ድለ

ቅድስቲ መንበርን ቻይናን፥ ናይ ሓባር ስምምዕ ርትዒ ኣብ ስሜተ ጳጳሳት ቅድስቲ መንበርን ቻይናን፥ ናይ ሓባር ስምምዕ ርትዒ ኣብ ስሜተ ጳጳሳት  ርእሰ ዓንቀጽ

ቅድስቲ መንበርን ቻይናን፥ ናይ ሓባር ስምምዕ ርትዒ ኣብ ስሜተ ጳጳሳት

ናይታ ኣብ ቻይና እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሕጋዊ ዅኔታን ኣብ መንጐ ቤተ ክህነትን ናይ ቻይና መንግስቲ ኣካልን ዝምልከት እዩ፡ ምእንቲ እዚ እቲ ግዚያዊ ናይ ስምምዕ ሰነድ ብቐጥታ ብዛዕባ ስሜተ ጳጳሳት ዝምልከት

እቲ ዕለት 22 መስከረም 2018 ዓ.ም. ኣብ መንጐ ቅድስቲ መንበርን ሕዝባዊ ረፓብሊካዊት ቻይና ዝተበጽሔ ክሳብ ወርሒ ጥቅምቲ 2020 ዓ.ም. ኣብ ኣገልግሎት ዘሎ ግዚያዊ ናይ ሓባር ስምምዕ ቅድስቲ መንበር ክሕደስ ድላይ ከምዘለዋ ብወግዒ ከምዝሓበረትን ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፓሮሊን፥ “እቲ ስምምዕ ክቕጽል ዝሓሸ እዩ” ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ርእሰ ዓንቀጽ ዋና ኣሰናዳኢ ኣንድረያ ቶርኔሊ (Andrea Tornielli) ዕለት 29 መስከረም 2020 ዓ.ም. ኣብ ዘቕረብዎ ርእሰ ዓንቀጽ ይሕብሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ኣብ መንጐ ቅድስቲ መንበርን ሕዝባዊ ረፓብሊካዊት ቻይና ዕለት 22 መስከረም 2018 ዓ.ም. ዝተበጽሔ ግዚያዊ ናይ ሓባር ስምምዕ መርትዖ፥ ስያሜ ብጹዓን ጳጳሳት ዘማእከለ ክኸውን እንከሎ፥ እዚ ስምምዕ’ዚ ብትኽክል ድሕሪ ዕለት 22 ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም. ኣብ ግብሪ ክውዕል ከምዝጀመረን እቲ ስምምዕ ከምዝሕብሮ ገቢራዊ ምዃን ካብ ዝጀመረሉ ዕለት ድሕሪ ክልተ ዓመት ዘብቅዕ ምዃኑ ብኑጽር ዝተመልከተ ክኸውን እንከሎ፥ ግዚያዊ እውን ብምዃኑ ዕለት 22 ጥቅምቲ 2020 ዓ.ም. ውድቂ ክኸውን እዩ፡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን፡ ቅድስቲ መንበር እቲ ናይ ስምምዕ ሰነድ ዳግም ክሕደስ ንናይ ቻይና መንግስቲ ዘለዋ ድላይ ከምዘቕረበት ሓቢሮም፡ እዚ ግን እቲ ናይ ስምምዕ ሰነድ ግዚያዊ ኮይኑ እዩ ዝቕጽል ኢሎም። “ኣብተን ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ክምእተኻየደ፡ እቲ ግዚያዊ ናይ ስምምዕ ሰነድ ኣብ ቻይና ንእትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ይጠቕምን ኣይጠቕምን ብቐጻሊ ዝመሳኸር እዩ” ምእንቲ እዚ እቲ ናይ ግዚያዊ ሰነድ እንተቐጸለ ዝሓሸ እዩ፥ እዚ ኸኣ ዝረአይ ጉዳይ ይኸውን ከምዝበሉ ኣንድረያ ቶርኒየሊ ኣብ ዘውጽእዎ ርእሰ ዓንቀጽ የመላኽቱ።

እቲ ዕለት 22 መስከረም 2018 ዓ.ም. ብቕድስቲ መንበርን ሕዝባዊት ረፓብሊካዊት ቻይና ዝተበጽሔ ግዚያዊ ስምምዕ ወግዓዊ ኣብ ዝኾነሉ እዋን ብግልጺ ከምእተሓበረ፥ ክሌኣዊ ስነ ሜላ ርክብ ኣብ መንጐ ቅድስቲ መንበርን ሕዝባዊት ረፓብሊካዊት ቻይና ብቐጥታ ዝምልከት ከምዘይኮነን በንጻሩ ናይታ ኣብ ቻይና እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሕጋዊ ዅኔታን ኣብ መንጐ ቤተ ክህነትን ናይ ቻይና መንግስቲ ኣካልን ዝምልከት እዩ፡ ምእንቲ እዚ እቲ ግዚያዊ ናይ ስምምዕ ሰነድ ብቐጥታ ብዛዕባ ስሜተ ጳጳሳት ዝምልከት እዩ። ንቤተ ክርስቲያን ዘገድስ፥ ናይ ካቶኪካዊት ቤተ ክርስቲያን ጓሶት ምስ ናይ ሮማ ጳጳስን ኣብ መላእ ዓለም ምስ ዝርከቡን ጳጳሳት ሱታፌ ዝምልከት ጉዳይ እዩ፥ ምእንቲ’ዚ እቲ ግዚያዊ ናይ ስምምዕ ሰነድ ብፍጹም ክሌኣዊ ስነ ሜላ ርክብን ፖለቲካዊ ጉዳይን ዝምልከት ኣይኮነን። ናይ ብሓቂ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዝምልከት እዩ። ሸቶኡ ምእመናን ምስ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ሱታፌ ዘለዎም ጳጳስ ክህልዎምን ማዕረ ማዕረኡ ብናይ ሕዝባዊት ረፓብሊክ ቻይና መንግስቲ ተፈላጥነት ክረኽቡን ዝብል ምዃኑ ቶርኒየሊ የብርሁ።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ 2018 ዓ.ም. ብትኽኽል ድሕሪ ቁሩብ መዓልታት እቲ ግዚያዊ ናይ ሓባር ስምምዕ ኣብታ “ንካቶሊካውያን ቻይናን ንኵላዊት ቤተ ክርስቲያንን” ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ከምዝበልዎ፥ “ኣብ ዝሓለፉ ኣስርቱ ዓመታት ኣብ ኸርሲ ኣብታ ኣብ ቻይና እትርከ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ቁስልን ምግምማዕን ዝፈጠረ፥ ኣብ ዙሪያ ተክለ ሰብነት ጳጳስ ዝጸንዔ ጉዳይ ኮይኑ፡ ኣየናይ እዩ እውነተይና ናይ እምነት ኤቅለሲያዊ ሱታፌ ዓቃብን” ዝብል ሕቶ ዝምልከት ምዃኑ ኣነጺሮምን እዚ ጉዳይ’ዚ ኸኣ ናይ ፖለቲካ ቅርጽታት ኣብ ውሽጢ ኣብቲ ኣብ ቻይና ዝርከብ ካቶሊካዊ ማሕበረሰብ ሕይወት ዝፍጽሞ እደ ኣታውነት ዝፈጠሮን ካብቲ ናይ መንግስቲ ፖለቲካዊ ሃይማኖት ገዛእ ርእሱ ዝኽውል ማሕበረሰብ ካቶሊክ ክህሉ ቶኽቲዅ እዩ።

ካብ ድኻምነትን ጌጋታትን ብዘይምልከቶም ደጋውያን ኣካላትን ዘይግባእ እብ ካቶሊካዊ ማሕበረሰብ ዝፈጠሮ ቁስሊ ብትኽኽል ከም እተስተውዓለን፡ ናይ ነዊሕ ዓመታት ቅድሚ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝነበሩ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ዘካይድዎ ፈተነ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ መንጐ ምስቶም ብዘይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ውሳኔ ኣብ ቻይና ጳጳሳት ምስ ዝተሰምዩ ምስ መንበረ ጴጥሮስ ሱታፌ ክቐውም ገይሮም እዮም፡ እዚ ኸኣ ድሕሪ ነዊሕ ኣስተንትኖን ጸሎትን ብዛዕባ እዚ ጉዳይ እዚ ዝምልከት ኩሉ ሕቶን ኵነትን ኣማእኪሎም ብጥልቂ ድሕሪ ዘካየድዎ መጽናዕቲ ዝተረኽበ ውጽኢት እዩ፡ ምእንቲ እዚ ናይቲ ናይ  ግዚያዊ ስምምዕ ሸቶ ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ዝበልዎ፥ “ኣብ ቻይና ኣስፍሆተ ወንጌል ንምድጋፍን ንምንቕቓሕን ኣብ ቻይና ምሉእ ናይ ቤተ ክርስቲያን ሓድነት ጭቡጥ” ኸውን ዝብል ምዃኑ ኣንድረያ ቶርኔይሊ ኣብ ዘቕረብዎ ርእሰ ዓንቀጽ የብርሁ።

ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ምስ ሮማ ብዘተገብረ ስምምዕ መሰረት፡ ኣብ ቻይና ሓደስቲ ጳጳሳት ተሰምዮምን ብናይ ፐኪንክ መንግስቲ እውን ተፈላጥነት ተዋሂብዎም እዩ፡ እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ርክባት ከይህሉ ዝደረኸን እቲ ርክብ ሰለይ ዝብል እውን ይዅን እቲ ስምምዕ ብጭቡጥ ክቕጽል ዝብል ሓሳብ እዩ ዘቕርብ እንክብሉ ቶርኒየሊ ዘቕረብዎ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ርእሰ ዓንቀጽ ይዛዝሙ።

ቅድስቲ መንበርን ቻይናን፥ ናይ ሓባር ስምምዕ ርትዒ ኣብ ስሜተ ጳጳሳት
30 September 2020, 18:24