ድለ

ፓሮሊን ብዛዕባ ግዚያዊ ስምምዕ ኣብ መንጐ ቻይናን ቅድስቲ መንበር ፓሮሊን ብዛዕባ ግዚያዊ ስምምዕ ኣብ መንጐ ቻይናን ቅድስቲ መንበር 

ፓሮሊን ብዛዕባ ግዚያዊ ስምምዕ ኣብ መንጐ ቻይናን ቅድስቲ መንበር

እቲ ናይቲ ስምምዕ ትሕዝቶ ብምስጢር ዝተሓዝ እውን እንተኾነ ተዛማዲ ምስጢር እዩ፡ ምኽንያቱ ናይቲ ስምምዕ ትሕዝቶ ቅድም ክብል ስለ ዝተገልጸ፡ እቲ ዝሕደስ ግዚያዊ ናይ ስምምዕ ሰነድ ዝፍረም መዓዝ እዩ ዝብል ንዝቐረበሎም ሕቶ፥ እንክምሉስ - ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ኣብ መንጐ ናይ ክልቲኣተን ሃገራት ላዕለዎት ኣካላት ርክባት ከምእተኻየደን

ሮማ ኣብ ዝርከብ ጳጳሳዊ መንበረ ጥበብ ኣንቶኒያኑም ኣብቲ ንናይ ቍስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ብጹዕ ወቅዱስ በርጠለመዎስ ቀዳማዊ ናይ ክብሪ ማዕርገ ሊቕነት ንምሃብ ኣብ ዘዳለዎ ዓውደ ጉባኤ ዝተሳተፉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፓሮሊን ድሕሪ እቲ ስነ ስርዓት ኣብ ወሰን ብዛዕባ፡ እቲ ኣብ መንጐ ቅድስቲ መንበርን ፐኪንግን ዝተበጽሔ ስምምዕ ዘብቅዓሉ ዕለት 22 ጥቅምቲ 2020 ዓ.ም. ምዃኑ ክፍለጥ እንከሎ፡ እቲ ስምምዕ ክሕደስ ዶ ይኸውን ንዝብል ካብ ጋዜጠይናታት ንዝቐረበሎም ሕቶ መልሲ ከምዝሃቡን ብጹዕ ካርዲናል ዛናሪ እውን ብዛዕባ ህልው ኩነታት ሶሪያ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝተካየደ ዓውደ ጉባኤ፥ ኣብ ልዕሊ ሕዝቢ ዝተፈነወ ተፈንጃሪ ቦምቢ ድኽነት መላእ ሃገርን ሕዝብን ናብ ዘስካሕክሕ ደልሃመት ድኽነት የሰንይ ኣሎ እንክብሉ ዝገለጽዎ ሓሳብ ካርዲናል ፓሮሊን ብዛዕባ ሶሪያ ዝምልከት ኣብ ዝቐረበሎም ሕቶ እንክምልሱ ከምዘስመሩሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“እቲ ክሌኣዊ ስምምዕ ኣብ መንጐ ቻይናን ቅድስቲ መንበር ብሰናይ ንቕድሚት ከምዝብል ከረጋግጸልኩም እፈትው”፡ እቲ ቅድሚ ክልተ ዓመት ዝተኸተመ ግዚያዊ ስምምዕ ዕለት 22 ጥቅምቲ 2020 ዓ.ም. ናይ ኣገልግሎት ግዜኡ ዘብቕዕ እኳ እንተኾነ ንቐጻሊ ክልተ ዓመት ክሕደስ ምዃኑ ከምዝሓበሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣብ መንጐ ክልቴኣተን ሃገራት ርክባት ይቕጽል ኣሎ

እቲ ናይቲ ስምምዕ ትሕዝቶ ብምስጢር ዝተሓዝ እውን እንተኾነ ተዛማዲ ምስጢር እዩ፡ ምኽንያቱ ናይቲ ስምምዕ ትሕዝቶ ቅድም ክብል ስለ ዝተገልጸ፡ እቲ ዝሕደስ ግዚያዊ ናይ ስምምዕ ሰነድ ዝፍረም መዓዝ እዩ ዝብል ንዝቐረበሎም ሕቶ፥ እንክምሉስ - ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ኣብ መንጐ ናይ ክልቲኣተን ሃገራት ላዕለዎት ኣካላት ርክባት ከምእተኻየደን፡ እዚ ርክብ’ዚ ከኣ በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ኮቪድ - 19 ምኽንያት ምጉዓዝ ዘይከኣል ብምዃኑ ነቲ ክካየድ ዝነበሮ ርክብ ዘተሓላለኾ እውን እንተኾነ፡ ሕድ ሕዳዊ ርክብ ኣሎ፡ እቲ ስምምዕ ነቲ ዘሎ ኵሉ ጸገም ምሉእ መልሲ ዝህብ እውን ኣይኹን፡ እቲ ስምምዕ ዘርከቦ ውጽኢት ዘዕግብ እዩ እንክብሉ መሊሶም፥ . . . ብርግጽ እቲ ናይ ስምምዕ ሰነድ ክፈትሑ ዘለዎም ካልኦት ሕቶታት ከም ሓሳብ ኣየቕረበን፡ ኣብ ቻይና ካቶሊካውያን ብግዲ ከኽብርዎ ዝግብኦም ናይ መንግስቲ ሕጊ ኣሎ፡ ኵለን ኣብታ ሃገር ዝርከባ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ከኽብርኦ ዝግብአን ስለዚ እዚ ኸኣ ነታ ኣብ ቻይና እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን እውን ዝምልከት እዩ” ኢሎም

እቲ ስምምዕ ንናይ ቤተ ክርስቲያን ኵነት ዝምልከት እዩ

ኣስዒበን ሓንቲ ልእኽቲ ጋዜጠይና፥ “እቲ  ስምምዕ ንመጻኢ ንስነ ሜላዊ ኪደት ኣብ መንጐ ክልቴኣተን ሃገርት ርክብ ክህሉ ዘመለኻት ቅድመ ሓሳብ ኣለዎ ዶ? እንክብላ ንዘቕረባሎም ሕቶ፥ “ብዛዕባ ክሌኣዊ ስነ ሜላዊ ርክብ ዝብል ሓሳብ ኣብቲ ስምምዕ የሎን፡ ዝርርብ እውን ኣይተገበረሉን፡ ኣብ ቻይና ንእትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዘቃለበ ስምምዕ እዩ፡ እቲ ስምምዕ ብዛዕባ ኩሉ ጽገማት ዝምልከት ኣይኮነን፡ ስነ ሜላዊ ርክብ ዝብል ሓሳብ ኣይምልከትን፡ መዓስ ክህሉ ዝብል እቲ ርክብ ኮነ እቲ ግዚያዊ ናይ ስምምዕ ሰነድ ቅድመ ትምበያ የብሉን፡ ስለዚህ እቲ ስምምዕ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኵነት ኣብ ቻይናን ብፍላይ ብዛዕባ ስሜተ ጳጳሳት ዝምልከት እዩ፡ ሸቶኡ ኸኣ ናይ ቤተ ክርስትያን ሓድነት እዩ፡ ኵሎም ኣብ ቻይና ዝርከቡ ጳጳሳት ምስ ር.ሊ.ጳ. ሱታፌ ክህልዎም ገይሩ እዩ፡ ስለዚህ ከም ቀደም ቅቡል ወይ ዘይቅቡል ሕጋዊ ወይ ዘሕጋዊ ጳጳስ ዝብል ፍልልያት የሎም፡ ካብዚ እዩ እቲ ካልእ ኵሉ ዝነቅል፡ ቀስ ብቐስ ዝብጻሕ፡ ኩነታት ናይ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ቻይና ንምእዋት እዩ” እንክብሉ ከምዝመለሱ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ሶሪያ፥ ክንየው ውግእ ናይ ድኽነት ተፈንጃሪ ቦምባ እውን ኣሎ

ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብዛዕባ ህልው ኩነታት ሶሪያን፡ ዓመጽን ውግእን ኣመልኪቶም እውን፥ ዕለት 15 ጥቅምቲ 2020 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብቲ ሓድሽ ናይ ሲኖዶስ ኣዳራሽ ብዛዕባ ህልው ኩነታት ሶሪያ ዝገልጽ ኣብ ቅድስቲ መንበር ንናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ልኡካነ መግንስታት ዓዲሙ ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ዝተረኽቡ ኣብ ደማስቆ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ብጹዕ ካርዲናል ማሪዮ ዛናሪ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ እቲ ኣብ ከቢድ ስቓይ ዝርከብ ዞባ ማእከላይ ምብራቕ ምድጋፍ ኣገዳስን ሕጹጽን ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፡ ኣነጺሮም ክንየው ገና እቲ መፍትሒ ዘይረኸበ ውግእን ዓመጽን ኣብ ደቡባዊ ዞባ ሶሪያ ጥራሕ ዘይኮነ ኣብ ካልእ ክፍሊ ናይታ ሃገር እውን ዘሎ ኵነት እንከብርሁ ክንየው እቲ በጽዋር ዝካየድ ውግእ ካልእ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝተፈነወ መላእ ሃገርን ሕዝብን ዘሳቕይ ሕዝቢ ናይታ ሃገር ንኽስደድ ዘገድድ ዝተፈነወ ናይ ድኽነት ተፈንጃሪ ቦምባ እውን ኣሎ” ዝበልዎ ሓሳብ ጠቒሶም፥ እዚ ኩነት’ዚ ምግጣም የድሊ፡ ናይ ካርዲናል ዘናሪ ጻውዒት ብኹሎም ኣብቲ ዓውደ ጉባኤ ተሳቲፎም ብዝነበሩ ኣብ ቅድስቲ መንበር ንናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ልኡካነ መንግስታት ተሰማዒ ኮይኑን፡ መልሲ ክረክብ ተስፋ ንገብር፡ ኣብ ሃገራቶም ኣቕሪቦም መንግስታቶም ኣብ ሕቶ ሶሪያ ከስተሃውሱ ተስፋ ንገብር፡ ብናይ ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ ናይ ሓባር መልሲ መታን ኵወሃቦ” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ናይ ቫቲካን ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ዘካይዶ ዘሎ መርመራ

ኣብዚ እዋን’ዚ ናይ ሃገረ ቫቲካን ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ዘካይዶ ዘሎ ገበን ናይ ምጽራይ መርመራ ዝምልከት ሓደ ካብቶ ጋዜጠይናታት ንዘቕረቡሎም ሕቶ እንክምሉሱ፥ “እዚ ጉዳይ እዚ ንዓይ ንግለይ ዓቢይ ስቓይ ፈጢሩለይ እዩ፡ እቲ ዝወጽእ ዘሎ ዝኽውን ዘሎን ነዚ ስዒቡ ቤት ፍርዲ ሃገረ ቫቲካን ዘካይዶ ዘሎ ምጽራይ መሰረት ዘቕርቦ ውጽኢት ደረጃ ተሓታትነት ድዩ ሓላፍነት ዝውስኖ ይኸውን፡ ናይ ቻይና ብሂል ድዩ ኣይዝከረንን - ካብቲ ዝጥጥዕ ኣግራብ እቲ ሓደ ዝወድቕ ኦም ድምጹ ብዓውታ የስምዕ ከምዝበሃል፡ ኣብ ቤተ ክርስቲያን እቲ ኣግራብ ይጥጥዕ ኣሎ፡ ማለት ቤተ ክርስቲያን እተቕርቦን እትህቦን ሰናይ ዘበለ ንብዙሓት እትፍጽሞ ሰናይ ኣገልግሎት ኣፍልጦ ምሃብ የድሊ፡ ከምቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ዘሎ ግብረ ክፍኣት ኣብ ኩሉ ዘሎን ዝረአይን እዩ፡ የሕዝን፡ ግና ኣብዚ ጉዳይ’ዚ ጥራሕ ምትኳር ኣይመድለየን” እንክብሉ ከምዝመለሱ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

በጠለመዎስ ቀዳማውን ኵለንተናዊ ምሉእ ሰብኣዊ ምዕባለን

ብጹዑነቶም ቅድሚ እቲ ካብ ጋዜጠይናታት ንዝቐረበሎም ሕቶ መልሲ ምሃቦም ኣብ ጳጳሳዊ ኣንቶኒያኑም መንበረ ጥበብ ንናይ ቍስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪይርክ ብጹዕ ወቅዱስ በርጠለመዎስ ቀዳማዊ ናይ ክብሪ ማዕርገ ሊቕነት ኣብ ዝሃበሉ ስነ ስርዓት ከምእተሳተፉን፡ ነቲ ናይ ክብሪ ማዕርገ ሊቕነት ብቑዕ ዘበሎም ምኽንያት፥ “በርጠለመዎስ ቀዳማዊ ብዛዕባ ማሓድሮ ኣብ ዝምልከት ሕቶታት እቲ ኣብ ጳጳስውያን ተቕዋማት ኣብ ሮማ እዋናውነት ዘለዎ ንኵለንተናዊ ማሓድሮ ቀዳምነት ኣብ ዝብል ከይዲ ሰንደቓዊ ተክለ ሰብነት እዮም” ዝብል ሓሳብ ብጹዕ ካርዲናል ፓሮሊን ነቲ ንናይ ክብሪ ማዕርገ ሊቕነት ምኽንያት ኣብ ዝግለጽ ሰነድ ኣንቢቦም ኣስዒቦም እውን ናይ በርጠለመዎስ ቀዳማዊ ናይ ሕይወቶም ጉዕዞ ካብ ሕንጸት ክሳብ ናይ ቍስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ፓትሪያርክነቶም ዳህሲሶም፡ “ኣብቲ ጽንኩር እዋን እውን ወትሩ እቲ ተስፋ ዝተነብረሉ ሱታፌ ክድለይን ብንጡፍነት ክሰዓብን ዘበራትዑ እዮም፡ ንበርጠለመዎስ ቀዳማዊ እምነት ኣብ ልዕሊ ተፈጥሮ ነቲ ዝድለ ናይ ኣቢያተ ክርስቲያን ሓድነት ዘነቓቕሕ እውን ምዃኑን እዚ ክንየው ጠመቓውያን ባህርያት ናይ ሓባር ባእታ እዩ” ዝብል ሓሳብ ከምዘንበቡ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

 

22 October 2020, 11:01