኑ ዘቕርቦ ብስነ ኣሃዝ ዝተራቐ መጋበርያ መራኸቢ ብዙሓን ብምጥቓም ናብ ኩሉ ስፍራን ኣረኣእያን ዝበጽሕ ምዃኑ ከምዘዘኻኻሩ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ኢየሱሱ ነቲ ዓባስን ጸማምን ሰብ ይፍውስ፡ እቲ ዝተፈወሰ ሰብ፥ እቲ ኢየሱስ ዝፍጽሞ ፈውሲ ካብቲ ኣካላው ሰገርን ኣብ ናይ ምድሓን ታሪኽ መሰረት ዘለዎን እዩ፡ . . . ንሕና እውን ኣምላኽ ንዘቕርበልና ጸዋዕታ ጸማማትን መልሲ ኣብ ምሃብ እውን ዓባሳት ክንከውን ዝከኣል እዩ፡ . . . ምስ እግዚኣብሔር ንምርኻብ ክፉታት ንኽንከውን በይናን ዝከኣለና ኣይኮናን እሞ እቲ  ኢየሱስ ተኸፈት ዝብል ፈውሲ የድልየና። ንእግዚኣብሔር ክፉታት ናይ ምዃን ጸጋ ብዝተቐብልናዮ ምስጢረ ጥምቀት ዝተዓደልና እዩ፡ ምስጢረ ጥምቀት ተኸፈት ናይ ዝብል ተኣምር ምስጢር እዩ . . . ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ኣስዒቦም እቲ ምርኻብ ዝብል ቃል ኣምስቲ ኵላውነት ዝብል ቃል ኣጣሚሮም፡ ራዲዮ ቫቲካን ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያንን ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣገልግሎትን መግለጺ እዩ፡ ጴጥንጠቆስጠ - ናይ በዓለም ሓምሳ መግለጺ እዩ፡ . . . ንኹሉን ናብ ኩሉን ምዃኑ ከምዘብርሁ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ እቲ ተኸፈት ዝብል ኢየሱስ ዝፈጸሞ ተኣምር ሓድሽ ቃል ብስራት ካብ እስራኤል ወጻኢ ምብጻሕ ዘመላኽት እዩ፡ . . . ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ብምኽንያት ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መራኸቢ ብዙሓን ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ መልእኽቲ ንሰብኣዊ ፍጥረት ኣብቲ ዘለዎ ስፍራን ብሓጺሩ ኣብ ኣበይነቱን ምዃንነቱን ተረኺብካ ምብጻሕ ከምዘድሊ የተሓሳስቡ፡ ዝበጽሕ ቃል ስሉጥን ውጻኢታውን ዝኸውን ዝትንፍክ ዝረአይን ምስ ዝኸውን እዩ፡ ንዓ ረአይ ምስ ዝኸውን እዩ፡ ሕይወትን ተመክሮም ዘጠቓልል ምስ ዝኸውን። . . . ከምቲ ኢየሱስ ነቲ ዓባስን ጸማምን ዝነበረ ሰብ ክፍውስ እንከሎ ዝገበሮ ኮይንካ ምርኻብ ማለት እዩ፡ . . . ሕይወት ምክፋል የድሊ፡ ንሕና እውን ብኢየሱስ ዝተፈወስና ምዃንና ብምስትውዓል እንነብር ክንከውን ኣሎና፡ እንተዘይኮይኑ እቲ ምስኡ ዘሎና ርክብ ልማድን ደጋውን ኮይኑ እዩ ዝተርፍ። . . .  ምስኡ ጥልቂ ርክብ ዘለዎምን ብኣኡ ዝተለወጡን ምዃን ይሓትት፥ ንኢየሱስ እነብጽሕ ምስኡ ጥልቂ ርክብ ዘሎና ምስ እንኽውን ጥራሕ እዩ፡ ካብዚ ወጻኢ እንተደኣ ኮይኑ እቲ እነቕርቦ ቃል ባዶ ኮይኑ እዩ ዝተርፍ ከምዝበሉ ኣፍሊጡ።

ኢየሱስ ብትስብእቱ ኣቢሉ ንናይ እግዚኣብሔር ምስጢር ንኽንትንክፍ ገይሩ፥ እቲ ኣዳም ስኢንዎ ዝነበረ ጸጋ ዳግም ክህልወና ገበረ፡ . . . ዝተፈተዅም ኣሕዋተይን ኣሓተይን፥ ኣብ ዕለታዊ ህርኵት ዕዮታትኩም ምስ ጐይታ ግልጺ ርክብ ይሃልኹም፡ ንሱ ነቲ ናይ እዋንና ኩነትን እዋናዊ ዓለም ንዝጠልቦን ኵሉ ተኸፈት ቢሉ ስንድዋትን ነቲ ቃሉ ዝምጥኑን ክንከውን ከብቅዓና እዩ፡ . . . ።

ስለ ዕዮታትኩም አመስግን ዕዮኽውም ፍርያም ነቲ ዘድሕን ቃል ዘብጽሕ መታን ክኸውን ጸሎተይ አረጋግጸልኩም እንክብሉ ዝለገስዎ ስብከት ከምዘጠቓለሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣብ መወዳእታ እውን ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ የኔታ ኣባ ሉቾ ኣድሪያን ሩይዝ፥ ብስም ናይቲ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ፓውሎ ሩፊኒን ብስም ኵሎም ሰራሕተይናታት ራዲዮ ቫቲካንን ንብጹዕ ካርዲናል ፓሮሊን ነቲ መስዋዕተ ቅዳሴ ንኸዕርጉን ምስረታ መበል 90 ዓመት ራዲዮ ቫቲካን ምሳና ሓቢሮም ንኸብዕሉ ብምፍቃዶም ኣመስጊኖም፡ ናይ ቫቲካን ናይ መራኸቢ ብዙሓን ምዕባሌታቱ መስኪሮም . . . ኣብ መወዳእታ ንኵላዊት ቤተ ክርስቲያንን ንተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስን ዘሎና ተኣማንነት በዚ ኣጋጣሚ መብጽዓና ንሕድስ ንእግዚኣብሔር ድማ ስለ ዅሉ ውዕለታቱ ነመስግን ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ። 

13 February 2021, 22:06