ድለ

ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርክባት ጉዳይ ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ፓውል ሪቻርድ ጋላገር ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርክባት ጉዳይ ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ፓውል ሪቻርድ ጋላገር 

ጋላገር፥ ናይ ቫቲካን ናይ ስነ ክሌኣዊ ርክብ ሜላ ኣብ መንጐ ሃገራት ሰላም ተኻኣሊ ንምግባር

ቅድስቲ መንበር ኣብ መንጐ ሃገራት ናይ ሓባር ሰላማዊ ናብራ ክኡል ንኽኸውንን ኣብ መንጐ ኣሕዛብ እቲ ምእንቲ ንናይ ኵሉ ናይ ሓባርን ናይ ውልቅን ረብሓን ሓለፋ ዘለዎ ክኸውን መታን ናይ ዝድግፍ ጭቡጥን ስሉጥን ምትሕብባርን እውነተይና ምድግጋፍን ስምምዕን መዋቕራዊ ምትሕብባር መሰረት ዝኾነ ሕውነት ንምንቕቓሕ

ብምኽንያት ዝኽሪ መበል 40 ዓመት ክሌኣዊ ስምምዕ ቅድስቲ መንበርን ሃገረ ፐሩን ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርክባት ጉዳይ ዋና ጸሓፍ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ጋላገር ኣብ መሰረታዊ ትርጉም ናይ ሃገረ ቫቲካን ስነ ክሌኣዊ ርክብ ሜላ ዘማእከለ ሰፊሕ መደረ ከምዘስምዑን ሸቶን ዕላማን እቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ዝሰፍሕ ዘሎ ሸለልተይናነት ንምውጋድን ኣብ መንጐ ሕዝብታት ሕውነት ንምትብባዕን ዝብል ምዃኑ ከምዘብርሁ ልኡኽ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ዳቪደ ዲዮኒዚ ኣፍሊጦም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ቅድስቲ መንበር ስነ ክሌኣዊ ርክብ ሜላ ኩነታት ኣብ ምዕዛብን ወይ ውን ንመቐመጢ ወንበር ዋጋ ንምሃብን ዘይኮነ ከምኡ እውን ናይ ነቓፊ ሕልና ድምጺ ኣብ ምዃንን በቲ ከምኡ እዩ ዝግበርን ዝበሃልን ብዝብል ኩሉ ዝስዕቦ ሓፈሻዊ ካብ ዝመስል ወጻኢ ኣብ ምዃን ዝተርፍ ኣይኰነን፡ ክንየው ዝብል ምዃኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርክባት ጉዳይ ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ፓውል ሪቻርድ ጋላገር ብምኽንያት እቲ ዕለት 9 ሕዳር 1980 ዓ.ም.  ኣብ መንጐ ቅድስቲ መንበር ሃገረ ፐሩን ኣብ ርእሰ ከተማ ሊማ ዝተኸተመ ናይ ሓባር ክሌኣዊ ስምምዕ ምኽንያት ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ርክብ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ክኸውን እንከሎ፡ ቅድስቲ መንበር ኣብ መንጐ ሃገራት ናይ ሓባር ሰላማዊ ናብራ ክኡል ንኽኸውንን ኣብ መንጐ ኣሕዛብ እቲ ምእንቲ ንናይ ኵሉ ናይ ሓባርን ናይ ውልቅን ረብሓን ሓለፋ ዘለዎ ክኸውን መታን ናይ ዝድግፍ ጭቡጥን ስሉጥን ምትሕብባርን እውነተይና ምድግጋፍን ስምምዕን መዋቕራዊ ምትሕብባር መሰረት ዝኾነ ሕውነት ንምንቕቓሕ ከምዝኾነ ብሰፊሕ ከምዘብርሁ ዲዮኒዚ ኣፍሊጦም።

ኣብ ፍትሒ ዝጸንዔ ሰላም ዝድግፍ ስነ ክሌላዊ ናይ ርክብ ሜላ   

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ቅድስቲ መንበር፥ ኣብ ዓለም ሓቆፍ መድረኽ ጃንዳዊ ደሕንነት ውሑስ ንምግባር ዝንቀሳቐስ ዘይኮነ፡ ብፍላይ ኣብዚ ኣዚዩ ጽንኵር ኣብ ዝኾነ መዕለቢ ዘይብሉ ዘይምርግጋእን ብዝተፈላለዩ ምስሕሓባትን ግጭትን ምልኩት ኣብ ዝኾነ እዋን’ዚ፡ ሰላም ናይ ቅኑዕ ርክብን ማለት ናይ ዓለም ሓቆፍ ስርዓትን ሕግን ካብ ምኽብር መሰርታዊ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ካብቶም ንኡሳንን ዝተናዕቁን ገዛእ ርእሶም ናይ ምክልኻል ዓቕምን ብቕዓት ካብ ዘይብሎም ነቒሉ ካብ ምኽባር ዝብገስ ፍልዩ ናይ ሰላም ሚሳል እትድግፍ እያ” እንክብሉ ዝገለጽዎ ሓሳብ ብጹዕ ኣቡነ ጋላገር ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ዘኪሮም፥ ስለዚ “ኤቅለሲያ” ስነ ክሌኣዊ ርክብ ሜላ ዕማም፥ “ንዅሎም ጳጳሳትን ናይ ዝተፈላለያ ሰበኻታት ጳጳሳትን ምስ ናይ ሮማ ጳጳስ ዘዋህድ መጋበርያ እዩ፥ ር.ሊ.ጳ. እውን ምስቲ ናይ ሰብኣዊ ፍጥረት መንፈሳውን ንዋታውን ደጋዊ ክፍለ ከተማን ህልውናን ብጭቡጥ ንኽበጽሑ ዝድግፍ እውን እዩ”፡ ስለዚህ ናይ ቅድስቲ መንበር፥ ሕብረት ኤውሮጳን ናይ ማልታ ልኡላዊ ስርዓትን ሓዊስካ ብጠቕላላ ምስ 183 ሃገራት ክሌኣዊ ርክብ ከምዘለዋ ገሊጾም፡ ምስ ዝተፈላለያ ውስጠ-መንግስታውያን ተቕዋማትን ምስ ዝተፈላለያ ናይ ዓለም ሓቆፍ ማሕበራትን ኣብ ብዝሓ ጉድናውነት ዝጸንዐ ክሌኣዊ ርክብ ከምዘለዋ እውን ከምዝገለጹ ዲዮኒዚ ኣፍሊጦም።

ዓመጽን ግጭትን ኣቐዲምካ ንምክልኻን ከምኡ እውን ኣብ ድሕረ ግጭት መዳይ እውን ምዕያይ

ቅድስቲ መንበር ነቲ እትስከሞን ናብ ኵሉ ከተብጽሖ እትደልዮን እትዓየሉን ናይ ሰላም ሚሳል፡ እቲ ኵለን ሃገራት ኣብቲ ናይ ዓለም ሓቆፍ ናይ መሰልን ግቡእን ሰነድ ኣብ ዝገልጸኦ ፍካሬ ዝተርፍ ኣይኮነን፡ ምእንቲ ሰላም ምዕያይ ማለት ግቡእኻ ብምኽባር ኣብቲ ናይ ዓለም ሓቆፍ ናይ ደሕንነት ሕጊ ተዓጺኻ ምትራፍ ማለት ዘይኮነ ንሰላም ምዕያይ ማለት ነቲ ውግእን ዓመጽን ከለዓዕል ዝኽእልን ከምኡ እውን ኣድማዪ ውግእ ዳግም ከለዓዕሉ ዝኽእሉ ባህላውን ማሕበራውን ዓሌታውን ሃይማኖታውን ጠንቅታት ኣቐዲምካ ኣብ ምክልኻል መዳይ ምዕያይ ማለት እዩ፡ በዚ ምኽንያታ’ዚ ዓለም ሓቆፍ ሕጊ ዝኽሰት ውግእ ዘለዓዕሉ ውጥረትን ንምውጋድ ዘኽእሎ ናይ ሕጊ ተቕዋማትን ነዚ ዓይነት ሓደጋ ንምግታት መጋበርያ ዘለዎ ክኸውን ይግባእ፡ እዚ ኸኣ ናይ ስነ ክሌኣዊ ርክብ ሜላ ምብርታዕ እቲ ዝለዓለ መጋበርያ እዩ፡ ድሕሪ ዝኾነ ይኹን ዝተኸስተን ደሓር ዘብቅዔን ግጭት ዝፈጥሮ ፖለቲካውን ማሕበራውን ክስተት ምንባብን ናይ ሰላም ሰብኣዊ ማዕቅፍ ብትኽክል ምምልካት የድሊ ከምዝበሉ ዲዮኒዚ ኣፍሊጦም።

ናይ ሸለልትነት ኣገባባት ምብታኽ

ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር፥ ነቲ እናሰፍሔ ዝኸይድ ዘሎ ናይ ሸለልትነት ጉዳይ ብኣጽንዖት ኣውጊዞም፡ እዚ ጉዳይ’ዚ ውግእን ግጭትን ኣብ ዘለሉ ከባቢ ዝምልከት ጥራሕ ዘይኮነ “ኣብ መንጐና ዘሎ ጉዳይ ዝምልከት እውን እዩ” ኣብ ዕለታዊ ሕይወት ዝግለጽ . . . ድኻታትን ግዳም ሓደር ንኽዀኑ ዝተገዱን ብውግእን ዓመጽን ምኽንያት ዝስደዱን ዝመዛበሉን ተስፋ ዝቖረጹን ብስእነት ስራሕ ዝሳቐዩን ገዛእ ርእሶም ንምክልኻል ዓቕምን ብቕዓትን ዘይብሎምን ዝፍጸም ዓቢይ ገበን እዩ፡ ምእንቲ እዚ ናይ ሸለልትነት ኣገባብ ነቲ ናይ ኢጐነት ኣጉዶታትና ብምፍራስ ምብዳህን ምብታኽን የድሊ እዚ ንምርግጋጽ ሰላም መሰረት እዩ ቢሎም፥

ንእውነተይና ምልዋጥ ህርኵት ምዃን

እቲ መርሓ ጐደና ከምቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዘመላኸትዎ፥ እዚ ኸኣ ጸረ መንፈሳውን ቁሳውን ድኽነት ምውጋእን ሰላም ንምሕናጽ ብዘተ ናይ መራኸቢ ድልድል ምቛምን ዝብል እዩ፡ ቅዱስነቶም ናይ ሮማ ጳጳስ ኮይኖም ካብ ዝተሓረዩላ ዕለት ኣትሒዞም ብዘይ ምቁራጽን ከይተሓለሉን እዚ ሰብኣውን ሕብረተሰብኣውን ዓለም ለኻውን ፍኖት ክኸውን ከምዘለዎ የመላኽቱ፡ እዚ ጉዕዞ እዚ ኣዚዩ ኣገዳስን ሕጹን ጉዳይ እውን እዩ፡ “እቲ ዝዓተርናዮ ጥልቂ ዘይኮነ ውሕስነት ኣይፋል ንምባል ብርቱዓት ምዃንን እውነተይና ምልዋጥን ምስ ካልኦት ምርኻብን ኣብቲ ክኸውን ዘይኽእል ዝመስል ባህላውን ሃይማኖታውን ዘተ እውን ምርኻብ ዝከኣል ምዃኑ ንምስትውዓል ናይ ልቢ ምልዋጥ ዝሓትት ምዃኑ ፍራንቸስኮ የመላኽቱ፥ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ስነ ክሌኣዊ ርክብ ሜላ ኪደት እዩ፥ ነዊሕን ዝተሓላለኸን እውን እንተኾነ ብሓይልን ረድኤትን እግዚኣብሔር ዝከኣል እዩ እንክብሉ ዘስምዕዎ መደረ ከምዘጠቓለሉ ዲዮኒዚ ሓቢሮም።  

11 November 2020, 16:22