ድለ

ፓሮሊን ንካቶሊካውያን መምሃራን ማሕበር፥ ኣብዚ ምጥፋእ ኣብ ዝረኣየሉ ህሞት መሰኻኽር ተስፋ

“እቲ ጥንታውን ጽኑዕን መንነት ኣብቲ ነቲ ማሕበር ክህልው ዝገበረ ክቡር ዋጋ ዝተሰረተ ኣብቲ ንኽትነብርዎ ኣብ ዝተጸዋዕኵምሉን ብፍላይ ኣብዚ ጽንኵር እዋን ክተመሓላልፍዎን ክትነብርዎን ሓደራ፥ ናይ ሕንጸት ተግባር ነቲ እንኮን ዓቢይን ፍልዩን ዝኾነ መምህር፥ ክርስቶስ ህላዌኡ ንምእንጋድ ስንድዋት ምዃን ይሓትት

ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፓሮሊን ብምኽንያት ዝኽሪ መበል 75 ዓመት  ቅዋሜ ናይ ኢጣሊያ ማሕበር መምሃራን ናብቲ ማሕበር ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉን ኣብዚ ርጉጽንነትን ምርግጋእን ኣብ ዘይረኣየሉ እዋን ኣብቲ ማሕበር ጥምረት ክህሉ ከምእተላበዉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“እቲ ካቶሊካዊ ናይ መምሃራን ማሕበር ስለ ዘካይዶ ህርኩት ጻዕርታቱን ዘቕርቦ ኣግልግሎቱን ኵሉ ብምድናቕ እዝክሮ፡ ብፍላይ - ይብሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ናብቲ ብምኽንያት ዝኽሪ መበል 75 ዓመት ቅዋሜ ብመረብታዊ ውሕዘት ናብ ዝካየድ ዘሎ ዓውደ ጉባኤ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ማምስዐ ርእየት መልእኽቲ፥ “እቲ ማሕበር ብትኽክል ኣብ ምዝዛም ካልኣይ ውግእ ዓለም ዝቖመን ንኢጣሊያ ዓቢይ ተስፋ ሰኒቑ ክርስቲያናዊ ሕልናን ግብረ ገብን ኣብ ምንቕቓሕን ብርቱዕ ኤቅለስያዊ መንፈስ ክተባባዕን ኣብ ኢጣሊያ ዝርከብ ናይ ዞባታት ባህልን ቋንቋን ብዝጥርንፍ ኣገባብ ዝፈጸሞን ዝፍጽሞን ዘሎ ኣገልግሎት ናይ ጥምረት መግለጺ እዩ፡ ብለጋስነት ነቶም ኣባኹም ናይ ሓቅን ተስፋን ፍቕርን ምስክርነት ንኽርእዩ ንዝደልዩ ናይ ተመሃሮ ክብርን ሰናይን ገዛእ ርእስኹም ናይ ምውፋይ ፍቃድ ክህልወኩም እላበው” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ጽኑዕ መንነት ንስሉጥ ተግባር ዋሕስ እዩ

ብጹዕ ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ፥ እቲ ማሕበርን ኣባላቱን ናይ ባህሎም ግንዛበ ዘለዎ ክኾኑን “እቲ ጥንታውን ጽኑዕን መንነት ኣብቲ ነቲ ማሕበር ክህልው ዝገበረ ክቡር ዋጋ ዝተሰረተ ኣብቲ ንኽትነብርዎ ኣብ ዝተጸዋዕኵምሉን ብፍላይ ኣብዚ ጽንኵር እዋን ክተመሓላልፍዎን ክትነብርዎን ሓደራ፥ ናይ ሕንጸት ተግባር ነቲ እንኮን ዓቢይን ፍልዩን ዝኾነ መምህር፥ ክርስቶስ ህላዌኡ ንምእንጋድ ስንድዋት ምዃን ይሓትት፥ መምህር ክኸውን ዝደልይ ነቲ ዓቢይን እንኮን መምህር የአንግድ፥ ቢሎም ነቲ ሕጻናት ማእከል ዝገብር ንእትፍጽምዎ ተግባር ሕንጸት ሓይሊ ካብኡ ክትረኽቡ ንኣኡ ነቲ ዓቢይ መምህር አወክፈኵም” እንክብሉ ከምዘጠቓለሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

01 January 2021, 11:21