ድለ

ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ቍጠባ ጉዳይ ዝሓልይ ቤት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብጹዕ ካርዲናል ራይንሃርድ ማርክስን ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ቍጠባ ጉዳይ ዝሓልይ ቤት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብጹዕ ካርዲናል ራይንሃርድ ማርክስን  

ቅድስቲ መንበር፥ ናይ ቍጠባ ጉዳይ ሓልዮ ቤት ምኽሪ ዓውደ ኣኼባ

እቲ ብመረብታዊ ውሕዘት ዝተኻየደ ዓውደ ኣኼባ ናይ ተዓዛቢ ሕሳብ ሽማግለ ዝመሓደረሉ ናይ ውሽጢ ሕጊ ኣማእኪሉ ሰፊሕ ምይይጥ ድሕሪ ምክያዱ እውን ቀጽጻሊ ዓውደ ኣኼብ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ 2021 ዓ.ም. ንኸያይድ ወሲኑ ከምእተዛዘመ

ናይ ቅድስቲ መንበር ሃብቲ ገንዘብ ተጸባጻቢ ሽማግለ ብጥልቂ መርሚሩ ዘቕረቦ ዛዕባ ምልከታ ናይ ገንዘብን መጠን ሃብቲ ገንዘብ ስዒቡ ብዝርዝር ናይ መሳለጢ ዕዮ መደብ መጠን ሃብቲ ገንዘብ ኣማእኪሉ በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ምኽንያት ብመረብታዊ ውሕዘት ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ኣኼባ ብጥልቂ ከምእተመያየጠሉን፡ እቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ቍጠባ ጉዳይ ዝሓልይ ቤት ምኽሪ ቀጻሊ ኣኼባኡ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ 2021 ዓ.ም. ንኸካይድ ብዘመሓላለፎ ውሳኔ እውን ኣኼባኡ ከምዝዛዘመ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።  

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ቍጠባ ጉዳይ ዝሓልይ ቤት ምኽሪ ዕለት 16 ለካቲት 2021 ዓ.ም. ዛዕባ ናይ 2021 ዓ.ም. ዓመታዊ ንመሳለጢ ዕዮ ምዱብ መጠን ሃብቲ ገንዘብ ኣማእኪሉ ከምዝመኸረን ኣብቲ ዝተኻየደ ዓውደ ኣኼባ ናይቲ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብጹዕ ካርዲናል ራይንሃርድ ማርክስን ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊንን ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ቁጠባ ጉዳይ ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ኣባ ኹዋን ኣንቶኒዮ ጒየረሮ ኣልቨስን ብኣካል ክሳተፉ እንከለዉ፥ ብመረብታዊ ውሕዘት ዝተሳተፉ ኸኣ ናይቲ ቤት ምኽሪ ዋና ጸሓፊ ቡጽዕ ኣቡነ ብራይን ኤድዊን ፈርመንን ናይቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ኤኮኖሚ ጉዳይ ዝከታተል ቤት ምኽሪ ኣባላት ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ናይ ዱርባን ሊቀ ጳጳሳት ብጽዕ ካርዲናል ዊልፍሪድ ፎክስ ናፒየርን ኣብ ብራዚል ናይ ሳው ፓውሎ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ካርዲናል ኦዲሎ ፐድሮ ሽረርን ኣብ ካናዳ ናይ ኲይበክ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ካርዲናል ገራልድ ስይፕሪየን ላክሮኢክስን ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ናይ ነው ዮርክ ሊቀ ጳጳሳት ቡጹዕ ካርዲናል ጆሰፍ ዊሊያም ቶቢንን ኣብ ሽወደን ናይ ስቶኮልም ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ካርዲናል ኣንድረስ ኣርቦረሊዩስን ኣብ ኢጣሊያ ናይ ኣኲይላ ሊቀ ጳጳሳት ብጽዕ ካርዲናል ጁዘፐ ፐትሮኪን ከምኡ እውን ፕሮፈሰር ሻርሎት ክረኡተር ኪርኽሆፍን ዶክተር ኤቫ ካስቲሎ ሳንዝን ዶክተር ለስሊየ ዣን ፈራርን ዶክተር ኣልበርቶ ሚናሊን ዶክተር ማሪያ ኮንሰፕሲዮን ኦሳካር ጋራይኮኤቸኣን ሩት ከልይን ከምእተሳተፉ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥

ኣብቲ ብዛዕና ናይ 2021 ዓ.ም. ናይ ዕዮ መሳለጠ መጠን ሃብቲ ገንዘብ ንምምዳብ ኣሚቱ ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ኣኼባ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ቍጠባ ጉዳይ ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ዶክተር ማክሲሚኖ ካባለሮ ለዶ ናይቲ ምዱብ ናይ መሳለጢ ዕዮ መጠን ሃብቲ ገንዘብ ብዝርዝር መግለጺ ከምዘቕርቡን ድሕሪ እቲ ዝቐረበ ናይ ዝርዝር ጸብጻብ ናይቲ መሳለጢ ዕዮ መጠን ሃብቲ ገንዘብ ናይ ቅድስቲ መንበር ክፍሊ ሕሳብ ዝከታተል ሽማግለ ወኪለን ዶክተር ፈራር መግለጺ ከምዝሃባን ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ቍጠባ ጉዳይ ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤተ ጽሕፈት ኣመሓዳሪ ዶክተር ኤሚሊዮ ፈራራን እቲ ዝሓለፈ ዓመት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዘለዎ ናይ ቅዱስ ጴጥሮሳዊ ፍሉይ ስልጣን መሰረት ንዝበለጸ ውዳበ ብዝብል ኣርእስቲ ዝደንገግዎ ሕጊ ትግባሬኡ ኣብ ዝምልከት ብፍላይ ናይ መካየዲ ዕዮ መጠን ሃብቲ ገንዘብን ወጻኢታት ተጸባጻብን ተቖጻጻሪ ኣካል ምስያምን ዝብል ዓንቀጽ ኣማእኪሎም ሰፊሕ መብርሂ ከምዝሃቡ ኣፍሊጡ።

እቲ ብመረብታዊ ውሕዘት ዝተኻየደ ዓውደ ኣኼባ ናይ ተዓዛቢ ሕሳብ ሽማግለ ዝመሓደረሉ ናይ ውሽጢ ሕጊ ኣማእኪሉ ሰፊሕ ምይይጥ ድሕሪ ምክያዱ እውን ቀጽጻሊ ዓውደ ኣኼብ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ 2021 ዓ.ም. ንኸያይድ ወሲኑ ከምእተዛዘመ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

18 February 2021, 21:02