ድለ

ካፎ፥ ናይ ወሲብ ዓመጽ ምክልኻል ጥንቁቕ ዝተወሃሃደ ዕዮ ይጠልብ ካፎ፥ ናይ ወሲብ ዓመጽ ምክልኻል ጥንቁቕ ዝተወሃሃደ ዕዮ ይጠልብ 

ካፎ፥ ናይ ወሲብ ዓመጽ ምክልኻል ጥንቁቕ ዝተወሃሃደ ዕዮ ይጠልብ

እቲ ዓውደ ጉባኤ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ንምክልኻል ዝግበር ዝርጋሔን መጽናዕትን ድልያን ሕንጸት ብመረብታዊ መራኽቦን ዝብሉ ኣርባዕተ ነጥብታት ኣማእኪሉ ከምዝዘተየን

ጳጳሳዊ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ዝከላኸል ድርገት ንኽልተ መዕልቲ ዘካየዶ ሓፈሻዊ ምሉእ ዓውደ ጉባኤ ዕለት 18 መስከረም 2020 ዓ.ም. ከምዘጠናቐቐን ብዛዕባ እዚ ጉዳይ’ዚ ኣመልኪቶም ናይቲ ድርገት ኣባል ኤርነስቶ ካፎ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት “ናይ ባህሊ ለውጢ” ኣገዳሲ እዩ ቢሎም፡ ናይ ወሲብ ዓመጽን እዚ ዓይነት ዘስካሕክሕ ጸረ ሰብኣዊ ተግባር ክይፍጸም ብዓንተውኡ ጽኑዕ ምንጋወ ዝሓትት እዩ፡ እንተዘይኮነ እቲ ከቢድ መዓት ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ሱቕታ ዝርከቡ ዝተርፍ ስግኣት እዩ ዝኸውን ይብሉ፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ናይ ወሲብ ዓመጽ ክስተት ዝዓገተ ኣይመስልን፡ ነዚ ዝበሉ ምስ ዜና ቫቲካን ቃለ መሕትት ዘካየዱ ናይ ሕጻናት ኣድሕን ተለፎን (Telefono Azzurro) መስራትን ኣቦ መንበርን ካፎ፥ እቲ ካብ ዕለት 16 መስከረም ክሳብ ዕለት 18 መስከረም 2020 ዓ.ም. ጳጳሳዊ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ዝከላኸል ድርገት ዘካየዶ ሓፈሻዊ ምሉእ ጉባኤ ኣመልኪቶም፥ እቲ ዓውደ ጉባኤ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ንምክልኻል ዝግበር ዝርጋሔን መጽናዕትን ድልያን ሕንጸት ብመረብታዊ መራኽቦን ዝብሉ ኣርባዕተ ነጥብታት ኣማእኪሉ ከምዝዘተየን ኣብ ብራዚል ብዛዕባ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ምክልኻል ዝግበር ጻዕሪ፥ ናይ ወሲብ ዓመጽ ኣደዳ ዝኾኑን ከምዚ ዓይነት ገበን ዝከታተሉን ኣብ ምክልኻሉን ዝዓዩ መማኽርቲ ዝምልከት ዝቐረበ ተክለ ቅርጺ እቲ ኣብ ወርሒ ለካቲት 2020 ዓ.ም. ብድላይን ሓልዮትን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝቖመ ሓይልታት ዕማን ክቐውም ከምዝደገፈን እቲ ሓይልታት ዕማም ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ ቤት ምኽሪ ብጽዓን ጳጳሳት ዝድግፍን ኣብ ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ዝድግፍን ኣብ ኣባይቲ ምኽሪ ብጹዓን ጳጳሳትን ብኤቅለሳውያን ኵውንነት ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ንምክልኻል ዝድግፍ እዩ ኢሎም።

ሓባሪ መጽሕፍን ሓደስቲ መጋበርያን

ጳጳሳዊ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ዝከላኸል ድርገት ዝሓለፈ ዓመት ዕለት 16 ሓምለ ናይ ዓንቀጸ እምነት ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ዘውጸኦ ሓባሪ መጽሓፍ ነቶም ፍትሒ ዘመሓድሩ ዓቢይ ድጋፍ እዩ እዚ ኸኣ እቶም ናይ ወሲብ ዓመጽ ኣደዳ ዝኾነ ክስምዑ ከምዘለዎም ክስምዑ ጥራሕ እውን ዘይኮነ ከመይ ክስምዑ ከምዘለዎም ዝሕብርን ዝተፈላለዩ ኣገባባት ዘጠቓልል እዩ ይብሉ።

ካፎ፥ ናይ ወሲብ ዓመጽ ምክልኻል ጥንቁቕ ዝተወሃሃደ ዕዮ ይጠልብ
21 September 2020, 17:19