ድለ

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ሽወደን ጥቅምቲ 2016 ዓ.ም. ምስ ሉተራናውያን ኣብ ናይ ሓባር ጸሎት ር.ሊ.ጳ. ኣብ ሽወደን ጥቅምቲ 2016 ዓ.ም. ምስ ሉተራናውያን ኣብ ናይ ሓባር ጸሎት 

ካቶሊካውያንን ሉተራናውያንን ኣብ ናይ ሓድነት ጉዕዞ ብሓባር ይስጉሙ

ር.ሊ.ጳ. ፍራቸስኮ ዕለት 31 ጥቅምቲ 2016 ዓ.ም. ኣብ ሽወደን ከተማ ሉንድ . . . “ብዘተን ብናይ ሓባር ምስክርነትን ኣቢልና ንሓድ ሕድና መጻእተይናታት ገይርና ከይተረኣኣና ካብቲ ዝፈላልየና እቲ ዘሕብረና እዚዩ ዓቢይን ክቡርን ምዃኑ ንኸነስተውዕል በቒዕና ኢና”

እቲ ኣብ 1999 ዓ.ም. ዛዕባ ጠመቓዊ ትምህርቲ ጽድቂ ዝምልከት ኣብ መንጐ ካቶሊካዊትን ሉተራናዊትን ቤተ ክርስቲያን ዝተበጽሔ ናይ ሓባር ናይ ስምምዕ ሰነድ፥ ሓድሽ ሕትመት ዕለት 3 ጥሪ 2021 ዓ.ም. ከምዝቐረበን እቲ ሰነድ ኣብ መንጐ ካቶሊካውያንን ሉተራናውያንን ነቲ መሰረታዊ ምኽንያት ምግምማዕ ዝኹነ ናይ ድሕነት ሕቶመስቀላዊ ጉዳይ ንምስጋር ዝድግፍ ወሳኒ ናይቲ ናይ ሓባር ዘተ ትእምርቲ ምዃኑ ናይ ክርስቲያን ሓድነት ዝነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ኣቡነ ፋረል ብዛዕባ እቲ ሓድሽ ሕትመት ኣመልኪቶም ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት የመላኽቱ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብቲ ዕለት 31 ጥቅምቲ 1999 ዓ.ም. ኣብ ፈደራላዊት ጀርመን ከተማ ኣውጉስታ ናይ ካቲሊካውያንን ሉተራናውያንን፥ “ድሕነት ብናይ ገዛእ ርእስና ክብርን ብቕዓትን ዘይኮነ ብጸጋን እምነትን ኣብ ናይ ክርስቶስ ናይ ምድሓን ዕዮን እዩ” ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ ጥሙር ናይ ካቶሊካውያንን ሉተራውያንን ዛዕባ ጽድቂ ጠመቓዊ ትምህርቲ ናይ ሓባር ናይ ውሳኔ ናይ ስምምዕ ሰነድ ከምእተፈረመ ክዝከር እንከሎ፡ ድሕሪ ዕስራ ዓመት እቲ ናይ ሓባር ናይ ስምምዕ ናይ ውሳኔ ሰነድ ተሓዲሱ ብቋንቋ ጣልያን ተተርጉይሙ ተሓቲሙ ዕለት 3 ጥሪ 2021 ዓ.ም. ብወግዒ ንንባብ ከምዝበቐዔ ናይ ክርስትያን ሓድነት ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽርን ዓለም ሓቆፍ ሉተራናዊ ፈደራላዊ ማሕበርን ኣፍሊጦም። እዚ ኸኣ እቲ ዝተበጽሔ ናይ ሓባር ስምምዕ ካቶሊካውያንን ሉተራውያንን ኦለት 3 ጥሪ 1521 ዓ.ም. ኣብ ልዕሊ ማርቲን ሉተር ውግዙ ዝብል ድንጋጌ ኣብ ዝዝከረሉ መበል 500 ዓመተ ሓደ ንምዃን ኣብ ዝገብርዎ ጉዕዞ ዘሰንይ ከምዝኾነ ኣብቲ ናይ ሓባር መግለጺ ይንበብ። እቲ ውጉዝ ኣንተ ዝብል ኣብ ልዕሊ ማርቲን ሉተር ዝተደንገገ ውሳኔ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ 2016 ዓ.ም. ኣብ ሽወደን ምብጻሕ ኣብ ዘካየድሉ እዋን ብወግዒ ኣብ ልዕሊ ማርቲን ሉተር ውግዙ ዝብል ድንጋጌ ጌጋ እዩ ቢሎም ይቕረታ ከምዝሓተቱ ዝዝከር እዩ።

ኣብ ዓውዲ ፍልልያት ዘራኽብ ምንዳይ

ኣብቲ ብቋንቋ ጣልያን ዝወጸ ሓድሽ ሕትመት ናይ ሓባር ናይ ስምምዕ ሰነድ መቕድም ናይ ክርስቲያን ሓድነት ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብጹዕ ካርዲናል ኩርት ኮኽን ናይ ሉተራናዊት ቤተ ክርስቲያን ፈደራላዊ ጥምረት ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ማርቲን ዩንገ፥ “ነቲ ናይ ምግምማዕ ታሪኽ ክንሓኮ ዘይከኣል እዩ፡ እቲ ዘገድስ እቲ ናይ ምፍልላይ ታሪኽ ንገዛእ ርእሱ ክፍሊ ናይ ዕርቂ ታሪኽ ምግባር እዩ” ዝብል ሓሳብ ከምዘስመሩሉን፡ እቲ ሓድሽ ሕትመት ናይ ሓባር ናይ ስምምዕ ውሳኔ ኣብ ዝተፈላለየ ናይ ዝኽርታት ማዕቅፍ ዝተነብረን፡ ብፍላይ ኣብ ናይ ሉታራናዊት ቤተ ክርስቲያን ታሪኽ ዝምልከት እቲ ብኑዛዜ ኣውጉስታ ዝፍለጥ - ናይ ሉተራናውነት ቲዮሎግያዊ መትከል ወግዓዊ ዝኾነሉ ኣብ 2030 ዓ.ም. ዝዛዘም ዝኽሪ መበል 500 ዓመት ቅዋሜ ዝሳዃዕ ክኸውን እንከሎ፡ “እቲ ዘገድስ ኣብ ፍልያት ካብዚ ሓሊፉ እውን ኣብቲ ዘገራጭው ነቲ ዘዋህድ ምንዳይን በዚ ኣገባብ’ዚ ብሓባር እቲ ንኽልትኤን ኣቢያተ ክርስትያን ዝፈላልይ ኣብ ምስጋሩ ክዓያ” ይላበዉ።

ካልኦት ኣቢያተ ክርስትያን እውን ኣብቲ ናይ ሓባር ናይ ውሳኔ ሰነድ ይሓብራ

“ካቶሊካውያንን ሉተራናውያንን ኣብ ጉዳና ዕርቂ ዝጀመርናዮ ናይ ሓባር ጉዕዞ” ይብሉ ር.ሊ.ጳ. ፍራቸስኮ ዕለት 31 ጥቅምቲ 2016 ዓ.ም. ኣብ ሽወደን ከተማ ሉንድ ብምኽንያት ዝኽሪ መበል 500 ዓመት ውግዘት ማርቲን ሉተር ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣካይዶም፡ ብሓባር ምስ ሉተራናዊት ቤተ ክርስቲያን ኮይኖም ኣብ ዝተሰናደወ መንፈሳዊ በዓል ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ ቃል - “ብዘተን ብናይ ሓባር ምስክርነትን ኣቢልና ንሓድ ሕድና መጻእተይናታት ገይርና ከይተረኣኣና ካብቲ ዝፈላልየና እቲ ዘሕብረና እዚዩ ዓቢይን ክቡርን ምዃኑ ንኸነስተውዕል በቒዕና ኢና” ዝብል ሓሳብ ምስ ሉተራናውያን ኮይኖም ብሓባር ከምዘቃልሕዎን ኣብቲ እዋን እውን እቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ውጉዝ ኣንተ ቢላ ኣብ ልዕሊ ማርቲን ሉተር ዘንበረቶ ድንጋጌ ናይ 1521 ዓ.ም. ውሳኔ ዘኪሮም፡ ተጋጊና ኢና ብስም ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ይቕረታ ከምዝበሉ፡ እዚ ኸኣ ነቲ ከማና ሓደ መታን ክኾኑ ዝብል ናይ ኢየሱስ ጸሎት ካብቲ ምግምማዕ ዝሓየለን ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ተበጻሒ ክኸውን ኣብ ዝብል ናይ ሓባር ድላይን ጸሎትን ብምሕባር ምዃኑ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ኣብ ዓውዲ ምሕዝነት ዝቕጽል ዘሎ ናይ ሓባር ዘተ

ካብ 1999 ዓ.ም. ድሕሪ እቲ ኣብ መንጐ ካቶሊካዊትን ሉተራናዊትን ቤተ ክርስቲያን ዝተበገሰ ናብ ሓድነት ዘቕንዔ ናይ ሓባር ዘተን ኣብ ዝተበጽሑ ናይ ሓባር ስምምዓትን ካልኦት ማሕበረሰብ ኣቢያተ ክርስቲያን - መጠዶሳውያንን ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ካልኦት ሓዳስያ ኣቢያተ ክርስቲያንን ከምዝሓበራን፡ ነቲ ዝተበጽሔ ናይ ሓባር ናይ ስምምዕ ውሳኔ ምስጋና ይኹን ዝነበሩ ክትዓት ከምእተሰግሩ ናይ ክርስቲያን ሓድነት ዘነቓቕሕ ጳጳስዊ ቤት ምኽሪ ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ኣቡነ ብራይን ፋረል ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ሓቢሮም፥ ቅድሚ 500 ዓመት እቲ ኣብ መንጐ ሉተርንን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ክርስቶስ ብኸመይ የድሕን ዝብል ሕቶ፥ ማለት ድሕነት ብጸጋ ክርስቶስ እዩ ወይ ከኣ ሓጥኣን ክርስቲያን ብሰናይ ምግባሩ ይድሕን ዝብል ቲዮሎጊያዊ ኣመለኻኽታ፡ ሎሚ ኣብቲ ጠመቓዊት ትምህርቲ ዛዕባ ጽድቂ ዘርእስቱ ናይ ሓባር ናይ ስምምዕ ሰነድ ተሰጊሩ እዩ። ብፍላይ ከኣ “ድሕነት ብብቕዓትና ዘይኮነ ብጸጋን ብእምነት ኣብ ናይ ክርስቶስ ናይ ምድሓን ተግባር እዩ፡ ንእግዚኣብሔር ካብ ምቕባል ዝተዓደልናን መንፈስ ቅዱስ ዝተቐብልናን ኢና” ብዝብል ሓሳብ ምዃኑ የመላኽቱ።

እቲ ሓድሽ ሕትመት ዘድለየሉ ምኽንያት፥ ብወገን ካቶሊካዊት ቤተ ክስቲያንን ሉተራናዊትን እቲ ናይ ሓባር ናይ ስምምዕ ሰነድ ኣብ ቀዳማይ ሕትመት ኣብ ኣተረጓጉማ ዝተፈጥረ ጸገም ከምዝነበረ ርዱእ ምስ ኮነ። ብሓባር ነቲ ከማትእ ዝኽእል ሓሳብ ብትኽክል ንምትርጓም ስለ ዝተደልየ ብሓባር ብጥልቂ ብምምርማር ተኣሪሙ ዝቐረበን እቲ ናይ ሕድ ሕዳዊ ምውግጋዝ ከምእተለዓለን ስለዚህ ናብ ሓድነት ኣብ ናይ ሓባር ጉዕዞ ከምእንርከብ ዘመላኽት እዩ እንክብሉ የብርሁ።

ንፕሮተስታንነት ብጋሴ ዝደረኸ ኩነት ዝኽሪ መበል 500 ዓመት ኣብ ዝሕሰበሉ እዋን ንርከብ፡ ኣብ 2016 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብሓባር ምስ ሉተራናውያን ዝኽሪ መበል 500 ዓመት ቅዋሜ ናይ ሕዳሴ ቤተ ክርስቲያን - ሉተራናዊ ምኽንያት ናብ ሽወደብ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣካይዶም ብሓባር ምስ ሉተራናውያን ኣብ ዝተኻየደ ናይ ሓባር ናይ ሊጡርጊያ ስነ ስርዓት ዘኪሮ፡ ብሓቂ ናይ ምርድዳእን ምቅርራብን ምሕዝነትን ህሞት ከምዝነበረ ብጹዕነቶም ኣዘኻኺሮም፡ ቅድሚ 500 ዓመት ር.ሊ.ጳ. ሊዮነ ማርቲን ሉተር ካብ ሓሳቡ ክምለስን ነቲ ዘቕረቦ ጽሑፋት ክኽሕድ ኣተሓሳሲቦሞን ምስ ኣብቅዑ ሉተር እውን ሓሳቦም ከይተቐበሎ ምስ ተረፈ ውጉዝ ከምዝበልዎን እዚ እዩ እቲ ዝኽሪ መበል 500 ዓመት፡ እዚ ኹሉ ተሰግሩ ቀስ ብቐስ ብናይ ሓባር ጸሎትን ምርድዳእን ይቕረ ብምብህሃልን ብፍላይ ብናይ ሓባር ጠመቓዊ ውሳኔታትን ናብ ሓድነተ ዝግበር ጉዕዙ ይቕጽል ኣሎ፡ ጐይታ ብዝበለጸ ንኽንቀራረብ ብርሃኑን ሓይሉን ይጸግወና እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

08 January 2021, 22:32