ድለ

ክትባት ጸረ ኮቪድ - 19 ንዅሉ መታን ክኸውን ጻውዒት ናብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ክትባት ጸረ ኮቪድ - 19 ንዅሉ መታን ክኸውን ጻውዒት ናብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም 

ክትባት ጸረ ኮቪድ - 19 ንዅሉ መታን ክኸውን ጻውዒት ናብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም

ኣብ ወሳኒ ህሞት ኢና እንርከብ ዘሎና ስለዚህ እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ኵነት ግብረ ሰናይን ሓልዮትን ንኽንነብርን ብሓባር ዓለም ንኸነድሕን ዕድል ኣቕሪቡልና ኣሎ እሞ እዚ ዕድል’ዚ ንጠቕመሉ

ብጹዕ ክርዲናል ታግለን ብጹዕ ካርዲናል ቱርክሶን ኣብዚ ለበዳ ኣብ ዝረአየሉ ዘሎ እዋን ኵሉ ጸረ ኮቪድ-19 ክትባት ናይ ምርካብ መሰል ኣለዎ ዝብል ሓሳብ ኣማእኪሎም ብዘውጽእዎ ናይ ሓባር መግለጺ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ነዚ ውሑስ ንምግባር ዝድርኽ ፍሉይ ናይ ጸጥታን ደሕንነትን ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ኣኼባ ክጽውዕ ከምእተማሕጸኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ዝተፈላለያ ናይ ረድኤት ማሕበራት ዝጥርንፍ ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ማሕበር ኣቦ መንበር ብጹዕ ካርዲናል ልዊስ ኣንቶንዮ ታግለን ናይዚ ማሕበር ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ኣሎይሲዩስ ጆንን ናይ ኵለንተናዊ ናይ ሰብኣዊ ምሉእ ምዕባለ ኣገልግሎት ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ብጹዕ ካርዲናል ፒተር ቱርክሶንን ክታሞም ዘምበሩሉ ግልጽን ንጹርን ብዝኾነ ናይ ሓባር መግለጺ ኣቢሎም ነቲ ኣብ ዓለም ኣንጸላሊዩ ዘሎ ለብዒ ኽዕሮና ተህዋስ ንምብዳህ ዝተረኽበ ናይ ክትባት መድሃኒት ንዅለን ሃገራት ብፍላይ ነቶም ኣዚዮም ጽጉማት ክባጻሕ ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኾሮና ተህዋስ ብሓባርን ብምድግጋፍን ጥራሕ ዝብዳህ ምዃኑ ባዕሊ እቲ ለብዒ ኣረጋጊጹልና እዩ እንክብሉ ዝገለጽዎ ሓሳብ መሰረት ገይሮም፥ እቲ ጸረ ኮቪድ - 19 ክትባት ንዅሉ ዝብል መደብ ኣብ ግብሪ ክውዕል ዝድርኽ ውድብ ሕቡራት መግንስታት ዓለም ናይ ጸጥታን ደሕንነትን ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ፍሉይ ኣኼባ ከጽዊ ከምእተማሕጸኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣብ መንጐ ሃብታማትን ድካታትን ሃገራት ፍልልይ ኣይሃሉ

እቲ ዝተረኽበ ናይ ክትባት መድሃኒት ዓቢይ ኣትኵሮ ዝተወሃቦን ብዙሕ ተስፋ ዝተነብሮን ኮይኑ ኣሎ፡ እቲ ሃብታም ሰሜናዊ ክፍሊ ዓለም ክትባት ጸረ ኮቪድ - 19 ንኽርከብ ብዙሕ ሃብቲ ገንዘብ ኣዋፊሩ እዩ፡ በዚ መሰረት ከኣ ድሕሪ እቲ ርኽበት መድሃኒት ወጻኢታቱ ንኸምልስ ይጽበይ ኣሎ፡ ኣብቲ ዝተረኽበ መድሃኒት እቲ ናይ ኤኮኖምን ማሕበራዊ ሕይወት ናብ ንቡር ንኽምለስ ዝብል ተስፋ ዝዓቖረ ክነሱ፡ እቲ ዝረአይ ዘሎ ሃገራውነትን ንዓይነትን ድኻታት ንዝነብርሉ ደቡብ ዓለም ዘግልል ከይከውን የፍርሕ ኢሎም። ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኵሉ ክኽተብን ነቲ መድሃኒት ሕራይ ምባል ንገዛእ ርእስኻን ንናይ ካልኦት ሕይወትን ዘሎካ ሓላፍነት ምኽባር እዩ እንክብሉ ገሊጾም፡ ኩሉ ኣብ ሓባራዊ ድሕነት ክዋሳእ ዘቕረብዎ ለበዋ ካርዲናል ታግለን ቱርክሶንን ኣብ ዘውጽእዎ ናይ ሓባር መግለጺ ጠቒሶም፥ ብሰንኪ ድኽነት ዋላ ሓደ ሰብ ከይግለልን ኵሉ ናይ ክትባት ዕድል ክረክብ ተማሕጺኖም፡ ኣተሓሒዞም ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ዝተፈላለያ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ረድኤት ማሕበራት እውን ብዙሓት ድኻታት ክኽተቡ ከምዝገበረን ንዅሉ ንኽባጻሕ እውን ዝከኣለን ይገብራ ከምዘለዋ ገሊጾም። ኣብ ወሳኒ ህሞት ኢና እንርከብ ዘሎና ስለዚህ እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ኵነት ግብረ ሰናይን ሓልዮትን ንኽንነብርን ብሓባር ዓለም ንኸነድሕን ዕድል ኣቕሪቡልና ኣሎ እሞ እዚ ዕድል’ዚ ንጠቕመሉ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ዘይምዕሩይ ቀረብ መድሃኒት ምስናፍ

ኣብዚ ኣብ ንሓድሕድና እንራኸበሉ ዓለም ናይ ክትባት መድሃኒት ብፍትሓዊ ኣገባብ ክቐርብ ኣለዎ፡ እቲ ናይ ክትባት መድሃኒት ቀረብ ኣብ ላቲን ኣመሪካን እስያን ኣፍሪቃን ዝነብር ማሕበረሰን ከምኡ እውን ንድኻታትን ዓቢይ ግምት ዝህብ ክኸውን ከምእተላበዉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ናይ ሕይወት ጸጋ ምድሓን

ክትባት ሕይወት ናይ ምድሓን ሜላ እዩ፡ እቶም ኣዚዮም ንኾሮና ተህዋስ ዝተቓልዑ ድኻታትን ትሕቲ ዕድመን ስደተይናታትን እያቶም፡ ምእንቲ’ዚ ኣብ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ቀዳምነት ክወሃቦም ይግባእ፡ ናይ ስነ ምግባር ሕቶ እውን እዩ፡ ንኣኣቶም ዘይምሕሳብ ንመላእ ሕብረተሰብ ዓለም ንሓደጋ ምቅላዕ እዩ፥ ሓባራዊ ምዕባለታትና ኣብቲ ንንኣሽቱ እንከናኸነሉ መገዲ እዩ ዝምርኰስ፡ ናይ ፖለቲካ ኣካላትን መንግስታትን ክንየው ሃገራውነት ንላዕሊ ክጥምቱ ተማሕጺኖም፥ እቲ ለብዒ ንመላእ ፍጥረት ኣዳም ስግኣትን ኣህጉራዊ ናይ ጸጥታን ደሕንነት ጸገም እውን እዩ፡ ስለዚህ ነቲ ተረኺቡ ዘሎ መድሃኒት ብሜላ ጸቢብ ሃገራውነት መንጽር ዝርአይ እንተድኣ ኮይኑ ነቶም ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ተኣፋፍያን ክፍሊ ሕብረተሰብ ዘድልዮም ነገራት ንዘይምቕራብ ሓደጋ የቃልዕ እዚ ንገዛእ ርእሱ ግብረ ገባዊ ውድቀት እዩ ዘስዕብ ከምዝበሉ ኣፍሊጡ።

እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ቅልውላው ጥዕና ብዓውሎማነት እዩ ዝብዳህ

ኣብዚ እዋን’ዚ ዘሎ ቅልውላው ናይ ክትባት መድሃኒት ስፍሕ ብዝበለ ነቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ መላእ ዓለም ተኸሲቱ ዘሎ ቅልውላው ጥዕና ዓቢይ ግምት ብምሃብ እዩ ክርአይ ዘለዎ፡ መብዛሕቲኤን እተን ዘይማዕበላ ሃገራት መሰረታዊ ናይ ሕክምና ትሕተ ቅርጽን ናይ ክትባት መድሃኒ ብግብኡ ናይ ምኽዛን ዓቅሚ የብለንን፡ ብተወሳኺ እውን ኣብ ገጠራት ዝነብሩ ንኻልእ ዝተፈላለዩ ዓይነት ተላገብ ሕማም ንዝቃልዑ ዘስተውዕል ኣይኮነን፡ እቲ ለብዒ ካብቲ ደቡባዊ ዞባ ዓለም እንተድኣ ዘይጠፈኤ ናብ ዓለም ሓቆፍ ሰብኣዊ ቅልውላው እዩ ዝመርሕ።

ናይ ድኻታት ሃገራት ናይ ወጻኢ ዕዳ ዳግም ክሕሰበሉ ዘለዎ ጉዳይ እዩ

ናይ ድኻታት ሃገራት ናይ ወጻኢ ዕዳ በቲ ዘለወን ዓመታዊ እቶት ክረአን ናይ ቁጠባን ኤኮኖምን ዓቕመን ግምት ዝህብ ክኸውን ኣለዎ፡ እዚ ኣብተን ድኻታት ሃገራት ናይ ሕክምን ኣገልግሎት መሳለጥያ ዘመሓይሽ ወሳኒ መስርሕ ንኸበግሳ ዝድግፈን ከምዝኸውንን እቲ ክኸፍለኦ ዝግብአን ናይ ወጻኢ ዕዳ ንናይ ሕክምና ኣገልግሎት መውሃቢ ትሕቲ ቅርጽታተን ዘመሓይሻሉ ክኸውንን ኣብዚ መዓላ’ዚ ከውዕለኦ ምትብብዕን፡ እቲ ተረኺቡ ዘሎ ናይ ክትባት መድሃኒት እውን እተን ኣብ ኣፍሪቃን ላቲን ኣመሪካን እስያን ዝርከባ ዓበይቲ ናይ መድሃኒት ትካላት ንኸምረትኦ ፍቓድ ክወሃበን እንተድኣ ተገይሩ ብሓቂ እቲ ለብዒ ንምብዳህ ንዝግበር ጻዕሪ ስሉጥ ይገብሮ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ክትባት መድሃኒት ንኹሉ ኣብ ምብጻሕ ው.ሕ. መግንስታት ዓለም ቀንደይና ተዋሳኢ ይኹን

ቅኑዕን ጥዑይን ዝኾነ ዓለም ውሑስ ንምግባርን ጸረ ኮቪድ - 19 ክትባት ናብ ኩሉን ንዅሉን ንኽባጻሕን ውድብ ሕቡራት መግንስታት ዓለም ቀንደይና ተዋሳኢ ክኸውንን እዚ ንምኽዋን

-       ናይ ውድብ ሕቡራት መንግታት ዓለም ናይ ጸጥታን ደሕንነትን ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ነቲ ተኸሲቱ ዘሎ ዓለም ሓቆፍ ቅልውላው ጥዕና ንምግጣምን ንምብዳህን ኣብ ብዝሓ ጐድናውነት ዝጸንዔ ውሳኔ ከቕርብ መታን ሕጹጽ ኣኼባ ክካይድን

-       ናይ ድኻታት ሃገራት ናይ ወጻኢ ዕዳ ብህጹጽ ክዝረዝን እተን ሃገራት እውን እቲ ዝተሓደገለን ዕዳ ኣብ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና መደባት ከውዕለኦን

-       ናይ ክትባት መድሃኒት ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃን እስያን ላቲን ኣመሪካን ዝርከባ ናይ መድሃኒት ትካላት ንኸምርተኦ ፍቓድ ምሃብን

-       ኣብ ድኻታት ሃገራት ንዝርከባ በርገሳውያን ማሕበራትን ብፍላይ ከኣ ነተን ኣብ እምነት ዝተመርኰሳ ማሕበራት ቁጠባውን እደ ጥበባውን ድጋፍ ብምቕራብ ነቲ ናይተን ከባቢ ሕብረተሰብ ንቕሓት ብምዕባይን ዓቕሙ ብምሕናጽን ድልው ክኸውን ምግባር።

ዝብሉ ነጥብታት ኣመላኺቶም ብጹዕ ካዲናል ታግለን ብጹዕ ካርዲናል ቱርክሶን እቲ ዘመሓላለፍዎ ናይ ሓባር መግለጺ ከምዘጠቓለሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

06 February 2021, 19:26