ድለ

ቅዱስ ኣቦና ምስ ህዝበ እግዚኣብሔር ቅዱስ ኣቦና ምስ ህዝበ እግዚኣብሔር 

ችዘርንይ፥ ሲኖዶሳውነት ናይ ኤቅለሲያዊ መንነት መሰረታዊ ተክለ ሰብነት እዩ

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ጭቡጥ ኩነት ከንብሮ ዝብል ድሮ ዝተሰርሑ ሚሳላት የብሎምን፡ ወይ ወን ህልዮኣዊ መደብ የብሎምን ኣብ ጠረጴዛ ዝተሓንጸጸ ካብ ብጽሉ ኣሃዛዊ ጭብጥታት ካብ ዝቐርብ መግለጺ ዝነቕለ ሜላ እውን የብሎምን፥ ተግባሮም ወይ ዕዮኦም ካብ መንፈሳዊ ተመክሮን ጸሎትን ዝነቅል

ናይ ኵለንተናዊ ምሉእ ሰብኣዊ ምዕባለ ኣገልግሎት ናይ ዝከታተል ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ችዘርንይ “ሲኖዶሳውነት ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያንን ኣብ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ስልጣናዊ ትምህርትን” ብዝብል ኣርእስቲ ዘቕረብዎ በቲ ካቶሊካዊ ስልጣነ እተሰምየ ናይ ኢየሱሳውያን ልኡካነ ወንጌል ማሕበር ክልተ ሰሙናዊ መጽሔት ተሓቲሙ ንንባብ ናይ ዝበቕዔ ጽሑፍ ጽማሬ ከምዚ ዝስዕ ነቕርበልኵም፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ብርግጽ ሲኖዶሳውነት ናይ ኪደት ውሳኔ ዘይኮነ ናይ ኤቅለሲያዊ መንነት መሰረታዊ ተክለ ሰብነት እዩ”፥ እንክብሉ ብጹዕ ካርዲናል ሚካኤል ችዘርንይ ኣብ ዘቕረብዎ ጽሑፍ ሲኖዶሳውነት ቲዮሎጊያዊ ትርጉሙ ኣብሪሆን፥ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኵሎም ኣባላታ ናይ ሓባር ሓላፍነት ከምዘለዎም ዘመላኽትን ናይ መንፈስ ቅዱስ ህያባትን ዝተፈላለዩ ናይ ተልእኾ ኣገልግሎት ግቡእ ክብሪ ዝህብ ናይ ጥምረት ሕውነታዊ ፍቕሪ ትእምርቲ እዩ፡ ከምቲ ኣብቲ ‘ብርሃነ ኣህዛብ’ ዘርእስቱ ውሳኔ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ከምእነንብቦ፥ ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ህይወት፡ ኣገዳስነት ናይ ዓለማውያን ምእመናን ከምዘመላኽቶ እዩ፡ ብዘለዎም ሞያን ብቕዓትን ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ሓዋርያዊ ምሕደራ ክዋስኡ ዝብል እዩ፡ ጉባእያውነት ናይ ጳጳሳት ማዕርጋዊ ኣገልግሎት ብፍልዩ ይሕብር፡ ሲኖዶሳውነት ከምቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝብልዎ ናይ ሕዝበ እግዚኣብሔር ተሳትፎ ኣብ ኤቅለሳዊ መዋቕራት ጥራሕ ዘይኮነ ብጭቡጥ ኣብ ሱታፌ እውን ዝብል ምዃኑ የብርሁ።

ሲኖዶሳውነት ይብሉ ብጹዕነቶም፥ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ጠቒሶምን እግዚኣብሔር ኣብ ሳልሳይ ሺሓዊ ዘመን ዝጽበዮ ዝተገልበጠ ስርዓተ ሃረም (ፕይራሚድ) እዩ። ሕዝበ እግዚኣብሔርን ጉባኤ ኤጰስ ቆጶሳትን ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስን ዘሳንይ። እዚ ሓሳብ እዚ ኣብ “ናይ ወንጌል ሓሴት” ሓዋርያዊ ምዕዳንን ንቤተ ክርስቲያን ዝተሓደሰ ሓዋርያዊ ተልእኾ ዘነቓቕሕ ብዝብል ሓሳብ ተመልኪቱ ይርከብ። . . . ከምቲ ቅዱስ ጆን ሀንርይ ነውማን ዝብሎ፥ ቤተ ክርስቲያን ብዘይ ዓለማውያን ምእመናን ምሕሳብ ዓቢይ ጌጋ እዩ። ካብቲ ክህነታውነት ዝብል ኣመላኽኽታ ምልቓቕ የድሊ፡ ዓለማዊ ምእመን ተጸጋዒ ወይ ተኣዛዚ ካህናት ማለት ኣይኮነን።

ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ተልእኾ ናይ ሕዝበ እግዚኣብሔር ናይ ሓባር - ሓላፍነት፥ እቲ ኣብ 2018 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝደንገግዎ ኤጲስ ቆጶሳዊ ሱታፌ ዝብል ሓዋርያዊ ቅዋም፡ ናይ ምእመናን ንጡፍ ተሳትፎ የተሓሳስብ። እዚ ቅዋም’ዚ እቲ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዘንበሮ ኣምር ብጭቡጥ ዝትርጉም እዩ። እቲ ማእከል ሕዝበ እግዚኣብሔርን ጓሶትን ናይ ሮማ ጳጳስን ምስማዕ ዝብል ይኸውን። ጉባእያውነት ንሲኖዶሳውነት ኣገልግሎት እዩ።

ሲኖዶሳውነት ይብሉ ብጹዕ ካርዲናል ችዘርንይ - ንድኻታት ሓላፋ ዝብልን እዚ ኸኣ ስነ ሰብኣዊ ባህርይ ዘለዎ ዘይኮነስ ናብ ናይ እግዚኣብሔር ናይ ምድሓን ተግባር ዝመርሕ ቲዮሎጊያዊ ጉዳይ እዩ፡ ገርሄይና ቡቕባቔ ማለት ዘይኮነ ናይ ወንጌል ኣካል እዩ፡ እቲ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ቤተ ክርስቲያን ምሕዳስ ዝብል ኣገላልጻኡ ዝትግብር ምዃኑ ኣብሪሆም፡ . . . ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ድኻታትን ስደተይናታትን ተመዛበልትን ናይ ውሽጢ ሃገር ተመዛበልትን ድጋፍ ክረኽቡ ኣብ ምግባር ጥራሕ ከይተሓጸረ ናይ ኣስፍሆተ ወንጌል ኣካል ምዃኖም ምፍላጥ የድሊ እንክብሉ ከምዝገለጽዎ እዩ፡ ድኻታት ክንክን ዘድልዮም ናይ ህዝበ እግዚኣብሔርን ኣካልን ናይ ገዛእ ርእሶም ናይ ናጽነት በዓል ቤት እውን እያቶም። . . . ብኽርስቶስ ክትውንገል ምፍቃድ ማለት እዩ። ንድኻ ምባል ንኽርስቶስ ተዛረበኒ ምባል ማለት እዩ።

ምክንኻን ናይ ሓባር ቤትናን ናይ እግዚኣብሔር ፍጥረትን ተፈጥሮን ማሓድሮ ምክንኻን ንድኻታት ፍሉይ ቆላሕታ ምግባር፡ ዝተተሓሓዘ ጉዳይ እዩ። ኵሉ ዝተተሓሓዘ እዩ፡ ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብታ “ይሴባሕ” ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቶም ከም ዝብልዎ እውን ምዃኑ ብጽዕ ካርዲናል ችዘርንይ ኣብሪሆም፥ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ሲኖዶሳውነት ክዓብይ መታን ቅድም ቀዳድም ሓቛፊ ሱታፌ ብምሕሳብ ምልዋጥ የድሊ፥ ንዅሉ ሕዝበ እግዚኣብሔር ዝሓቁፍ፡ ብፍላይ ንድኻታት ሓላፋ ዝብል፡ ብዘይ ሕድ ሕዳዊ ምቅብባል እቲ ንሱታፌ ዕላማ ገይሩ ዝቖመ ኤቅለሲያዊ ናይ ሱታፌ መዋቕር ኵሉ ነቲ ዕላማኡ ዘይብቑዕ ከይኮነ እዩ ዝተርፍ ይብሉ . . . ።

ኣብ መወዳእታ ብጹዕነቶም ኣብ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ዕዮ/ተግባር ኣገባብ ኣማእኪሎም፥ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ጭቡጥ ኩነት ከንብሮ ዝብል ድሮ ዝተሰርሑ ሚሳላት የብሎምን፡ ወይ ወን ህልዮኣዊ መደብ የብሎምን ኣብ ጠረጴዛ ዝተሓንጸጸ ካብ ብጽሉ ኣሃዛዊ ጭብጥታት ካብ ዝቐርብ መግለጺ ዝነቕለ ሜላ እውን የብሎምን፥ ተግባሮም ወይ ዕዮኦም ካብ መንፈሳዊ ተመክሮን ጸሎትን ዝነቅል፡ ኣብ ዘተን ኣብ ምኽክርን ኣብቲ ስቓይን ተኣፋፍነትን ኢፍትሓውነት ኣብ ዝርኣየሉ ኵሉ ጭቡጥ መልስታት ካብ ምቕራብን ዝብል እዩ፡ . . . ህዝበ እግዚኣብሔር ጽን ካብ ምባል፡ ብፍላይ ናይ ድኻታትን ናይ ዝተናዕቁን መሬትን ገዓር ጽን ካብ ምባል፡ ንናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ማሕበረሰብኣዊ ጠመቓዊ ትምህርቲ ዝውከስ፡ ናይቲ ክገሃስ ዘብሉ ናይ ሰብኣዊ ክብርን ናይ ተፈጥሮ ጸጋ ምክፋልን ቀዳምነት ምትሕብባርን ናብ ሰላም ዘማዕድው ዘተን ምክንኻን ናይ ሓባር ቤትናን ዝብል ምዃኑ ኣብ ዘቕረብዎ ጽሕፉ መደምደምታ ብሰፊሕ ከምዘብርሁ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

02 January 2021, 21:36