ድለ

ፓሮሊን፥ ምዝባዕ ከባቢ ኣየር ሓደስቲ ናይ ልምዓት ኣገባብ ንኽንምህዝ ዝድርኽ ኣጋጣሚ እዩ

ብጀካ ብሓባር ናይ ሓባር ቤትና ምሕናጽ፥ ካልእ ኣማራጺ የብልናን ስለዚህ ድማ እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ምዝባዕ ናይ ተፈጥሮ ከባቢ ኣየር ተቐባልነት ዘለዎ ዘላቒ ናይ ልምዓት መደብ ንኽንምህዝ ዝድርኽ ኣጋጣሚ ገርና ንጥተቐመሉ!

ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፓሮሊን ናይ ተፈጥሮ ከባቢ ኣየር ምልዛብ ዋዕላ 2021 ዓ.ም. ዕለት 25 ጥሪ 2021 ዓ.ም. ናይ ዓለም ሓቆፍ ዓውደ ጉባኤ መኽፈቲ ብስም ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ናይ ከባቢ ኣየር ምዝባዕ ዘተኣታትዎ ኣሉታዊ ሳዕቤ ንምውጋድ ብፍላይ ከኣ ነቶም ምስቲ ምዝባዕ ከባቢ ኣየር ገዛእ ርእሶም ንኸላዝቡን ክከላኸሉን ዓቕምን ብቕዓትን ዘይብሎም ድኻታት ክፍሊ ሕብረተሰብ ብፍሉይ ንምድጋፍ ዘብቅዕ ዓለም ሓቆፋዊ ስልቲ ኣገዳሲ እዩ እንክብሉ ከምዘተሓሳሰቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ናይ ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ናብ ዓለም ሓቆፍ ዋዕላ ዛዕባ አባቢ ኣየር
ናይ ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ናብ ዓለም ሓቆፍ ዋዕላ ዛዕባ አባቢ ኣየር

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይቲ ናይ ቅላላው ከባቢ ኣየር ሳዕቤናት ንምንካይን ንምልዛቡን ዝግበር ጻዕሪ ናይ ሕይወትን ጥዕናን ንዅሉ ናይ ስራሕ ዕድል ንምፍጣርን ኵነታት ዓለም  ዘመሓይሽን ሓድሽ ናይ ልምዓት መደባት ዘተባብዕ ዕድል እውን እዩ፡ እንክብሉ ብስም ቅዱስ ኣቦና፥ ዓለም ሓቆፍ ሓድሽ ናይ ልምዓት መደብ ክነቓቕሕ ከምእተላበዉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥


ብጹዕነቶም ኣብቲ ካብ ዕለት 25 ጥሪ ክሳብ ዕለት 26 ጥሪ 2021 ዓ.ም. ብመረብታዊ ውሕዘት ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ ምልስ ቢሎም እቲ ኣብ ወርሒ መስከረም 2019 ዓ.ም. ኣብ ኒው ዮርክ ዝተኻየደ ዓለም ሓቆፍ ዋዕላ ዘኪሮም፡ ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ይሴባሕ ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቲ ጠቒሶም፥ ምዝባዕን ቅልውላውን ከባቢ ኣየር ዘስዕቦ ማሓድሮኣውን ማሕበራውን ኤኮኖሚያውን ፖለቲካውን  ኵሉ ናይ ተፈጥሮ ጸጋ ተጠቓሚ ክኸውን ኣብ ልዕሊ ዝግበር ጻዕሪ ዘስዕቦ ጸገም ንጹር እዩ፡ ስለዚህ ንመላእ ሰብኣዊ ፍጥረት ዝምልከት ብድሆ ብምዃኑ  ዓለም ለኻዊ መልሲ ይጠልብ ከምዝበሉ ኣፍሊጡ።

ናይ ከባቢ ተፈጥሮ ኣየር ዝብክል ጋዝ ምንካይ

ናይ ተፈጥሮ ከባቢ ኣየር ዝብክል ጋዝ ንምንካይ ዝግበር ጻዕሪ እደ ጥበባዊ ጉዳይ ዝምልከት ጥራሕ ዘይኮነ ናይ ኣህልኾን ሕንጸትን ናይ ሕይወትን ኣገባባት ዝምልከት ጉዳይ እውን እዩ፥ ስለዚህ እቲ በካሊ ኣየር ንምንካይ ዝሳለጡ ዘለዉ ንፍጠታት ኣገዳሲ እውን እንተኾነ እኹል ግና ኣይኮነን፥ ቆራጽ ውሳኔን ብርቱዕ ድላይን ዝሓትትን ተግባራውነት ዝጠልብ እዩ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

እዚ ጉዳይ እዚ ግብረ ገባዊ ግዴታ ምዃኑ እውን ኣተሓሳሲቦም፥ ብዙሕ እዋን እቲ ምዝባዕ ከባቢ ኣየር ዘስዕቦ ጸገም ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ብከላ ኣየር ትሑት ግደ ዘለዎም ክነሶም ብዝለዓለ ደረጃ ዝጉድኡ ተኣፋፍያን ክፍሊ ሕብረተሰብ እያቶም፡ ምኽንያቱ ምስቲ ዝወርድ ቅልውላው ናይ ምልዛብ ዓቕሞም ዝተሓተ ብምዃኑ። ነዚ ዅሉ ጸገም ኣብ ግምት ብምእታው ንነዊሕ ዝጥምትን ብኹሉ ተቐባልነት ዘለዎ ዓለም ሓቆፍ ሜላ ምቕራብ የድሊ፥ ብከላ ከባቢ ኣየር ንኽውገድ ዝድድግፍ ድኽነት ንምውጋእ ዘተባብዕ ሓድሽ መደብ ልምዓት ምንቅቓሕ ህጹጽ ጉዳይ እዩ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ብሓባር እምበር ብበይናውነት ዝፍጸም ጻይሪ ኣይኮነን

ብጽዕነቶም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ነቲ ብኮቪድ - 19 ምኽንያት ኣጋጢሙ ዘሎ ቅልውላው ጥዕና እናሓሰቡ እዚ ለብዒ’ዚ ብውልቂ ብምዕያይ ዝዕተር ውጽኢት ከምዘየሎ የረጋግጸልናን ማንም ንበይኑ ከምዘይድሕን የረጋግጸልና እንክብሉ  ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ወርሒ መስከረም ንናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ናይ ሃገራት መራሕቲ ዓውደ ኣኼባ ዘስምዕዎ መደረ ጠቒሶም፥ ኣብ ቅድሚ ክልተ ተኻኣሊ ምርጫታት ፊት ንርከብ፡ እቲ ቐዳማይ ኣብ ምትሕብባርን ፍትሕን ሰላም ንምዕታር ዝድግፍን ሰብኣዊ ስድራ ቤት  ዘተባብዕን ንዝተሓደሰ ዓለምን ናይ ሓባር ሓላፍነት ዝብል ብዝሓ ጉድናውነት ምጽናዕ ዝብል ምርጫን፡ ዓለም ናይ እግዚኣብሔር ስራሕን መደብን ምዃኑ ዘመላኽት ኮይኑ፡  እቲ ካልኣይ መገዲ ኸኣ ውልቃውነትን  በይናውነትን ርእሰ ብቕዓትን ብሔርተይናነትን ንመላእ ማሕበረሰብ ዓለም ዘዕንው ምርጫ ከይዕብልል ዝብል ምዃኑ ኣብሪሆም፡ ዘስምዕዎ መደረ እንከጠቓልሉ፥ ዓለም ሓቆፍ ምትሕብባር ክድንፍዕን ተቐባልነት ዘለዎ ብከላ ናይ ተፈጥሮ ኣየር ከይህሉ ዝድርኽ ነቲ ዘሎ ክንክይ ዝገብር ናይ ድኻታትን ተኣፋፍያን ክፍሊ ሕብረተሰብ መነባብሮ ክመሓየሽ ዝገብር ፍትሓዊ ኣገባብ ዝኽተል  መደብ ልምዓት ምኽዋን ኣገዳሲ እዩ ቢሎም፥ እዚ ኣብ ግብሪ ንምውዓል  ከቢድ እውን እንተመሰለ ብቕዓትን ነጻነት ፍልጠትን ዝተዓደልና ኢና፥ ስለዚህ ብቕዓትን ፍልጠትን ንናይ ሰብኣውን ማሕበራውን ኵለንተናዊ ምሉእ ምዕባለ ዝድግፍ ኸውን ኣለዎ፡ ካልእ ኣማራጺ የብልናን፥ ብሓባር ናይ ሓባር ቤትን ኣብ ምክንኻን ንትጋህ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

26 January 2021, 16:27