ድለ

ናይ ፍራንቸስኮ ኤኮኖሚ ናይ ፍራንቸስኮ ኤኮኖሚ 

ናይ ፍራንቸስኮ ኤኮኖሚ፥ ናብ ሓደ ኣፍራዪ መቓርቦ ዝመርሕን ኤኮኖሚ ዘሰብእን እዩ!

ብመንፈስ ፍራንቸስኮ ዘኣሲዝን ብይሴባሕ ዓዋዲት መልእኽትን ሓድሽ ዓይነት ኣረዳድኣ ኤኮኖሚ ንምምልካት ዝሓቀነ ኮይኑ፡ መንእሰያት ናይ ስነ ኤኮኖሚ ሊቃውንትን ሰብ ትካላት መንእሰያትን ነዚ ሓሳብ’ዚ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ዝድግፍ ሓሳብ ከመንጭውን ብፍላይ ኣብ ስራሕን ቁጠባን ሕንጸትን ሰብ ሰርሖ ቀልባዊ ብልሒን ኣብ ዝብል ሓሳብ ዘተኮረ

“ዝተፈልየ ኤኮኖሚ፥ ዘንብር እምበር ዘይቐትል፡ ዝሓቑፍ እምበር ዘይንጽል፡ ሰብኣዊ እምበር ኢሰብኣዊ ዘይገብር፡ ተፈጥሮ ዝከናኸን እምበር ዘየባድም” ዝብል ሓሳብ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ 2019 ዓ.ም. እቲ “ናይ ፍራንቸስኮ ዘኣሲዚ ኤኮኖሚ” እንክብሉ ኣብ ዘቕረብዎ ሓባሪ መስመርን ኣተሓሒዞም እውን ኤኮኖሚ ንሰብኣዊ ፍጥረት ዝጥምት ተኣፋፍያን ዘይርስዕን ናይ ኤኮኖሚ ለውጢ ራእይ ንምቕራብ ዝብል ዕላማ ዝገበረ ኣብ ኣሲዚ ዝጠለብዎ ዓውደ ጉባኤ፡ ካብ ዕለት 19 ክሳብ ዕለት 21 ሕዳር 2020 ዓ.ም. ብመረብታዊ ውሕዘት ተሰንዩ ከምእተኻየደ ክሕበር እንከሎ፡

ናይ ፍራንቸስኮ ኤኮኖሚ
ናይ ፍራንቸስኮ ኤኮኖሚ

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እዚ ዓውደ ጉባኤ’ዚ መንእሰያት ናይ ስነ ኤኮኖሚ ሊቃውንትን መንእሰያት ሰብ ትካላትን ናይ ካቶሊካውያን መናብርተ ጥበብ ተመራመርትን ዘሳትፍ ኮይኑ፥ ጥዑይ ኤክኖሚ ሕውነታዊ ንዝብል ኣምር መሰረት ዘንብር ምዃኑ ቅድም ክብል ተሓቢሩ ከምዝነበር ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ብመንፈስ ፍራንቸስኮ ዘኣሲዝን ብይሴባሕ ዓዋዲት መልእኽትን ሓድሽ ዓይነት ኣረዳድኣ ኤኮኖሚ ንምምልካት ዝሓቀነ ኮይኑ፡ መንእሰያት ናይ ስነ ኤኮኖሚ ሊቃውንትን ሰብ ትካላት መንእሰያትን ነዚ ሓሳብ’ዚ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ዝድግፍ ሓሳብ ከመንጭውን ብፍላይ ኣብ ስራሕን ቁጠባን ሕንጸትን ሰብ ሰርሖ ቀልባዊ ብልሒን ኣብ ዝብል ሓሳብ ዘተኮረን እቲ ኵላትና ኣሕዋት ዘርእስቱ ዓዋዲ መልእኽቲ ኣብ ዕለታዊ ሕይወት ገቢር ክኸውን ብፍሉይ ዝዓዪ ምንቅስቓስ መንእሰይት ናይ ኤኮኖሚ ሊቃውንቲ ንምቛም ዝዓለመ እውን እዩ።

ናይ ፍራንቸስኮ ኤኮኖሚ
ናይ ፍራንቸስኮ ኤኮኖሚ

ኣፍራይ ኤኮኖሚ

ኣብቲ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ኤኮኖሚ፥ ጠገለ ኣልቦ ምህርትን ኣህላኽነት መሰረት ዝንበብን ኣብ ግብሪ ዝውዕልን ዘሎ ኤኮኖሚ፥ ኣፍራይን ጥቕምን ዘራኽብን ሕብረተሰብኣዊ ኤኮኖምን ክትካእ ከምዘለዎ ኣብ መንበረ ጥበብ ቅዱስ  ልበ ኢየሱስ ኣብ ሚላኖ ናይ ስነ ማሕበረሰብ መምህር ማውሮ ማጋቲ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ብሰፊሕ ዘብርህዎ ሓሳብ ክኸውን እንከሎ፡ ኣብ ናይ ሰብ መሰረታዊ ድላይ ዘተኩር ኤኮኖሚ እዚ ኸኣ ንመጻኢ ርህው ዝኾነ ማለት ምዃኑ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ሰፊሕ መብርሂ ከምዝሃቡሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ናይ ቁጠባ ፍጻሜ ምስትውዓል

ናይ ሰላም ኖበል ተሰላሚ ናይ ስነ ኤኮኖሚ ሊቅ ሙሓማድ ዩኑስ ናይ ራሚን ባንኪ ቤት መስራትን ናይ ደቀውቲ ልቓሕ ሜሳልን እውን ብወገኖም ኤኮኖሚ ኣብ ውልቃዊ ረብሓ ዘይኮነ ናብ ማህበራዊ ረብሓ ክልወጥ ከምዘለዎን እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ብኹሉ መዳይ እንስዕቦ መገድን ኣገባብን ክንልውጥ ከምዘሎና የመላኽት፡ ኤኮኖሚ ናብቲ መሰረታዊ ትርጉሙ ክምለስ ከምዘለዎ ካብ እዋናዊ ቅልውላው ዓለም ተበጊሶም ሰፊሕ ትንታነ ከምዝሃቡ ዜና ቫቲና የመላኽት።

ስራሕን ሓላፍነት ስራሕን

ኣብ ቶሮንቶ መንበረ ጥበብ ናይ ፍልስፍና መምህር ፕረፈሰር ጀኒፈር ነደልስክይ፥ ስራሕን ሓላፋነት/ሓልዮት ስራሕን ዝብል ኣመር ኣሞርኵይዘን፡ ስራሕ ንዅሉ ዝብል ሓሳብ  ፍልይ ብዝበለ መገዲ ከብርሃን እዚ ኸኣ ብዝዚ ናይ ስራሕ ሰዓት ኣብ ሓደ ሰብ ካብ ምጽቃጥ እቲ ናይ ስራሕ ሰዓት ፋሕ ኣቢሊካ ንብዙሓት ናይ ስራሕ ዕድል ምፍጣርን እዚ ንናይ ሃብቲ ሃገር ኤኮኖምያውን ማሕበራውን ምርግጋእ መሰረት እዩ፡ ናይ ሓላፍነትን ሓልዮትን ስራሕ ማለት ምዃኑ እውን ገሊጸን ነዚ ዓይነት ናይ ስራሕ ኤኮኖሚ ብሰፊሕ ክምዘብርሃ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥          

ናይ ፍራንቸስኮ ኣኤኮንኖሚ ዕዳጋ ዘሰብእ እዩ፥ እዚ ኻእ ኡጦቢያ ኣይኮነን፡ እቲ ኢማዕርነት ዝወለድ ኪደት ኤኮኖሚ  ምትኽኻል፥ ቅርጻዊ ለውጢ ንቁጠባን ንግድን፡ እዚ ዓይነት ኤኮኖሚ ብፍላይ ኤኮኖምን ቁጠባን ምስባእ ዘይጭበጥ ሕልሚ ኣይኮነን፡ ኤኮኖሚ ብማሕበረሰብኣዊ ኣገባብ ምሕናጽ፥ ናይ ኤኮኖሚ ተክለ ክዋኔኡ ሰብኣውነት ክኸውን ከምዘለዎን እዚ ኸኣ ካብቲ ንናይ ውልቂ መኽሰብን ሃብቲ ምኽዕባትን ካብ ዝብል ኪደት ክላቐቕ ኣለዎ ማለት ከምዝኾነ ብሓፈሻኡ ነዚ ኣምር እዚ ራውል ካሩሶ ኣብ ሚላኖ ቅዱስ ልበ ኢየሱስ መንበረ ጥበብ ናይ ስነ ኤኮኖሚ ሊቅ ናይ ኤኮኖሚ መምህር ኣብ ዘቕረብዎ ናይ መጽናዕቲ ጽሑፍ ከምዘብርሁ የመላኽት።

ናይ ኤኮኖሚ ዋጋ - ክብሪ ናይ ዓመታዊ እቶት ድምር ወይ ከኣ ናይ ግሊ ትካላት ምድጋፍን ማለት ዘይኮነ ኣብቲ ሰብ ምስ ተምሳሉን ከባቢኡን ኣብ ዘለዎ ርክብ እዩ፡ እዚ ዓይነት ኣመለኻኽታን ትግባሬኡን ናብ ሰላም የብጽሕ፥ ስለዚህ ኤኮኖሚ ናብዚ ደረጃ እዚ ንምብጻሕ ከቢድ እውን እንተኾነ ዘይከኣል ግና ኣይኮነን ቢሎም፥ ኣተሓሒዞም እውን ማሕበራውያን ትካላት ምድጋፍ ስለምንታይ የድሊ ዝብል ሕቶን ከምኡ እውን ኣብ ናይ ኤኮኖሚ መሰረታዊ እንታይነቱን እዚ እውን መኽሰብ ማሕበራዊ ምግባር ዝብል ምዃኑ ኣብሪሆም ነዚ ሓሳብ እዚ ኮሎምቢያን ኤኳዶርን ፐሩን ኡራጉዋይን ጠቒሶም ብጭቡጥ ኣብነት ሰፊሕ ናይ ጽሑፍ መጽናዕቲ ከምዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

21 November 2020, 16:54