ድለ

ናይ ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ዝሓልይ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ሪኖ ፊሲከላ ናይ ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ዝሓልይ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ሪኖ ፊሲከላ 

ናይ ር.ሊ.ጳ. ግብረ ሰናይ፥ ሓገዝን ናይ ኾረና ተህዋስ ሕክምና ኣገልግሎት ንድኻታትን

ዕለት 15 ሕዳር ተዘኪሩ ዝውዕል ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ድኻታት መሰረት ናይ ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ዝሓልይ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ሪኖ ፊሲከላ ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ

ብጹዕ ኣቡነ ሪኖ ፊሲከላ ዕለት 12 ሕዳር 2020 ዓ.ም. ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ብምኽንያት ዕለት 15 ሕዳር ተዘኪሩ ዝውዕል ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ድኻታት ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ በታ ዕለት እቲኣ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ በማኢት ዝቑጸሩ ምእመናን ዘሳተፈ መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉን መግብን ናይ ኣፍን ኣፍንጫን መሸፈንን ዝኣመሰሉን ዝተፈላለየ ድጋፍ እውን ንድኻታት ኣባይቲ ስድራ ክልግሱን ምዃኖም ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ከም ዝሓበሩ ልእኽቲ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ደቦራ ዶኒኒ ኣፍሊጠን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ሃገረ ቫቲካን ወትሩ ንጐሆ ካብ ሰዓት ሸሞንተ ክሳብ ሰዓት ክልተ ብናይ ሓዋርያዊ ሓልዮ ምጽዋት ንግዳም ሓደርን ድኻታትን በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ኮቪድ - 19 ዘድሊ ናይ ሕክምና መርመራ ክረኽቡ ዘኽእሎም መደብ ግብረ ሰናይ ክንክን ጥዕና ይካየድ ከምዘሎን እዚ ነቲ ዕለት 15 ሕዳር ተዘኪሩ ዝውዕል ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ድኻታት ቅርበትን ድጋፍን ዝገልጽ ጭቡጥ ፍጻሜ ከምዝኾነን ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት እውን በታ ዕለት እቲኣ ቅዱስ ኣቦና ብሓባር ምስ ድኻታትን እቶም ንድኻታት ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ዘቕርቡ ሓኻይምን ሰብ ሙያ ክንክን ጥዕናን ናይ ምሳሕ መኣዲ ከምእተቛደሱ ዝዝከር እዩ።

መደብ መስዋዕተ ቅዳሴ ዕለት 15 ሕዳር

ዕለት 15 ሕዳር ተዘኪሩ ዝውዕል ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ድኻታት መሰረት ናይ ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ዝሓልይ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ሪኖ ፊሲከላ ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ዕለት 12 ሕዳር ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ተረኺቦም ኣብ ቅድስቲ መንበር ንናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ዜና ማዕከናት ልኡኻን ጋዜጠይናታትን ብመረብታዊ ውሕዘት ዝተደገፈ ጋዜጣዊ መግለጺ ከምዝሃቡን ቅዱስ ኣቦና ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ክሳብ ሚእቲ ዝግመቱ ዝተነጸሉን ድኻታትን ግዳም ሓደርን ኣለይቶም ናይ ግብረ ሰናይ ወለንተይናታት ዘሳተፈ መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉ ከምዝኾኑን፡ እቲ መስዋዕተ ቅዳሴ ብቐጥታ ብናይ ኢጣሊያ ራይ ኡኖ ብእተሰምየ መደብር ተለቪዥንን ቲቩ2000 ብእተሰምየ ናይ ኢጣሊያ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ተለቪዥን ጣቢያን ተለፓቸን ብእተሰምየ ናይ ሃገረ ቫቲካን ናይ ተለቪዥን ጣቢያ ብቐጥታን ብዜና ቫቲካን ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ ብመረብታዊ ውሕዘት ክመሓላለፍ እውን ምዃኑ ከምዝገለጹ ዶኒኒ ኣፍሊጠን።

ነፍሲ ወከፍና ናይ ካልኦት ሓልፍነት ኣሎና

ብጹዕ ኣቡነ ፊዚከላ ኣገዳስነት ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ድኻታትን ብጋሴኡን ኣማእኪሎም ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣውዊ መግለጺ ብሓጺሩ፥ ኣብ መበል 33 ሰንበት ብስርዓት ሊጡርጊያ ላቲን ተራ መርሓ ሊጡርጊያ ተዘኪሩ ክውዕል ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምሕረትን ሓሳርን ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ምዝዛም ዓመተ ምሕረት ኢዮበልዩ ኣብ 2016 ዓ.ም. ብዘመሓላለፍዎ ሓዋርያዊ መልእኽቲ ኣቢሎም ክቐውም ከምዝገበሩ ገሊጾም፥ ናይ ለምዘበን ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ድኻታት መርሕ ቃል ካብ መጽሓፈ ሲራክ ዝተወስደ “ንድኻታት ኣእዳውካ ዘርግሕ” ዝብል ቃል ምዃኑ ዘኪሮም` ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ “እዚ እንነብረሉ ዘሎና እዋን ንሓድ ሕድና ተደለያየይቲ ምዃንና ንኸነስተውዕል ሓለፋ ዘለዎ እዋን እዩ፡ ነፍሲ ወከፍና ናይ ካልእን ናይ እንነብረሉ ከባብን ሓላፍነት ዘሎና ከምዝኾንና ዘተሓሳስበናን እዚ ርክብ እዚ እውን ብጭቡጥ ንኽንነብሮ ዘዘኻኽረና ግዜ እዩ” እንክብሉ ዘስመሩሉ ሓሳብ ጠቒሶም፡ መዓልቲ ድኻታት ነዚ ተራኽቦነትን ተማራዃስነትን ንኽንበር ዝዕድም እዩ ከምዝበሉ ዶኒኒ ኣፍሊጠን።

ቅዱስነ ኣቦና ኣብዚ እዋን’ዚ ብፍላይ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ኮቪድ - 19 ምኽንያት ንዝተፈላለያ ድኻታት ሃገራትን ሕዝበንን ኣብ ከተማታት ንዝርከቡ ድኻታትን ቅርበቶም ብምርግጋጽ ዝተፈላለዩ ኮቪድ - 19 ንምብዳህ ኣብ ዝግበር ዘሎ ኣቕርቦት ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ነቶም ዝተረስዑን ኣብ ድኽነት ንዝርከቡን ዝተፈላለየ ጭቡጥ ድጋፍ ከምዘቕረቡን ዘዘኻኸሩ ብጹዕ ኣቡነ ፊዚከላ ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ምስ ናይ ኢጣሊያ መራሔ መግንስቲ ጁዘፐ ኮንተን ምስ ናይ ዞባ ላዚዮ ርእሰ ክፍለ ሃገር ኒኮላ ዚንጋረቲ ከምእተራኸቡን ብፍላይ ከኣ ኣብ 2025 ዓ.ም. ዝበዓለ ዓመተ ኢዮቤል ኣብ ዝምልከት ርእሰ ጉዳይ ከምእተመያየጡን ድሮ እውን ዘድሊ መደባት ክብገስ እዩ ከምዝበሉ ዶኒኒ ሓቢረን። 

13 November 2020, 17:59