ድለ

ቡጽዕ ኣቡነ ቪንቸንዞ ዛኒ ቡጽዕ ኣቡነ ቪንቸንዞ ዛኒ  

ውዕሊ ሕንጸት፡ ዛኒ፥ ር.ሊ.ጳ. ብሓባር ንኽንጓዓዝ ይዕድሙና

ቅዱስ ኣቦና ንኹሉ ሰብ ጽቡቕ ድላይ ኣብ ዓለም ሓቆፍ መድርኽ ንሕንጸት ክወሃቦ ዝግብኦ ክብርን ብፍላይ ሕውነታውነትን ሰላምን ፍትሕን ዝፈጥር ባይታ ብምዃኑ ቀዳምነት ክወሃቦን ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ክዋሳእ ይምዕዱ

ናይ ካቶሊካዊ ስነ ሕንጸት ዝሓይዮ ቅዱስ ማሕበር ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ብጽዕ ኣቡነ ዛኒ ዕለት 15 ጥቅምቲ 2020 ዓ.ም. ኣብ ጳጳሳዊ ላተራነንሰ መንበረ ጥበብ ዝካየድ ዓውደ ጉባኤ ቅድመ ምልላይ ኣብ ዝሃብሉ መድረኽ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብቲ ዓውደ ጉባኤ ብዘመሓላልፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ኣቢሎም፡ ዓለም ሓቆፍ ናይ ስነ ሕንጸት ውዕሊ፥ “ምሕናጽ (ምምሃር) ናይ ተስፋ ተግባር እዩ፥ ኣብዚ ለብዒ ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን ሕውነትን ሰላምን ፍትሕን ሕጹጽ ጠለባት እያቶም” ዝብል ሓሳብ ከነቓቕሑ ከምዝኾኑ ይሕብሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዝሓለፈ ዕለት 14 ግንቦት 2020 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ብዛዕባ ዓለም ሓቆፍ ናይ ስነ ሕንጸት ውዕሊ ኣማእኩሉ ንኽመክር ተጸዊዑ ዝነበረ ዓውደ ጉባኤ በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ምኽንያት ዘይተኻየደ እውን እንተኾነ ሕንጸት ኣብዚ መዓተይና ማዕቅፍ ዓለም’ዚ ኣዚዩ ሕጹጽን ኣገዳስን ምዃኑ ይስትውዓል፡ ምእንቲ እዚ እውን እቲ ዕለት 15 ጥቅምቲ 2020 ዓ.ም. ኣብ ጳጳሳዊ መንበረ ጥበብ ላተራነንሰ ድሕሪ ቐትሪ ሰዓት ክልተን ፈረቓን ዛዕባ ዓለም ሓቆፋዊ ውዕሊ ስነ ሕንጸት ዝመኸረ ዓውደ ጉባኤ ዝምስክሮ ምዃኑ ኣመላኺቶም፥ ቅዱስ ኣቦና ብዘመሓላልፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ኣቢሎም “ዓለም ሓቆፍ ውዕሊ ስነ ሕንጸት” ከምዘተባብዑ ይሕብሩ።

እቲ ኣብ ጳጳሳዊ ላተራነንሰ ብካቶሊካዊ ስነ ሕንጸት ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ዝተዳለወ ዓውደ ጉባኤ ብትኽክል ንክፍለ ትምህርቲ ዓለም ዝምልከት ክኸውን እንከሎ ብዝተፈላለየ ቋንቋታት ዜጋታት ብቐጥታ መስመር ብዜና ቫቲካን ወግዓዊ ድረ ገጽን ናይ ዩቲዮብ መደብር መስመሩ ብምጥቃም ንኽከታተልዎ ዕድል ዝሃበ እውን እዩ፡ ቅዱስ ኣቦና ንኹሉ ሰብ ጽቡቕ ድላይ ኣብ ዓለም ሓቆፍ መድርኽ ንሕንጸት ክወሃቦ ዝግብኦ ክብርን ብፍላይ ሕውነታውነትን ሰላምን ፍትሕን ዝፈጥር ባይታ ብምዃኑ ቀዳምነት  ክወሃቦን ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ክዋሳእ ይምዕዱ፡ እቲ ናይ ቅዱስ ኣቦና ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ኣብ ዓለም ሓቆፍ ናይ ትምህርትን ስነ ምርምርን ባህልን ሓልዮ ውድብ ዋና ኣመሓዳሪ ኡድረይ ኣዙላይን ኤቅለሳውያን ኣካላትን ናይ ባህሊ ኣካላትን ተመሃሮ መንእሰያትን ርእይቶ ክብሉ ከምዝኾነ ቡጽዕ ኣቡነ ቪንቸንዞ ዛኒ ሓቢሮም።

16 October 2020, 14:40