ድለ

ፖምፐኦ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ምስ ፓሮሊንን ጋላገርን ንኽራኸቡ ፖምፐኦ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ምስ ፓሮሊንን ጋላገርን ንኽራኸቡ 

ፖምፐኦ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ምስ ፓሮሊንን ጋላገርን ንኽራኸቡ

ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፓሮሊን ቅድስቲ መንበር እቲ ምስ ህዝባዊት ረፓብሊክ ቻይና ቅድሚ ክልተ ዓመት ዝኸተመቶ ግዚያዊ ናይ ስምምዕ ሰነድ ድሕሪ ክልተ ዓመት ውድቂ ዝኸውን ንኽሕደስ ጽኑዕ ድላይ ከምዘሎ ገሊጾም

ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ናይ ወጻኢ ጉዳይ ዋና ጸሓፊ ንወግዓዊ ምብጻሕ ዕለት 1 ጥቅምቲ 2020 ዓ.ም. ሃገረ ቫቲካን ከምዝኣተዉን ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊን ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርክባት ጉዳይ ዋና ጸሓፍን ከምእተራኸቡን ኣብቲ ክሌኣዊ ርክብ ብዛዕባ ቻይናን ማሕበረሰብ ዓለም ዘድምዩ ዘለዉ ዝተፈላለየ ግጭትን ኣማእኪሎም ከምዝዘተዩ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዋና ጸሓፊ ፖምፐኦ ዕለት 1 ጥቅምቲ 2020 ዓ.ም. ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ኣትዮም ብናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ፖለቲካ ጉዳይ ዋና ጸሓፊ (ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር) ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ጋላገር ብዝተሰነዩ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፓሮሊን ኣቀባብላ ከምእተገበረሎምን ኣብቲ ልባዊ ምቅርራብን ምክብባርን ዝዓሰሎ ናይ ኣርብዓን ሓሙሽተን ደቓይቕ ክሌኣዊ ርክብ ብዛዕባ ቻይና ክልቲኣተን ሃገራት ዘለወን ነናይ ገዛእ ርእሰን ኣንፍታት ከምዘቕረባን ኣብ ዘተፈላለየ ኩርናዕ ዓለም ዝካየዱ ውግኣትን ዘሎ ምስሕሓብን ውጥረትን ኣማእኪሎም እውን ከምዝመኸሩ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ሓቢሩ።

ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ማተዮ ብሩኒ ብዛዕባ እቲ ዝተኻየደ ክሌኣዊ ርክብ ድሕሪ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ፥ ካብ ጋዜጠይናታት ንዝቐረበሎም ሕቶ እንክምልሱ፥ እቲ ኣብ መንጐ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዋና ጸሓፊ ሚካኤል ሪቻርድ ፖምፐኦን ብናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርክባት ጉዳይ ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ሪቻርድ ጋላገር ምስ ዝተሰነዩ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፓሮሊን ዝተካየደ ክሌኣዊ ዘተ፥ ብወገን ኣመሪካን ቅድስቲ መንበርን ብዛዕባ ምስ ሕዝባዊት ረፓብሊካዊት ቻይና ዘሎ ርክብ ዝምልከት ነናይ ነፍሲ ወከፈን ኣንፊ ከምዘቕረባን ብዛዕባ ኣብ ዓለም ዝርአዩ ግጭታት ብፍላይ ከኣ ኣብ ካውካሶን ማእከላይ ምብራቕን ምብራቓዊ መዲትራኒያን ዞባ ዘማእከለ ምይይጥን ናይ ሓሳብ ምልውዋጥን ከምእተኻየደ ሓቢሮም፡ እቲ ርክብ 45 ደቓይቕ ዝወሰደ እውን ምንባሩ የዘኻኽሩ።

ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ናይ ወጻኢ ጉዳይ ዋና ጸሓፊ ንወግዓዊ ምብጻሕ ናብ ሃገረ ቫቲካን ቅድሚ ምንቃሎም ኣብ ቀረባ መዓልታት እቲ ኣብ መንጐ ቅድስቲ መንበርን ሕዝባዊት ረፓብሊካዊት ቻይናን ዘሎ ኣብ ቀረባ እዋን ክሕደስ ትጽቢት ዝገበረሉ ዘሎን ግዚያዊ ናይ ሓባር ስምምዕ ኣመልኪቶም ናይ ተቓውሞ ርእይቶ ከምዝሃቡን እዚ ናይ ወጻኢ ጉዳይ ዋና ጸሓፊ ፖምፐኦ ዝገለጽዎ ናይ ተቃውሞ ሓሳብ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ብዙሕ ከምዘካተዔን ናይ ዜና ማዕከናት ዋና ርእሰ ጉዳይ ኮይኑ ከምዘሎን ዝሓበሩ ብሩኒ ኣስዒቦም፡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፓሮሊን ቅድስቲ መንበር እቲ ምስ ህዝባዊት ረፓብሊክ ቻይና ቅድሚ ክልተ ዓመት ዝኸተመቶ ግዚያዊ ናይ ስምምዕ ሰነድ ድሕሪ ክልተ ዓመት ውድቂ ዝኸውን ንኽሕደስ ጽኑዕ ድላይ ከምዘሎ ገሊጾም ከምዝነበሩን እቲ ስምምዕ ናይ ቻይና ብጹዓን ጳጳሳት ምስ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ሱታፌ ክህልዎም ዝብል እዩ እንክብሉ እውን ኣብሪሆም ከምዘነበሩ ብሩኒ የዘኻኽሩ።

 

02 October 2020, 21:44