ድለ

መስዋዕተ ቅዳሴ 2019 ዓ.ም. ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ኣብ ፓናማ መስዋዕተ ቅዳሴ 2019 ዓ.ም. ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ኣብ ፓናማ 

“ናይ ፍራንቸስኮ ኤኮኖሚ”፥ ምንቅስቓስ መንእሰያት መላእ ዓለም

“ዝተፈልየ ኤኮኖሚ፥ ዘንብር እምንበር ዘይቐትል፡ ዝሓቑፍ እምበር ዘይንጽል፡ ሰብኣዊ እምበር ኢሰብኣዊ ዘይገብር፡ ተፈጥሮ ዝከናኸን እምበር ዘየባድም” ዝብል ሓሳብ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ 2019 ዓ.ም. እቲ “ናይ ፍራንቸስኮ ዘኣሲዚ ኤኮኖሚ” ብዝብል ሓሳብ ኣብ ዘቕረብዎ ሓባሪ መስመር

እቲ ቅዱስነቶም ኣብ 2019 ዓ.ም. ኣብ ኣሲዚ ዝጠለብዎ ኤኮኖሚ ንሰብኣዊ ፍጥረት ዝጥምት ተኣፋፍያን ዘይርስዕን ናይ ኤኮኖሚ ለውጢ ራእይ ንምቕራብ ዝብል ዕላማ ዘለዎ ዓውደ ጉባኤ፡ ካብ ዕለት 19 ክሳብ ዕለት 21 ሕዳር 2020 ዓ.ም. ብመረብታዊ ውሕዘት ተሰንዩ ክካየድ ምዃኑ ዕለት 27 ጥቅምቲ 2020 ዓ.ም. ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣድራሽ ኣብ ዝተወሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ ከምእተሓበረ፡ ነቲ መደብ ጋዜጣዊ መግለጺ ዝተኸታተላ ልእኽቲ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን በነደታ ካፐሊ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ዝተፈልየ ኤኮኖሚ፥ ዘንብር እምንበር ዘይቐትል፡ ዝሓቑፍ እምበር ዘይንጽል፡ ሰብኣዊ እምበር ኢሰብኣዊ ዘይገብር፡ ተፈጥሮ ዝከናኸን እምበር ዘየባድም” ዝብል ሓሳብ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ 2019 ዓ.ም. እቲ “ናይ ፍራንቸስኮ ዘኣሲዚ ኤኮኖሚ” ብዝብል ሓሳብ ኣብ ዘቕረብዎ ሓባሪ መስመር ከምዘመላኸቱ ክዝከር እንከሎ፡ እቲ ኣብ ወርሒ መጋቢት 2020 ዓ.ም. ክካየድ ተሓቂኑ ዝነበረ ዓውደ ጉባኤ፡ በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ምኽንያት ካብ ዕለት 19 ክሳብብ ዕለት 21 ሕዳር 2020 ዓ.ም. ተሰጋጊሩን ብመረብታዊ ውሕዘት ዝካየድ እውን ክኸውን ከምእተወሰነን፡ እቶም ንበይንኻ ምድሓን ዘይከኣል ምዃኑ ብቐዳምነት ንዘስተውዓሉ መንእሰያት ንምስማዕን ዘቕርብዎ ሓሳብ ንምትእኽኻብን ክከኣልን ራእያቶም ፍርያም ንምግባር፡ እቲ ንክልተ መዓልቲ ቅድመ ዓውደ ጉባኤ ክካየድ ተሓሲቡ ዝነበረ ምይይጥ፡ ንኣስታት ትሽዓተ ወርሒ ከምእተኻየደ ኣብቲ ዝተወሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ ዝተሳተፋን ዘረባ ዘስመዓ “ናይ ፍራንቸስኮ ዘኣሲዚ ኤኮኖሚ” ናይ ስነ ምርምር ሽማግለ ኣባል እናቴ ኣለሳንድራ ስመሪሊ ከምዝሓበራ ካፐሊ ኣፍሊጠን።

ብሩኒ፥ ነቶም ኣብ ሕሱም ድኽነት ዝርከቡ ዝሓቁፍ ኤኮኖሚ

ርማ ኣብ ዝርከብ መንበረ ጥበብ ሉምሳ ናይ ስነ ኤኮኖሚ ፖለቲካ መምህር ናይ ኤኮኖሚ ሊቅ ናይ “ፍራንቸስኮ ዘኣሲዚ ኤኮኖሚ” ስነ ምርምር ጉዳይ ሓላፊ ፕሮፈሰር ልዊጂኖ ብሩኒ እውን ብወገኖም፥ እቲ “ናይ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘኣሲዚ ኤኮኖሚ” ካብ መላእ ዓለም ዝተዋጽኡ መንእሰያት ናይ ኤኮኖሚ ሊቃውንትን ሰብ ትካላትን ዝሓቁፍ ምዃኑ ሓቢሮም፥ እቲ ህልው ኤኮኖሚ ደጋዊ ረብሓ ኣብ ዝብል ባይታ እዩ ዝዋሳእ፡ ኣብ ናይ ውልቂ ረብሓ ዘማእከለን እቲ ዘይረኣይ ተራኻብነትን ግብረ ገባውን ዝብል ረብሓ ዕሽሽ ዝብልን ንመንፈሳዊ ሃብቲ ፈጺሙ ዝዘንገዔ እዩ” ቢሎም፥

ሓደ ኤኮኖሚ ናይ ፍራንቸስኮ ንኽትብሎ ሓምላይ ኤኮኖሚ ቢልካ ምግላጽ ጥራሕ ንበይኑ እዅል ኣይኮነን፡ ድኻታት ዝሓቁፍ ናይ መንእሰያት ቀንደይና ተዋሳእነት ዝጠልብ ውሳጣዊ ሕይወት ዝከናኸን ማለት እዩ! ንድኻታት ቆላሕታ ዘይገብርን ነቲ ዘሎ ኢማዕርነት ግምት ዘይህብ፡ ኣብዚ እዋን እዚ ‘ሓምላይ ኤኮኖሚ’ ዝበሃል ኣሎ፡ . . . ናይ ፍራንቸስኮ ኤኮኖሚ ስነ ማሓድሮኣዊ ጥራሕ ክኸውን ኣይኽእልን፡ ናይ መሬትን ናይ ድኻታትን ገዓር ሓደ ዓይነት ገዓር ምዃኑ ‘ይሴባሕ’ ዓዋዲ መልእኽቲ ደሓር እውን ‘ኵላትና ኣሕዋት’ ዘርእስቱ ዓዋዲ መልእኽቲ የዘኻኽረና፡ ሕውነት ምስቶም ናይ መወዳእታ ክፍሊ ሕብረተሰብ ዘይነብርን ንኣኣቶም ዘይሓቍፍን፡ ሕውነት ምስ መሬት ጥራሕ ምባል ጐዶሎ እዩ፡

እንክብሉ ኣብቲ ዝተወሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ከምዝሓበሩ ካፐሊ ኣፍሊጠን።

ስመሪሊ፥ ናይ ፍራንቸስኮ ኤኮኖሚ ተስፋ እዩ

መንእሰያት ዘድልዮም ሰነድ ወይ ውን ውዕሊ ኣይኮነን እቲ ዘድልዮም እማም እዩ! ኣብ ምንታይ ክነጥፉን ክዋፈሩን ዘድልዮም ንምልላይን፡ ነዚ ዝበላ ኣብቲ ዝተወሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ ዘረባ ዘስምዓ፡ ኣብ ጳጳሳዊ ኣውሲሊዩም ተቕዋም ናይ ስነ ኤኮኖሚ ፖለቲካ መምህር ናይ “ፍራንቸስኮ ዘኣሲዚ ኤኮኖሚ” ናይ ስነ ምርምር ሽማግለ ኣባል ናይ ኤኮኖሚ ሊቅ እናቴ ኣለሳንድራ ስመሪሊ ሓቢረን፡ መንእሰያት ነቶም ኣብ ጸገም ዝርከቡ ብፍሉይ ኣተኵሮ ገይሮም ንመጻኢ ዝሰናደዉ እያቶም፥

ናይ ፍራንቸስኮ ኤኮኖሚ ማለት ቅድም ቀዳድም መንእሰይን ተስፋን ክውንነትን ማለት እዩ፡ ሓደ መልእኽቲ ንኽከላኸሉ ምዕዳም ዘይኰነ እቲ መልእኽቲ ኣብ ምህናጽ ግደ ክህልዎም ምሕታት እዩ፡ እዚ እዩ እቲ ቅዱስ ኣቦና ዘቕረብዎ ጻውዒት፡ ኣብ ኣሲዚ ንኽራኸብዎም እዮም ዝዓደሙ፡ ኣብዚ ብሓጺር ጠማቲ ሓሳብ ዝሓመመሉን ውሑድ ራእይ ንመጻኢ ኣብ ዘለሉን ዓለም ንመንእሰያት ድምጾም ከስምዑ ምግባር ናብ መጻኢ ዘሰጋግር ድልድ ምሕናጽ ማለት እዩ!

ከምዝበላ ካፐሊ ኣፍሊጠን።

ዲ ማኦሎ፥ ናይ ተኣፋፍያን ሕልሚ ምክልኻል

ናይ ኣሲዚ ድምጺ ክምስማዕ ዝገበራ ኣብ ኣሲዚ ሰራፊኩም ተቕዋም ኣደ መንበር “ናይ ፍራንቸስኮ ኤኮኖሚ” ስነ ምርምር ሽማግለ ኣባል ጠበቓ ፍራንቸስካ ዲ ማኦሎ እውን ኣብ ዘስመዓኦ መደረ፡ እቲ “ናይ ፍራንቸስኮ ኤኮኖሚ” ዓውደ ጉባኤ ናይ ሰራፊኵም ተቕዋም መንእሰያት ታሪኽ ናይቲ ግዱዓት ዝኣልይ ኣገልግሎት ምሃብ ካብ ዝጅምር መበል 150 ዓመት ናይ ዘቑጽር ዘሎ ማእከል ታሪኽ ነጋሪ ዘዳለውዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ከምዝኸውን ሓቢረን፡ ብዘይ ሕልሚ መጻኢ የሎን፡ መጻኢ፥ ኣብ ምክልኻል ሕይወት ተኣፋፍያን እዩ ምልኩት ዝኸውን፡ ናይ ሰራፊኩም መንእሰያት ዘይማዕርነትን ናይቲ ድኹማት ከም ጓሓፍ ዝምልከት ናይ ኤኮኖሚ ፓለቲካ ውጽኢት ዝኾነ ናይ ሕይወቶም ተመክሮ ዝትርኽ መልእኽቲ እውን ከምዝኸውን ገሊጸን፥

ተቕዋም ሰራፊኵም ነዚ ተበግሶ ከምዝሰዓቦን እዚ ኸኣ ናይቶም ኣብ ዓለም ዝርከቡ ተኣፋፍያን ድምጺ ብምዃን እዩ፡ ብዛዕባ ሕጻናትን መንእሰያትን ግድዓት እንገልግል እውን እንተኾንና ነቶም ኣብ ወሰናስን መገድታት ዘለዉ ዝቖሰሉ ኣሕዋት ድምጺ ንምዃን እዩ፡ እቲ ኣገልግሎት ድምጺ ናይቶ ግዱዓትን ዝተነጸሉን ኣብ ፈቕዶ ጉደናታትና ዝርከቡን እዩ፡ መንእሰያት ናይ ምሕላም ብቕዓት ዘለዎም እያቶም ውግእን ምጥንጣንን ዘይብሉ መጻኢ ዝሓልሙን፡ ንዅሉ ዝሓቑፍን ኵሉ ኣብ ሕይወት ንኽሳተፉ ዘተባብዕን ሓድሽ ኤኮኖሚ ዝሓልሙ እያቶም፡

ከምዝበላ ካፐሊ ኣፍሊጠን።

ኣብ ማሕበራዊ መረብት ማሕበረሰብ ምፍጣር

ናይቲ ናይ “ፍራንቸስኮ ዘኣሲዚ ኤኮኖሚ” ስነ ምርምር ሽማግለ ኣባል ተወላዲት ኣርጀንቲና ብምኽንያት እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ኾሮና ተህዋስ ካብ ኣርጀንቲና ኰይነን ብምስማዐ ርእየት ኣብቲ ዝተወሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ ዝተሳተፈ ፍሎረንሲያ ሎካሾ ኣብቲ መረብታዊ ውሕዘት ዝካየድ ዓውደ ጉባኤ ዝሳተፉ ብዙሓት መንእሰያት ማሕበረሰብ ናይ ምፍጣር ተመክሮ ከምዝገብሩ ርግጸይና ምዃነን እንክሕብራ፡ ኣባ ኤንዞ ፎርቱናቶ ናይ ኣሲዚ ቅዱስ ገዳም ናይ ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ እውን ብወገኖም፥ “ናይ ፍራንቸስኮ ኤኮኖሚ” እቲ ዓቢይ ብድሆ ሓቛፍነትን ጸምባርነንት ዝብል ምርጫ እዩ፥ እዚ ኸኣ ኤኮኖሚ ዳግም ክውለድ ዝገብር ኪደት ምዃኑ ብሰፊሕ ከምዘብርሁ ካፐሊ ይሕብራ።

29 October 2020, 12:50