ድለ

ዘመነ ጾመ አርባዓ ዘመነ ለውጢ - መልመስቲ ሓጢኣትን ሓይሊ ምሕረትን!

ዓመት መጸ ኣብ ምጅማር ጾመ አርባዓ ር.ሊ.ጳ ምስቶም ብኩርያ ሮማና ዝፍለጡ መማኽርቶምን መሣርሕቶምን ብሓባር ናይ ሓደ ሶሙን ሱባኤ ከምዚኣትው ዚዝከር ኰይኑ ንናይ ሎምዘመን ኣስተንትኖ ንእምነት እትሓሊ ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ጃኮሞ ሞራን ‘ካብ ሓጢኣትና ዝደሓና ሰበኽቲ ወንጌል’ ብዝብል ኣርእስቲ ካብ ዘቅረብዎ እታ ቀዳመይቲ ድርቀት ልቢ እትምልከት ማለት ሓጢኣት ምስ ተለማመድካዮ ልብኻ ከምዝደርቅ ዘመልክት ክፍሊ ክንምልከት ኢና።

ዜና ቫቲካን!

ነዙይ ናይ ብፁዕነቶም ኣስተንትኖ ንኩሉ መታን ክባጻሕ ተለፓቸ ዝበሃል መፈሳዊ ኣገልግሎት መራኸቢ ብዙሓን በብክፋል እነከቅርቦ ነዛ ድርቀት ልቢ እትብል ክፍሊ ብፍላይ ምስ ሓጢኣት ተለማሚድካ ኩሉ ትርጉም ኣልቦ ኣብ ዝኾነሉ ግዜ እታ እንኮ እተዋጽእ መንገዲ ናብ ሕልናና ተመሊስና ጠመተና ምሉእ ብምሉኡ ኣብቲ መወዳእታ ዘይብሉ ምሕረት እግዚአብሔር ክንገብር ዘዘኻክር እዩ።

ድርቀት ልቢ!

ብፁዕነቶም ነዛ ኣስተንትኖ እዚኣ ከም መንቀሊት ዝጥቀምዋ መንፈሳዊት ንባብ እታ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ገማግም ገሊላ ስብከቱ ክጅምር እንከሎ ኣብ ሓደ ገዛ ከምዘሎ ዝሰምዑ ኣዕሩኽቲ ሓደ ምግዱር መእተዊ ምስ ሰኣኑ ናሕሲ በሲዖም ኣብ ቅድሚኡ ዘንበርዎ ፍጻሜን ኣቲ ኣባኡ ኣብ መንጎ ኣመንትን ዘይኣመንትን ኢየሱስን ፈሪሳውያንን ዝተግበረ ክርክር እዩ። ኢየሱስ ድሮ ንኩሎም መን ኣማኒ መን ደረቅ ልቢ ዝሓዘ ይፈልጦም ነበረ። እንተ እቲ ሕዝቢ ከምቲ ብዙሕ ግዜ ዝኸውን ዝነበረ ናይ ምሕዋይ ተኣምር ክርእዩ ይህንጠዩ ነበሩ። እንኮላይ እቶም ሒዞሞ ዝመጹ። እንተኾነ ኢየሱስ ዘይተጸበይዎ ነገር ይብል ‘ሓጢኣትካ ተሓዲጉልካ’ ይብል። እዚ ምናዳ ነቶም ምኽንያት ዝደልዩ ዝነበሩ ‘መን ኮይኑ እዩ ሓጢኣት ዝሓድግ! ይጸርፍ ኣሎ! ንርእሱ ኣብ ቦታ እግዚኣአብሔር ይገብር ኣሎ’ እንክብሉ ኣብ ርእሲ እቲ ዝነበረ ጥርጣሬ መሊሶም ጥርጣሬ ከሕድሩን ልቦም ኣጸቢቆም ከትርሩን ጀመሩ። እንተ ኢየሱስ ካብቲ ኣፍኣዊ መልመስቲ ዝገደደ ናይ ልቢ መልመስቲ ናይ ልቢ ድርቀት ከምዘሎ ይርኢ። እቲ ትሪ ልቢ ወይ ድርቀት ልቢ እንታይ እንታይ እዩ! እንተበልና ኢሎም ሕቶ ዘቅረቡ ብፁዕነቶም ትርጉሙ እንክገልጹ ‘ድርቀት ልቢ ሓደ ኩነት መነባብሮ ኰይኑ ብደገ ሕይወት ዘሎና ሕያዋን ንመስል እንተ ብውሽጢ ኩሉ ሕዋሳትና ለሚሱ ምንም ኣይስመዓናን’ እንክብሉ ኣማስያኡ ኣብ ኣምሰሉነትን ፈሪሳውነትን ወዲቅካ እትገብሮ ናይ ኣምልኾ ተግባር ሥርዓታት ኰይኑ ሰብ ክርእየልካ እምበር ልብኻ ካብ እግዚአብሔር ኣመና ይሽፍት። ዝገደደ ይድንድን! ይተርር! ይደርቅ! ቀዳማይ ምልምማድ ሓጢኣት ሳዕቤኑ እዚ እዩ። ትሪ ልቢ ይበሃል። ኣብ ዘሎኻዮ ደሪቅካ ካብ ምሕረት እግዚኣአብሔር ኣመና ርሒቅካ ምንም ከይትሰመዓካ ትነብር እንክብሉ ገለጽዎ። ስለዚ ይብሉ ብፁዕነቶም! ክንዲ ንካልኦት ምፍራድን ሓጢኣት ካልኦት ምጽብጻብን ናብ ገዛእ ርእስና ምልስ ንበል ይብሉ።

ንካልኦት ካብ ምፍራድ ኣብ ውሽጢ ገዛእ ርእስና ንመለስ!

እዛ መበገሲት ኣስተንትኖ ዝኾነት ክፍሊ ወንጌል ማርቆስ ‘ሓጢኣትካ ተሓዲጉልካ’ እንክብል ዘቅርባ ኰነትከስ ብቀዳምነት እተዘኻኽሮ ነቶም ዝተናዕቁን ትሕቲ ኩሎም ዝረኣዩን ዝተሓዝአት ኰይና ንሳ ኸኣ ምስ ክርስቶስ ብምርኻብ ትርከብ። ብፁዕነቶም ነዛ ፍጻሜ እዚኣ ንምግላጽን ከመይ ቢልና ናብ ንስሓ ከም እንበጽሕን ንከረድኡ ብዙሕ ግዜ እንገብሮ ጌጋ ሓጢኣትና ገዲፍና ሓጢኣት ካልኦት ምጽብጻብ ምዃኑ ነዚ ከኣ ብዝበለጸ ዝገልጾ ማር ይስሓቅ ዘነነዌ ዝበሃሉ ሓጢኣትካ ምፍላጥ ዝለዓለ ጸጋ ምዃኑ ሓጢኣት ገዛእ ርእሱ ዝፈልጥ ሰብ ከኣ ንሙታን ካብ ምትንሳእ ተኣምር ከምዝበለጽ ንዝገልጽዎ ይደግሙ እሞ ኣብ ኩነትና ምልስ ኢሎም። ‘ሓጢኣት ካልኦት ንምጥቋም ዝሓልፈ የለን ዳርጋ ሊቃውንቲ ናይዚ ተግባር ኢና ክንብል ንኽእል ዝገደደ ከኣ ንምውራዩ ዳርጋ ናይ ክብሪ መዓርግ ዶክተረይት ኣሎና ክብል እደፍር’ ኢሎም። ብፁዕነቶም እዚ ዝንባሌ እዚ ግን ንኩሉ ከምዝጐድእ ምናዳ ነቶም ሓጢኣተኛታት ናብ ንስሓ ክንዲ ምጽዋዕ ብሓጢኣቶም ከምዝፈርሑ ከምዝሽቊረሩን ገርና ካብ ለውጢ ነርሕቆም። እቲ ቀንዲ ጸገምና ከኣ ክንዲ ሓጢኣት ካልኦት ምቊጻር ኣብ ውሽጢ ገዛእ ርእስና ተመሊስና ኩነትና ኣይንፍትሽን። ነዚ ዓቢ ትምህርቲ ክኾነና ዝኽእል መዝሙር 50 ምዃኑ ብምጥቃስ ከኣ ሓጢኣተይ ኣብ ቅድመይ እዩ እንክብል ቅዱስ ዳዊት ናብ እግዚአብሔር ብትሕትና ዝቀረበ ሰብ እግዚአብሔር ንሓጢኣትና ኣብ ቅድመና ከምዘየንብሮ ንሕና ኣብ ቅድሚ ሓጢኣትና ከምእንቀውም ክንዝክር ምናዳ ሎሚ ከም ሎሚ ብዛዕባ ሓጢኣት ምዝራብ ዕሽነት ዝገደደ ከኣ ብጣዕሚ ከቢድ ኣብ ዝኾነሉ ግዜ ጽጹይ መርመራ ሕልና ክንገብር ብሠናይ እምነት ዝግበር ሓጢኣት ከምዘየሎ ክነስተውዕል ኣእምሮናን ድላይናን ክንፍተሽ ኣዘኻኺሮም። ከምዚ እንገብሮ ፈቲናን ረዲናን ብምሉእ ኣፍልጦ እንፍጽሞ ዘሎና ሓጢኣት ክስቈረና ሕልናና ንመርምር ኢሎም። እዚ ክበሃል እንከሎ ግን ናብ ሓጢኣትን በደልን ጥራይ ብምትኳር ነቲ ቀንዲ ጉዳይ ማለት ምሕረት ዝመልኦ ጠመተ እግዚአብሔር ክንዝንግዕ ከምዘይብልና ኣዘኻኺሮም።

ምሕረት ዝመልኦ ጠመተ እግዝአብሔር ኣቦ ኣይንረስዕ!

ርግጽ እዩ ሓጢኣትና ኣብ ቅድመና ምዃኑ ክስቈረና እንከሎ ክንሓዝነሉ ብጣዕሚ ሕማቅ ምዃኑ ከተሓሳስበና ኣለዎ እንተኾ ኣብኡ ደው ክንብል ዓቅምናስ እዚ እዩ ኢልና ክንስከፍ የብልናን ኣብ መንጽሩ ዘሎ ወትሩ ምሕረት ዝልማዱ ምሕረት ዝመልኦ ቈላሕታ እግዚአብሔ ኣቦ ንዘክር። እዚ ወትሩ ክንዝክሮ ዘሎና ጉዳይ እዩ። ብዘይ እዚ ምሕረት ዝመልኦ ጠመተ እግዚአብሔር ኣቦ ክንነብር ኣይንኽእል እዚ እንክጐድል ብኡ ንብኡ ዝስዕብ ተስፋ ቁሪጸት እዩ። ስለዚ ነዚኣ ከይንዝንግዕ ሓደራ ምስ በሉ ከም ኣብነት ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ቅድሚ ዓበይቲ ሓጢኣተኛታት ‘ሓጢኣትካ ተሓዲጉልካ/ኪ ደጊም ኣይትኣብስ/ሲ’ ጥራይ ኣይኮነን ዝብል ዝነበረ እቶም ናቱ ሓዋርያት ሰዓብቱ ዝነበሩ ክንደይ ዝረኣዩ ከይተረፉ ክኽሕድዎን ክወድቁን እንከለው ክሕደት ቅዱስ ጴጥሮስን ብኡ ንብኡ ናይ ጣዕሳ ንብዓት ከምዘፍስስ ዝገበረ ምሕረት እግዚአብሔርን ብምዝኽኻር ናይ ጣዕሳ ንብዓት ንክህበና ከመይ ንድርቀት ልቢ ቀንዲ መተርከሲ እዚ ንብዓት እዚ እዩ ኢሎም። እዚ ንብዓት እዚ ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ዓቢ ጸጋ ከምእንረክብ እቲ ተሪሩ ነቂጹ ዘሎ ልብና ፈርከሽከሽ ከምዝብል ገሩ ትሕትና ኣልቢሱ መሓረኒ እናበልና ክንምህለል ይሕግዘና። ከምቲ ጐይታ ዝብሎ ንሓኪም ዝደልይዎ እቶም ጥዑያት ዘይኮነ ሕሙማት ስለዝኾኑ ንሕና እውን ሓጢኣትና እንክስቈረና ብኡ ንብኡ ምሕረት እግዚአብሔር ከምዘድልየና ንርዳእ እሞ ናብቲ መንፈሳዊ ሓኪምና ዝኾነ ንጐዩ ንሱ እውን በዚ እዩ ሓጥኣን ናብ ንስሓ ክጽውዕ ደኣ እምበር ስለ ጻድቃን ኣይመጻእኩን ዝበለ ስለዚ እዩ እንክብሉ ልብና ከየነትርር ከምቲ ጽሑፍ ዝብሎ ሎሚ ቃሉ እንተሰማዕኩም ልብኹም ኣይተትርሩ እንክብሉ ኣስተንትኖኦም ዛዘሙ።  

ብድምጺ ንምክትታል!
26 February 2021, 11:44