ድለ

ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ራዲዮ ዕለት 13 ለካቲት 2021 ዓ.ም. ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ራዲዮ ዕለት 13 ለካቲት 2021 ዓ.ም. 

ፍራንቸስኮ፥ ናይ ራዲዮ ውህበትን ውበትን ኣብቲ ዝብጻሕ ዘይመስል ቦታ ኩሉ ኣብ ዘብጽሖ ቃል

እንከሎ ር.ሊ.ጳ. ነዚ ብምዝካር ዕለት 13 ለካቲት 2021 ዓ.ም. “ናይ ራዲዮ ውህበትን ውበትን ኣብቲ ዝብጻሕ ዘይመልስ ቦታ ኵሉ ኣብ ዘብጽሖ ቃል እዩ” ዝብል መልእኽቲ በቲ ኣብ ትዊተር ብዘሎ ኣድራሻኦም ኣቢሎም ከምዘመሓላለፉ

ዕለት 13 ለካቲት ብዓለም ሓቆፍ ናይ ሕንጸትን ስነ ምርምርን ባህልን ውድብ ኣብ 2011 ዓ.ም. ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ራዲዮ ዝዝከረሉ ዕለት ክኸውን ከምዝገበረን ር.ሊ.ጳ. ነዚ ብምዝካር “ናይ ራዲዮ ውህበትን ውበትን ኣብቲ ዝብጻሕ ዘይመልስ ቦታ ኵሉ ኣብ ዘብጽሖ ቃል እዩ” ዝብል መልእኽቲ በቲ ኣብ ትዊተር ብዘሎ ኣድራሻኦም ኣቢሎም ከምዘመሓላለፉን ናይ ለምዘበን መዓልቲ ራዲዮ፥ ፍልቀትን ሕደሳን ምትእስሳርን ብዝብል መርሕ ቃል ዝተሰነየ ክኸውን እንከሎ፥ እዚ ሓሳብ እዚ ብናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መራኸቢ ብዙሓን ብዘመሓላለፍዎ መበል 55 መልእኽቲ ነንብብ፡ ጊዛኒ፥ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ መንጐ ዓለም ለኻውን ዞባውን ድልድል እዩ እንክብሉ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት የመላኽቱ፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ብዓለም ሓቆፍ ናይ ሕንጸትን ስነ ምርምርን ባህልን ውድብ ኣብ 2011 ዓ.ም. ዕለት 13 ለካቲት ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ራዲዮ ዝዝከረሉ ዕለት ክኸውን ከምዝወሰነ ክዝከርን እንከሎ ር.ሊ.ጳ. ነዚ ብምዝካር ዕለት 13 ለካቲት 2021 ዓ.ም. “ናይ ራዲዮ ውህበትን ውበትን ኣብቲ ዝብጻሕ ዘይመልስ ቦታ ኵሉ ኣብ ዘብጽሖ ቃል እዩ” ዝብል መልእኽቲ በቲ ኣብ ትዊተር ብዘሎ ኣድራሻኦም ኣቢሎም ከምዘመሓላለፉን ዕለት 13 ለካቲት 1946 ዓ.ም. ዩኤን ነው - UN New መደብ ንፈለማ ግዜ ናይ ውድብ ሕቡራት መግንስታት ዓለም ፈነወ ሓበሬታ ዘበገሰሉ ዕለት ክኸውን እንከሎ ብሸሞንተ ቋንቋታት ኣገልግሎት መደብ ሓበሬታ ኣብ መላእ ዓለም ብኽልተ ሺሕ መሻርኽቲ መደብራት ኣቢሉ ዕለታዊ ሓበሬታ የቕርብ። ካብ 2011 ዓ.ም. ጀሚሩ ኣብ ዓውዲ መራኸብን ኣብ ዓውዲ ፈነወ ሓበሬንታ ራዲዮ ዘይዓርብ ግደ ከምዘለዎ ይዝከር።

ናይ 2021 ዓ.ም. ስንዳአ ዕለት 13 ለካቲት ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ራዲዮ

ለምዘበን ዓለም ሓቆፍ ናይ ሕንጸትን ስነ ምርምርን ባህልን ሓልዮ ውድብ ዕለት 13 ለካቲት ዓለም ሓቆፍ ፍመዓልቲ ራዲዮ፥ ኣብ ፍልቀትን ሕደሳን ምትእስሳርን ብዝብል መራሕ ቃል ከምዘብዓሎን፥

ፍልቀት፥ ዓለም ይልወጥ ራዲዮ ይምዕብ ማእከላይ ብርቱዕን ዘላቕን ናይ መራኸቢ ሜላ

ሕደሳ፥ ዓለም ይልወጥ ራዲዮ ኣብ መንጐ ብስነ ኣሃዝ ናይ ዝምዕብል ዕደ ጥበብን ምንቅስቓስን ይሳነን ይሕደስን።

ምትእስሳርን፥ ዓለም ይልወጥ  ራዲዮ የተኣሳሰር፡ ኣብ ናይ ተፈጥሮ መዓትን ኣብ ቅልውላው ማሕበራውን ኤኮኖሚያውን ልክዕ ከምቲ እነንበሮ ዘሎና እዋን ለብዒ ከጋጥም እንከሎ ኣብ ከምዚ ዓይነተ ኵነት እዚ ራዲዮ መሰረታዊ ግደ ኣለዎ።

ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣስተምህሮ

ብምኽንያት መበል 55 ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መራኸቢ ብዙሓን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ናይ ኣገልግሎት ሓበሬታን መራኸቢ ብዙሓንን ዕዮ ንሰብ ኣበይነቱን ኣብ ምዃንነቱን ምርኻብ እዩ እንክብሉ የተሓሳስቡ፡ ንቅዱስነቶም መራኸቢ ብዙሓን ናይ መራኸብን ሱታፌን ናይ መራኸቢ ሰንሰለት እዩ እዚ ኸኣ ንልዕሊ ክልተ ሺሕ ዓመታት ነቲ መሳጢ ተመክሮ ክርስትና የራኽብ ኣሎ። ብዓይኒ ክርስትና እምበኣር ራዲዮ ልክዕ ከም ካልኦት መጋበርያ መራኸቢ ቡዝሓን ንሰብን ንኽውንነትን ሓቀን ሕይወት ኣብ ምትኳር ይምዕብል። . . . ብዘይ ምርኻብ ኣብ ሓበሬታ መሰናደዊ ሕንጻ ኣብ ቅድሚ መርበብ ሓበሬታ ንምርኣይን ንምርኻብን ንምጽራይን ንምክፋልን ኣሳእንካን ከየብለኻ ኣብ መገዲ ከይወጻእካን ዝተዓሸገ ሓበሬታ ናይ ምቕራብ ስግኣት ከጋጥም ከምዝኽእል የጠንቅቑ።

መርበብ ብጥበብን ብብልሓትን ቀልብን ዝተመርሒ ብዘመዛዝን መንፈስ ብርቱዕ ጥንቃቔ ዝሓትት ምዃኑ ቅዱስነቶም ኣብ መልእኽቶም የብርሁ፡ ነቲ መጋበርያ ምኹናን ዘይኮነ ብግቡእ ትሕዝቶ ብናይ ሌላ ብቕዓት ብሓላፍነት ንምጥቃምን ናይ ሓሶት ሓበሬታ ብምቅላዕ “ኵላትና መሰኻኽር ሓቂ ንኽንከውን ዝተጸዋዕና” ኢና እንክብሉ የዘኻኽሩ።

 ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ጉዳይ ዝሓልይ ቤት ጽሕፈት ምኽትል ዋና ኣመሓዳርን ናይ ራዲዮ ቫቲካን ጠበቓን ጃኮሞ ጊዛኒ ]
ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ጉዳይ ዝሓልይ ቤት ጽሕፈት ምኽትል ዋና ኣመሓዳርን ናይ ራዲዮ ቫቲካን ጠበቓን ጃኮሞ ጊዛኒ ]

ራዲዮ ቫቲካን

ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ናይ ዓለም ኣገልግሎት ራዲዮ-ተለቪዥንን ብግቡእ ዝሰረጸን ናይቲ ኣብ 1950 ዓ.ም. ዝቖመ ናይ ኤውሮጳ ፈነወ ራዲዮ ሕብረት መስራትን ኣባልን ከምኡ እውን ናይ ኣፍሪቃ ማሕበር ፈነወ ራዲዮ ሕብረት ኣባል ክኸውን እንከሎ፡ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ጉዳይ ዝሓልይ ቤት ጽሕፈት ምኽትል ዋና ኣመሓዳርን ናይ ራዲዮ ቫቲካን ጠበቓን ናይ ኤውሮጳ ፈነወ ራዲዮ ሕብረት ፈጻሚ ሽማግለ ኣባልን ጃኮሞ ጊዛኒ ብምኽንያት ምስረታ መበል 90 ዓመት ራዲዮ ቫቲካን ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ኣዘኻኺሮም፡ ራዲዮ ቫቲካን ካብ ዝተፈላለያ 69 ሃገራት ዝተዋጽኡ ሰራሕተይናታት ዘለውዎን በርበዓን ሓደን ቋንቋታት መደብ ፈነወ ዘለዎን ከምዝኾነ ሓቢሮም፡ ራዲዮ ቫቲካን ካብ ምስረታኡ ኣትሒዙ ዓለም ለኻዊ ቅርጺ ዘለዎን  ናይ ቤተ ክርስቲያንን ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትን ድምጽን ማእከል ካቶሊካውነት ምስ መላእ ሃገራት ዓለም ዘራኽብን ደጋፍን ድምጽን ናይ ጴጥሮሳዊ ተልእኾን እዩ፡ ነዚ ብምፍጻም ምስ ካልኦት ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት መደብራት ራዲዮ ይነጻጸርን ይራኸብን ተምሳጡ ንቁኑዕ ሓበሬታን ንናይ ሓባር ጥቕሚ ኣገልግሎትን እዩ ምስ በሉ ኣስዒቦም፥ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓለም ሓቆፍን ኣብቲ ብውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ዝሰናደዉ ብዛዕባ መራኸቢ ብዙሓን ጉዳይ ኣብ ዝምልከቱ ርክባት ዝሳተፍ እውን እዩ ቢሎም፡ ከምቲ ብምኽንያት ዝኽሪ መበል 90 ዓመት ራዲዮ ቫቲካን ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት፡ ራዲዮ ቫቲካን እናተሓደሰ ዝኸይድ ንቕድሚትን መጻእን ዝጥምት ኣብ ናይ ዝሓለፈ ተምክሮታቱ ዝጸንዔ እዩ እንክብሉ ዘስመሩሉ ሓሳብ ጊዛኒ የዘኻኽሩ።

ዝራኸብን ዝዝትይን ኣብ ዘተን ርክባትን ዝስጉም ራዲዮ፥ በዚ መሰረ’ዚ ምስ ዘተፈላለያ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን መደብር ራዲዮ ብዞባውን ከባቢያውን ድፍሕታት ብመርበብ ሓበሬታን ብዝተፈላለያ ቋንቋታትን ኣቢሉ ስሉጥ ብዝኾነ ኣገባብ ምስቲ ኣዚዩ ርሑቕ ዝበሃል ከባቢ እውን ከይተረፈ ይራኸብን ይዝትን እንክብሉ አካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

15 February 2021, 21:31