ድለ

ናይ ክርስቲያን ሓድነት ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መነበር ብጹዕ ካርዲናል ኩርት ኮኽ ናይ ክርስቲያን ሓድነት ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መነበር ብጹዕ ካርዲናል ኩርት ኮኽ 

ኮኽ፥ ካብ ናይ ምግምማዕ ታሪኽ ናይ ዕርቂ ታሪኽ ክውለድ ዝከኣል እዩ

ዝበልዎ “እቲ ዘገድስ ኣብ ፍልያት ካብዚ ሓሊፉ እውን ኣብቲ ዘገራጭው ነቲ ዘዋህድ ምንዳይን በዚ ኣገባብ’ዚ ብሓባር እቲ ንኽልትኤን ኣቢያተ ክርስትያን ዝፈላልይ ኣብ ምስጋሩ ክዓያ” ዝዕድም

ናይ ክርስቲያን ሓድነት ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር እቲ ኣብ 1999 ዓ.ም. ዛዕባ ጠመቓዊ ትምህርቲ ጽድቂ ዝምልከት ኣብ መንጐ ካቶሊካዊትን ሉተራናዊትን ቤተ ክርስቲያን ዝተበጽሔ ናይ ሓባር ናይ ስምምዕ ሰነድ፥ ዕለት 3 ጥሪ 2021 ዓ.ም. ንንባብ ዝበቕዔ ሓድሽ ሕትመት ኣመልኪቶም ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ናይቲ ሰነድ ትርጉሙን ኣገዳስነቱን ብሰፊሕ ኣብሪሆም፡ ኣብቲ ንሓድነት ዝግበር ናይ ሓባር ጉዕዞ ሓድሽ ናይ ሓባር ጻዕሪ ዘመላኽክት እዩ ይብሉ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ሰነድ ኣብ መንጐ ካቶሊካውያንን ሉተራናውያንን ነቲ መሰረታዊ ምኽንያት ምግምማዕ ዝኾነ ናይ ድሕነት ሕቶ መስቀላዊ ጉዳይ ንምስጋር ዝድግፍ ናይቲ ናይ ሓባር ዘተ ትእምርቲ ምዃኑ ናይ ክርስቲያን ሓድነት ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መነበር ብጹዕ ካርዲናል ኩርት ኮኽ ኣዘኻኺሮም፡ ታሪኽ ምሕኻኽ ወይ ከምዘይነበረ ምግባር ዘይከኣል እዩ፡ እቲ ታሪኽ ግን ክፍሊ ናይ ዕርቂ ታሪኽ ምግባር ይከኣል፡ ካብቲ ዘሕዝን ታሪኽ ንመጻኢ ከሕዊ ዝኽእል ታሪኽ ንኽትሰርሕ መጋበርያ ገርካ ክትጥቀመሉ ብስለት እዩ፡ እቲ ሓድሽ ሕትመት ናይ ሓባር ናይ ስምምዕ ውሳኔ ኣብ ዝተፈላለየ ናይ ዝኽርታት ማዕቅፍ ዝተነብረን፡ ብፍላይ ኣብ ናይ ሉታራናዊት ቤተ ክርስቲያን ታሪኽ ዝምልከት እቲ ብኑዛዜ ኣውጉስታ ዝፍለጥ - ናይ ሉተራናውነት ቲዮሎግያዊ መትከል ወግዓዊ ዝኾነሉ ኣብ 2030 ዓ.ም. ዝዛዘም ዝኽሪ መበል 500 ዓመት ቅዋሜ ዝሳዃዕ ክኸውን እንከሎ፡ ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ዝበልዎ “እቲ ዘገድስ ኣብ ፍልያት ካብዚ ሓሊፉ እውን ኣብቲ ዘገራጭው ነቲ ዘዋህድ ምንዳይን በዚ ኣገባብ’ዚ ብሓባር እቲ ንኽልትኤን ኣቢያተ ክርስትያን ዝፈላልይ ኣብ ምስጋሩ ክዓያ” ዝዕድም እዩ።

“ድሕነት ብብቕዓትና ዘይኮነ ብጸጋን ብእምነት ኣብ ናይ ክርስቶስ ናይ ምድሓን ተግባር እዩ፡ ንእግዚኣብሔር ካብ ምቕባል ዝተዓደልናን መንፈስ ቅዱስ ዝተቐበልናን ኢና” እቲ ዝነበረ ዘይምርድዳእ ዝፈትሕ ናይ ሓባር መልሲ እዩ፡ እዚ ስምምዕ’ዚ ብሓፈሻኡ እቲ ኣብ መንጐ ሉተራንን ካቶሊካዊትን ቤተ ክርስቲያን ዝተበጽሔ ኣብ 1999 ዓ.ም. ድሕሪ እቲ ኣብ መንጐ ካቶሊካዊትን ሉተራናዊትን ቤተ ክርስቲያን ዝተበገሰ ናብ ሓድነት ዘቕንዔ ናይ ሓባር ዘተን ኣብ ዝተበጽሑ ናይ ሓባር ስምምዓትን ካልኦት ማሕበረሰብ ኣቢያተ ክርስቲያን - መጠዶሳውያንን ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ካልኦት ሓዳስያ ኣቢያተ ክርስቲያንን ከምዝሓበራን፡ ነቲ ዝተበጽሔ ናይ ሓባር ናይ ስምምዕ ውሳኔ ምስጋና ይኹን ዝነበሩ ክትዓት ከምእተሰግሩ የመላኽቱ።

12 January 2021, 16:44