ድለ

ዝኽሪ መበል 100 ዓመት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ “ኮኾብ ማያት ባሕሪ” ዝኽሪ መበል 100 ዓመት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ “ኮኾብ ማያት ባሕሪ” 

ዝኽሪ መበል 100 ዓመት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ “ኮኾብ ማያት ባሕሪ”

ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝርከብ ኣባይቲ ምኽር ብጹዓን ጳጳሳት ንናይ ባሕረይናታትን ብሃብቲ ማያት ባሕሪ ንዝመሓደሩን መንፈሳውን ሰብኣውን ኣገልግሎት ዘነቓቕሕ ፍልዩ ጳጳስ ክምድቡን ኣብ ወደባት ኣባይቲ ጸሎት ከቝሙን ኣብዚ ኣገልግሎት እዚ እውን ካህናት ክምደቡ

ናይ ሰብኣዊ ኵለንተናዊ ምሉእ ዕብየት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ብምኽንያት ዝኽሪ መበል 100 ዓመት ኮኾብ ማያት ባሕሪ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፡ ምእንቲ እቶም በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ኣብ ፈቐዶ ማያት ባሕሪ ተዓጊቶም ዝርከቡ ባሕረይናታትን ብሃብቲ ማያት ባሕሪ ዝመሓደሩ ሰራሕተይናታትን ዘድሊ ድጋፍ ክቐርበሎም ጻውዒት የቕርቡ።

ዝኽሪ መበል 100 ዓመት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ “ኮኾብ ማያት ባሕሪ”
ዝኽሪ መበል 100 ዓመት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ “ኮኾብ ማያት ባሕሪ”

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ኵለንተናዊ  ምሉእ ምዕባለ ሓልዮ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ብጹዕ ካርዲናል ፐተር ቱርክሶን ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፡ ቅድም ቀዳድም ነቶም ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ዝተፈላለየ 300 ወደባት ናይ ዝርከባ ኣባይቲ ጸሎት ቆሞሳት ንልዕሊ ሓደ ሚሊዮን ዝግመቱ ብሃብቲ ማያት ባሕሪ ዝመሓደሩን ባሕረይናታትን መንፈሳዊ ጉስነት ዘካይዱን ኣብ ዓመት ኣብ 70 መራኽብ ምብጻሕ ዘካይዱን መንፍሳውን ሰብኣውን ኣገልግሎት ንዝፍጽሙ ካህናትን ወለንተይናታትን ብጠቕላላ እቶም ብመሰረት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ኮኾብ ማያት ባሕሪ ንዘገልግሉ ምስጋና የቕርቡ።

እቲ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ኣገልግሎት ኣብ ወደባትን ኣብ መንጐ ባሕረይናታትን ብሃብቲ ማያት ባሕሪ ዝመሓደሩን መንፈሳዊ ኣገልግሎት ናይ ምቕራብ መደብ ዕለት 4 ጥቅምቲ 1920 ዓ.ም. ኣብ ግላስጐው ዝተበገሰ ክኸውን እንከሎ ንዝኽሪ መበል 100 ዓመት ቅዋሜ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ኮኾብ ባሕሪ ካብ ዕለት 29 መስከረም ክሳብ ዕለት 4 ጥቅምቲ 2020 ዓ.ም. መበል 25 ዓለም ሓቆፍ ዓውደ ጉባኤ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ኮኾብ ማያት ባሕሪ ክካየድ ኣብ መደብ ዝነበረ እውን እንተኾነ፡ በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ምኽንያት ካብ ዕለት 3 ጥቅምቲ ክሳብ ዕለት 8 ጥቅምቲ 2021 ዓ.ም. ንኽካየድ ከምእተወሰነ ክሕበር እንከሎ፡ እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብ ግላስጎው ዕለት 4 ጥቅምቲ 2020 ዓ.ም. ብምኽንያት ዝኽሪ መበል 100 ዓመት ቅዋሜ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ  ኮኾብ ማያት ባሕሪ ናይ ግላስጐው ሊቀ ጳጳስ ብጹዕ ኣቡነ ፊሊፕ ታርታሊያ ዘዕርግው መስዋዕተ ቅዳሴ ከምዝህሉን እቲ ዘዕርግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ብቐጥታ ብምስማዐ ርእየት ውሕዘት ክመሓላለፍ እውን እዩ።

ዝኽሪ መበል 100 ዓመት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ “ኮኾብ ማያት ባሕሪ”
ዝኽሪ መበል 100 ዓመት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ “ኮኾብ ማያት ባሕሪ”

ኣብ ባሕሪ፥ ኮቪድ - 19ን ሕጹጽ ሰብኣዊ ኵነታትን

ብምኽንያት ኮቪድ - 19 ዶባት ክዕጸዉን ሕዝብታት ክውሸቡን ምፍንታትን ክውሰንን ግድን ኣብ ዝኾነሉ እዋን፡ ነቶም ብሃብቲ ማያት ባሕሪ ዝመሓደሩን ባሕረይናታትን ንከቢድን ሕጹጽን ሰብኣዊ ሓደጋ ከምዘቃልዔ ብጹዕ ካርዲናል ቱርክሶን ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ሓቢሮም፥ ብዙሓት ባሕረይታት እውን ካብ ኣባይቲ ስድራኦም ርሒቖምን ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ወደባት ዝርከቡን በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ምንቅስቓስ ዘይከኣል እውን ብምዃኑ፡ ናይ ስራሕ ውዕሎም ከምቲ ናይ ባሕረይናታት ናይ ስራሕ ውዕሊ ከሕብሮ ን11 ኣዋርሕ ከምእተሓደሰሎምን እዚ ህልው ኵነት እዚ እውን ንኣእምሮኣዊ ጸቕጥን ኣካላዊ ድኻምን ከምዝዳረጎም ኣብሪሆም፥ “ነቶም ኣብ ማያት ባሕሪ ዝርከቡ ባሕረይናታት ንምብራይ ዘኽእል ዕዮ ከምዘይተፈጸመ እውን ገሊጾም ንኣኣቶም ምሉድ ቅርበትን ድጋፍን ነረጋግጽ ምስ በሉ፡ ናብ ኣባይቶምን ሃገራቶምን ኣባይቲ ስድራኦምን ንኽምለሱ ምስ ፈተውቶም ክራኸቡን ንላበው ኢሎም።

ቤተ ክርስቲያን ንባሕረይናታት ቀረባ እያ

ካርዲናል ቱርክሶን ኣብ መልእኽቶም እቲ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ኮኾብ ባሕሪ ኣብ 1922 ዓ.ም. ብፒዮስ መበል 11 ጸዲቑን እነሆ ሎሚ ዳርጋ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ተዘርጊሑ ከምዝርከብን ህብረ ባህልን ቋንቋን ዝሓቁፍ እውን ምዃን ገሊጾም፡ ባሕረይናታት ብጨወይትን ብናይ ገበን ጉጅለታትን ንዝተፈላለየ ሓደጋ ከምዝቃልዑን ኣብዚ እዋን’ዚ ከኣ በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ነኣእምሮኣዊ ጸቕጥን ንተነጽሎን ተቓሊዖም ይርከቡ፡ . . . ነዞም ኣሕዋትና ንምድጋፍ ዘኽእል ምስቲ ህልው ኩነት ዝኸይድ ዝተሓደሰን ሓድሽን መንፈስ ቅዱስ ዘብርሆ ምስኣቶም ሓቢራ እትጓዓዝ ቤተ ክርስቲያን ንምዃን ንጽዋዕ ኢሎም።

ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝርከብ ኣባይቲ ምኽር ብጹዓን ጳጳሳት ንናይ ባሕረይናታትን ብሃብቲ ማያት ባሕሪ ንዝመሓደሩን መንፈሳውን ሰብኣውን ኣገልግሎት ዘነቓቕሕ ፍልዩ ጳጳስ ክምድቡን ኣብ ወደባት ኣባይቲ ጸሎት ከቝሙን ኣብዚ ኣገልግሎት እዚ እውን ካህናት ክምደቡ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ሓሳብ ኣቕሪቦም፡ ኣብዚ ለብዒ ኣብ ዝረአየሉ ዘሎ እዋን ብኣካል መንፈሳዊ ኣገልግሎት ንምቕራብ ዘጸግም ኣብ እውን እንተኾነ ብእደ ጥበብ ዝማዕበለ መራኸቢ ብዙሓን ብምጥቓም ዘድሊ ኣገልግሎት ምቕራብ ክህሉ ሓደራ ይብሉ።

ሓድሽ ናይ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ማያት ባሕሪ መለለዪ

ብጹዕነቶም ኣተሓሒዞም እውን ናይቲ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ኮኾብ ማያት ባሕሪ ኣርማ ንናይ እዋንና ምልክታ መልሲ ዝህብ ኮይኑ ከምዝቐረበን መለለይን ንናይ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ማያት ባሕሪ ዘቕርቦ ኣገልግሎት ሓባርን እውን ምዃኑ ይገልጹ።

ዝኽሪ መበል 100 ዓመት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ “ኮኾብ ማያት ባሕሪ”
29 September 2020, 19:48