ድለ

ኑክለሳው ኣጽዋር ኑክለሳው ኣጽዋር  

ጋላገር፥ ምርጋፍ ኣጽዋር ውግእ ኣማራጺ ዘይኮነ ክገሃስ ዘይብሉ ስነ ምግባራዊ እዚ እዩ

ከምቲ ደጋጊሞም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝብልዎ እዋናዊ ቅልውላው ዝስገሩ ብሓባር ምስ መላእ ስድራ ቤት ሰብኣዊ ፍጥረት ምዕያይ ምስ ዝህልው እዩ፡ ኩሉ ሰብ ካብ ሓደጋ ክሳብ ዘይተዓቀበ ሓደ’ኳ ውሑስ ክኸውን ኣይኽእልን

ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርክባት ጉዳይ ዋና ጸሓፊ ላዕለዎት ናይ መንግስቲ ኣካላት ኣሳቲፉ ዛዕባ ምርጋፍ ኣጽዋር ኣብ ዝመክር ዘሎ ናይ 2021 ዓ.ም. ዓውደ ኣኼባ፥ “ኵሉ ኣብ ዝተረጋገጸ ውሕስነት ክሳብ ዘየለ ሓደ’ኳ ውሕስነት ክህልዎ ዘይሕሰብ እዩ” ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ፡ ምርጋፍ ኣጽዋር ዘላቒ ሰላም ውሕስ ንምግባር ንዝካየድ ጻዕሪ መሰረት እዩ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርክባት ጉዳይ ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ፖውል ሪቻርድ ጋላገር ናብቲ ካብ ጀነቭ ብመረብታዊ ውሕዘት ናብ ዝካየድ ዘሎ ዓውደ ኣኼባ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ፥ ምርጋፍ ኣጽዋር ንኑክለሳውን ስነ ሕይወታውን ስነ ቅመማውን ኣጽዋር ብትኽክል ዝምልከት ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፡ ብጹዕነቶም እዚ ውሳኔ እዚ ወተሃደራዊ ቅድድም ኣብ ህዋን ኣብ መረብታዊ መራኽቦታትን ሰብ ሰርሖ ቀልባዊ መሳርዕን ብዘይ ሰብ ዝንቀሳቐሱ ጸረ ሕይወት ዝኾነ ኣጽዋር ውግእን ኩሉ ዝምልከት ምዃኑ ብዕምቆት ዝምልከት እዩ ከምዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ እቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ኣመለኻኽታ ነቲ ኵሉ ብዛዕባ ኣጽዋር ውግእ ዝምልከት ሕቶ ሓቆፍ ካብ ምዃኑ ክንየው ኣብ መዓሙቕ ልቢ ሰብኣዊ ፍጥረት ንዘሎ ድላይ ዝመዓራረይ መልሲ ንምሃብ ዝዓለመ እውን ምዃኑ ኣመላኺቶም፡ እዚ እውን ሰላምን ደሕንነትን ምርግጋእን ዝብል ድላይ ዝምልከት ክኸውን እንከሎ፡ እዚ ዓሚዩቕ ሰብኣዊ ድላይ’ዚ “ኣብዚ እዋን ብዝረአይ ሕድሕዳዊ ዘይምትእምማንን ናይ ብዙሓ - ጐድናውነትን ምብሕጓግን ምኽንያት ብተደጋጋሚ ክተዓናቐፍ እዩ ዝርአይ”። ዘይሕጋዊ ዝውውር ቀለልትን ነኣሽቱን ኣጽዋር ውግእን ፈንጅታትንን ዝኣመሰሉ ኣብቲ ብዙሕ ሕዝቢ ኣዚዩ ልዑል ኣብ ዝኾነሉ ከባቢ መጋበርያ ጅምላዊ ቅትለት እናኾነን ኣብ ከተማታትን ኣባይቲ ትምህርትን ሕክምናን ናይ እምነትን ኣምልኾን ኣባይትን መሰረታውያን ናይ ልምዓት ትሕተ ቅርጽታትን ዕግርግንርን ሕንፍሽፍሽን ዝትኹቱኽ ከምዝኾነ ብጹዕነቶም ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መደረ ኣመላኺቶም ኣስዒቦም እውን በዚ ኣጋጣሚ እዚ ንተጋባእያን ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሰላምታ ኣቕሪቦም፡ እቲ ዓውደ ጉባኤ ብህጹጽ ዝተሓደሰ ጦብላሕታን ርእይቶን ብናይ ሓባር ሓላፍነት መንፈስ ነቲ ሓደገይና መዋጽእ ዘይብሉ ዝምስል ኣጽዋር ውግእ ዝምልከት ሕቶ ክስገር ብቑዕ መልሲ ክወሃቦ ዝብል ዘለዎም ተስፋ ከምዝገለጹ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ምእንቲ ንናይ ሓባር ረብሓ ሰገር ውልቃዊ ረብሓ ምባል

ኣብዚ እዋን’ዚ ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ ኣብ ቅድሚ ማእለያ ዘይብሉ ብድሆታት እዩ ዝርከብ፥ ምርጋፍ ኣጽዋር ውግእ ኣማራጺ ሸቶ ተገይሩ ክሕሰብ የብሉን` ክገሃስ ዘይብሉ ስነ ምግባራዊ እዚ እዩ” ስለዚህ ቅድስቲ መንበር እቲ ዝካየድ ዘሎ ጉባኤ ብጭቡጥን ናብ ዘላቒ ሰላምን ሕውነትን ከሰንይ ዝኽእል ዝተሓደሰ ሕጹጽ ናይ ሓባር ውሳኔን ጻዕርን ዘቕርብ ክኸውን ተተባብዕ”፡ ምእንቲ ንናይ ሓባር ረብሓ ሰገር ውልቃዊ ረብሓን ውልቃዊ ዝክረ ነገራትን ምባል ኣገዳሲ እዩ፡ እዚ ዓውደ ጉባኤ’ዚ ገለ ገለ ሕቶታት ንናይ ሓባር ረብሓ ክብሪ ዘለዎ ግደ ግምት ብምሃብ ሰገር ውልቃዊ ረብሓ ምባል ኣገዳሲ እዩ ዝብል ኣመለኻኽታ ኣፍልጦ ክህበሉ ትላበው ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣጽዋር ውግእን - ጸጥታን ደሕንነትን ዝተኣሳሰሩ እያቶም ዝብል ግጉይ ስነ መጐት 

ምርጋፍ ኣጽዋር ውግእን ምዕባለን ሰላምን ተሟራኾስቲ እያቶም፥ ምእንቲ ንናይ ጸጥታን ሰላምን ውሕስነት ንወተሃደራዊ መዓላ ዝለዓለ ሃብቲ  ገንዘብ ምስላዕን ክብ ምባልን ግድን እዩ ዝብል ኣካይዳ ናብቲ መዋጽኦ ዘይብሉ ዕንኪላሎ ዝኾነ ቅድድም ኣጽዋር ውግእ ዝድርኽ እዩ፡ እዚ ኣገባብ እዚ ድኽነትን ኢፍትሓውነትን ዛዕባ ክንክን ጥዕናንን ሕንጸትን ዝምልከቱ ሕቶታት ንኸይግጠም መኸላእታ እዩ ዝፈጥር፡ ኣጽዋር ውግእን ጸጥታን ደሕንነትን ዝተኣሳሰሩ እያቶም ዝብል እቲ ንናይ ሕይወት ኣገልግሎት ክውዕል ዝግብኦ ፍልጠትን ሃብቲ ገንዘብን  መንዚዑ ነገልግሎት ናይ ሞት ባህሊ ክውዕል ዝገብር ስነ መጐት ግጉይ እዩ፡ ጸጥታን ደሕንነትን ኣጽዋር ውግእን ዝተኣሳሰረ ከምዘይኮነ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ብኣጽንዖት ከምዘስመሩሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ዘተባብዕን ናይ ተስፋን ምልክታት

ምጥቃምን ምህርትን ኑክለሳዊ ኣጽዋር እጉድ ዝብል ውሳኔ ኣብ ተግባር ክውዕል ዝተደንገገን ኣብ ቀረባ ሓሙሽተ ዓመታት ኣብ መንጐ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ሩሲያን ኣብ ምንካይ ስነ መልክዓ ስልታዊ ኣጽዋር ውግእ ዝተፈራረመኦ ናይ ስምምዕ ውሳኔን ከምኡ እውን ዘይምብዛሕን - ዘይምስፋሕን ኣጽዋር ውግእ ዝምልከት ናይ ስምምዕ ውሳኔን ኣብዚ ውዕሊ’ዚ ኣብ ዓንቀጽ ሽዱሽተ፥ ኵለን ሃገራት ነቲ ውሳኔ ኣብ ምኽባሩ ትሑዛት እያተን ዝብል ሓረግ ጠቒሶም፡ በዚ ምኽንያት’ዚ ይብሉ ብጹዕነቶም ቅድስቲ መንበር እተን ናይቲ ዘይምብዛሕን ዘይምስፋሕ ውግእ ኣጽዋር ውዕሊ ዝኸተማ ሃገረት እቲ ሰነድ ናብ  ስሉጥ ምፍርጋፍ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ውግእ ዘአንፍትን ነዚ ተኻኣሊ ዝገብር መምዘንታት ንምእቕራብ ዝድርኸን ዓውደ ኣኼባ ንኸካይዳ ብተስፋ ትጽበ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ርጉጽን መርትዖ ምቕራብን

ቅድስቲ መንበር ክልተ ሓሳባት ተቕርብ፡ ዝበሉ ቡጽዕ ኣቡነ ጋላገር ኣተሓሒዞም፥ ምርጋፍ ኣጽዋር ውግእ ርግጸይናን ኣብ ግብሪ ዝዕል ምዃኑ ምስ ሃገራት ብምትሕብባር ዘጻርይን ንቐጻሊ ምርጋፍ ኣጽዋር ውግእ ኣብ ዝምልከት ጉዳይ ኣብ መጻኢ ንዝካየዱ ንናይ ሓባር ዘተ ሓበሬታ ዘቕርብን ቅድድም ኣጽዋር ውግእ ዝቆጻጸር ፍሉዩ ናይ ክኢላታት ሽማግለ ክቐውም ተበራትዕ፡ በዚ መዳይ’ዚ ርጉጽን ዘተኣማምን መርትዖ ንምቕራብ መታን ክከኣል ሓዲስ ናይ እደ ጥበብ ምሕዞታት ንምጥቓም ዘኽእል ክኸውን ትላበው፡ እዚ እውን እቶም ዝተበጽሑ ስምምዓትን ውሳኔታትን ናይ ስምምዕ ውዕላትን ኣብ ምኽባሩ ምእትእምማን ክህሉ ዝድግፍ እዩ፡ ብኻልእ መዳይ ብዛዕባ ምድራትን ብሓፈሻኡ ምሉእ ብምሉእ ምርጋፍ ኣጽዋር ውግእ ክህሉ ስሉጥ ብዝኾነ ናይ መቆጻጸሪ ሜላ ዝምራሕ ዘተ ክካየድ ምግባር፡ ነዚ ከምዚ ዓይነት ዓውደ ጉባኤ ዓቢይ ድጋፍ እዩ። እዚ ኸኣ ንኣብነት ሰላምን ጸጥንታትን ደሕህነትን ንሓደጋ ዘቃልዑ ግብረ ሽበራን ብፍላጥ ዝፍጸም ግጭትን ናይ ጸጥታን ደሕንነትን ሓበሬታ ምዝባዕን መሓድሮኣዊ ጸገማትን ድኽነትን ዝብሉ ዓበይቲ ጸገማት ዓቢይ ግምት እንተድኣ ተዋሂብዎም እዩ ቢሎም። ቅኑዕን ስሙርን ሓላፍነት ዝስምዖ ምትሕብባር ኣገዳሲ እውን ምዃኑ እቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ኮቪድ-19 ብትኽኽል የመላኽት፡ ከምቲ ደጋጊሞም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝብልዎ እዋናዊ ቅልውላው ዝስገሩ ብሓባር ምስ መላእ ስድራ ቤት ሰብኣዊ ፍጥረት ምዕያይ ምስ ዝህልው እዩ፡ ኩሉ ሰብ ካብ ሓደጋ ክሳብ ዘይተዓቀበ ሓደ’ኳ ውሑስ ክኸውን ኣይኽእልን እንልብሉ ዝገለጽዎ ሓሳብ ብምቅላሕ  ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ከምዘጠቓለሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ። 

25 February 2021, 16:01